Print this page

ቃል ደቂ ኣንስትዮ ጀርመን ኣብ ፈስቲቫል 2018

2018-08-07 22:09:56 Written by  ኣልጋነሽ ገብረ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2134 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርክን/ኩምን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2018

ዝኸበርክን/ ኩምን መሪሕነትን ተወከልቲን ሰልፍታትን ውድባትን ማሕበራት

ዝኸበርክን/ኩምን ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ፈስቲቫልን ብሓፈሻ፡

ብመጀመርታ ኣብ ፈስቲቫል 2018 ንኽንሳተፍ ዝገበርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጀርመንን ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል እንዳኣ መስገንኩ፡ ልባዊ ሰላምታይ የቕርብ። እንቛዕ ከኣ ኣብዚ መኣዲ ዘተ ዝዓለመ ፈስቲቫልዚ ብሰላም ኣራኸበና እናበልኩ፡ ፈስቲቫልኩም ዕውት ኾይኑ፡ መንጸብረቕትኡ ነቲ ርሑቅ ዘለው ውጹዕ ህዝብና ዘተስፉን፡ ንህዝቢ ዘዕጥቅ፡ መገዲ ሰላምን ራህዋን ዝሕብር ክኸውን ትምኒትና ወሰን የብሉን።

ናይ ደንሃክ ኮንፈርንስ ዕውት ኮይኑ ንክውጽእ ከም ሰልፊን ከም ውልቀ ሰባትን ዘርኣክሞ ተውፋይነት፣ ንኣይን ንኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንመስልክን ምልዓልክን፣ኣሎና ኣብ ጎንክን፣ ጻውዕትክን ብሰራት ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ሰለ ዝኮነ፣ እድ ንእድ ተታሓሕዝና ከነዔውቶ ምኻና ዘመስክር እዩ።

ሎሚ ድማ ነቶም ሎሚ ፈሰቲቫል ተካይዱ ዘሎኩምን ከምእውን ካብዚ ገዛ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላትኩም፣ ኣብዚ ገዛ ዘሎኩም ኣባላትን መሪሕነትን ናይ ዝተፋላለያ ምንቅስቃሳት ማሕበራት ወፈያኩም ብዝተፈላለየ መንገዲ ዘበርከትኩም/ክንን ደጊመ ከመስግን በዚ ኣጋጣሚ ፍቀዱለይ።

ውዕሎ ደንሃክ ዕውት ኮይኑ ወጺኡ ፣ ብዝተካእለና ኣብ ኤውሮፓ ዘሎና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ተወዲበና ንመሰልና ደዎ ምስ እንብል ሩሕ ዲክታተርነት ዘብቅዓሉን፣ ሰጥመትና እነረጋግጽሉን እዩ።

መቀጽልታ ኮንፈርንስ ደንሃክ ንዝመጽእ ዓመት ኤውሮፓ ለከ ጉባኤ ንክግበር ንዳለው ኣሎና ንኩሉ እትህቡና ኣውንታዊ ሓገዘት ኣብ ማዕላኡ ክውዕልን ዕውታት ኮና ክንወጻን ዝለዓለ ጻዕርና እዩ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ደጊመ የመስግን።    

ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ንኽትህሉ ኩሉ ዝካኣሎ ዝኸፈለ ህዝብና፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ተሐሪምዎ ኣብ ዘስካሕክሕ ሕሰምን መከራን ክሳብ ምጽናትን ኣብጺሑዎስ፣ እዚ ትልክ ዝብል ዘሎ ስርዓት ድማ ከም ሓደ ድኑስ ህዝቢ ወሲድዎስ ንህና ቀደም ኮነ ሎሚ ወዳእትካ ኢና ሸግርካ ድማ ብቡን ምቅዳሕ ቁርሲ ምዕዳል ወዲእናዮ ዝብሉ ኣጋንንቲ ለይቲን ስራኤል መዓልቲ

ዝኮኑ ውልቀ-ሰባት ክዝምሩን ልቦም ክሃርሙን ተዓዚብና።

ዓጀብ በሉ እዛ ምቅናይስ ገለ ከተስምዓን ዶ ኮን ትከውን?

ኣብ ዕርበቶም መንፈርፈር ኣውጺኦ ክጸድቁ ደልዮምይኮኑ፣

እቲ ዘገድስ ሕጂ ሎሚ ክንሰርሖ ዘሎና ሰላምን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ንኤርትራውያን ይምልከተና መበገሲና ድማ ቁጽሪ ዘይኪነስ ነባሪ ልዝብ፣ ቀጻሊ ዘተን፣ሰለ ዝኮነ ሕጂውን ዝዓግተና የሎን መኣዲ ዘተ ነዳሉ ፣ከም ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ኣብቲ ኩሉ ድስቲ ኩስኩስቲ ናይዚ መስርሕ ወሳኒ ግደ ክንጻወት ድልዋት እና።

ጻውዕትና

1, መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ይኩን ኣብ ደገ ዘሎካ ውጽኢት ቃልስካ እዩ ነባሪ ውሕስነትካ፣ ሰለ ዝኮነ ንዝሓልፍ ስርዓታት ዘይኮነ ጠመቴካ መጻኢ ወሎደካ እዩ ።

2, ዕጡቅ ሰራዊት ኤርትራ ሓለዋ ህዝብካ ኣብ እድካ ኣሎ እወ ንህዝበይ በል።

3, ኣብ ዲያስፖራ እትርከብ፣ካብ ዝሃጎጎ ግራት ዝሕፈስ ምህርቲ ዮሎን ፣ህዝቢ ከይ ባደመ ንዘተ ዕጠቅ

4, ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብፍላይ፣ ኣዚ ኣትዩና ዘሎ ጛህሪ ሓሙክሽቲ ኮና ከይንቅህም ንህዝብና ዘዝሕልን ዝዕንግልን ከነብርክት ካብ ዘሎናዮ ዓሮ ንበል ከምተን ወሓሉ እኖታትና።

5, መንእሰያት ኤርትራ ዝተበድልካዮ በድል ኣብ ደቅካ ከይትርእዮ፣ ሎሚ ደዎ በል ሓድግካ ክቀስን።

6, ምሁራንን/ትን ሞያ ነባሪ ዳኣምበር ሓላፊ ኣይኮነን፣ ሞያኩም ህያው ገበርዎ/በርኦ ህዝቢ ንምድሓን።

7, ለባማት ካብ ኩሉ ወሎዶን ጾታን ልቦና ናይ ተፈጥሮ ህያብ ሰለ ዝኮነ ልቦናኩም ተቀቢሩ ክይተርፍ እንሆ ግዜ ይሓቶኦኩም ኣሎ ናይ ዓገብን ኣሰይ ክትብሉ።

ንዝሰማዕኩምኒ ብትሕትና የመስግን

 ራህዋን ቅሳነት ንዝተሸገረ ህዝቢ

ሓባራዊ ዘተና መራሒ ቃልሰና

ክንዕወት ኢና !!

ብሰም ደቂ ኣንስትዮ ጀርመን

ደጊመ ዓወት ንፍስቲቫል ይምነ

መኣዲ ልዝብን ዘተን ይዓንብብ!

ፍራንክፎርት 04.8.2018

    

Last modified on Wednesday, 08 August 2018 00:25