Print this page

ህዝቢ ካብ ፈስቲቫላት እንታይ ይጽበ?

2018-08-07 20:17:16 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1933 times
Rate this item
(0 votes)

ዓመት ዓመት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ብሓባር ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ብምውጻእ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ሰፊሕ በዓላት ንሓያሎይ ዓመታት ከዳልዉ ጸኒሖም። “ስለምንታይ ደኣ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብን ጉልበትን ዝወጽእ?” ዝብል ሓታታይ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ፈስቲቫል መራኸቢ፥ ፖለትካዊ ርእይቶኻ እተካፍለሉ፥ ምስ ካልኦት ውድባት ውን ተራኺብካ ናይ ምትእምማንን ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉን መድረኽ ምዃኑ ኩሉ ዝርደኦ እዩ።

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤን ኣብ ኤውሮጳን ሎምዘበን ውን ከምታ ቆጸርኦም ነቲ ፈስቲቫል ኣዳልዮም ኣብ ወጻኢ ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ብምዕዳም ናይ ርእይቶኻ ምግላጽ መደብ ኣውጺኦም። በዚ መሰረት ብ4 ነሃሰ 2018 ቀዳም መዓልቲ ኩሎም ዕድመ ኣኽቢሩም ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝተኻፈሉ ውድባትን ማሕበራትን ነናቶም ቃል ኣስሚዖም። ኣብቲ ዘቕረብዎ ናይ ኩሎም ዝመሳሰል ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ብሓቂ ውን ከምኡ እዩ ነይሩ። እቲ ተሳታፋይ ህዝቢ ግን ካልእ ትጽቢት ከምዝነበሮ ካብቲ ብዕላላት ክስማዕ ዝጸንሐ ክትግንዘብ ይከኣል።

ኣብዚ እዋናዊ መድረኽ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብዚ ከባቢና ዝነፍስ ዘሎ “ናይ ሰላም ንፋስ” ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝበለ እወንታዊ ዲዩ ወይ ኣሉታዊ ክትሽመም እያ ኣሻቓሊ መድረኽ፡ ትጽቢት ህዝብና ካብቲ ዝረአ ዘሎ ንላዕሊ እዩ። እወ! ፈስቲቫል ክበሃል እንከሎ ሓሳብካን ደገፍካን፥ እትገልጸሉ ባይታ እምበር ጥዑምን ልኡምን ቃላት ስለዘስማዕካ ሽዑ ንሽዑ ናይ ሓድነት ይኹን ናይ ስምምዕ ኣዋጅ ዝቃለሓሉ ከኸውን ኣይክእልን እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ህዝብና ዝጽበዮ እቲ ሓንሳብ ቃል ሂብካ ዓመት ተጸቢኻ ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዝተባህለ ምድጋም ኣይኮነን። እዚ ኣገባብ ንህዝብና ዳርጋ ተስፋ ኣቚሪጽዎ ዝጸንሐ እዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስልን። እንታይ እዩ ህዝብና ዝጽበ? ምፍላጥ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ህዝብና እዘን ኩለን ውድባት ሰሚረን ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊሰን ሰላም ከንግሳ እዩ ድልየቱን ትጽቢቱን። እዚ ፖለቲካዊ ስኒትን ውህደትን እንተዘይርእዩ ግና “ክላእ ዘይከምቲ ናይ ዓሚ እዩ” እናበለ ተስፋ ናይ ምቑራጽ እናዛየደ እዩ ክኸይድ።

እዚ እዋናዊ መድረኽ’ዚ ኹለን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ተራኺበን ክዛተያን መፍትሒ ከምጽኣን ዝኽእላሉ ዕድል እዩ። እዚ ዕድል እዚ እንተ ሓሊፍወን ግና ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ንምልጋስ ኣይኮናን ዝቃለሳ ዘለዋ ዝብል ስኽፍታ ከሕድር ምዃኑ ክንግምት ይግባእ።
ናይ ሎም ዝበን ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት ከኣ ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ ዝነበረ እተን ተዓዲመን ዝነበራ ውድባትን ሰልፍታትን ገለ ናይ ብሓባር ክብላ እየን ኢሉ ንነፍሱ ኣብ ክብ ዝበለ ተስፋ ኣደይብዎ ስለዝነበረ፡ ከምቲ ሃንቀውታኡ ከምዘይከደ ርዱእ እዩ። ድሌት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን እተን ካልኦት ሰልፍታትን ውድባትን ግና ኣይተረሓሓቐን። ምኽንያቱ ሓደ እቲ እዚ መድረኽ ዝጠልቦ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ኣገባብ ኩለን ተሳተፍቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ዝሃብኦ ቃል ይሰማምዓ እየን። እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ተግባር ኣብ ዝእተወሉ እቲ ናይ ምትእምማን ደረጃ ክብ ክብል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ኣዋናዊ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድማ እቲ ናይ ሓባር ልኡኽ ብስም ህዝቢ ኤርትራን ሰልፍታትን ዝዛረብን ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ዘካይድን ኣብ ምህላው እውን ይሰማምዓ እየን። እዚ እዩ እቲ ኣብ ፈስቲቫል ክግበር ዝከኣል ዕማም። ምኽንያቱ ኩለን ሰልፍታትን ውድባትን ተዳልየናሉ ክመጻ ስለዘይክእላ ዝብጻሕ ሃንደበታዊ ስምምዕ ፍርቂ መንገዲ ከይከደ ክቑጸ ስለዝኽል ውጺኢት ኣልቦ እዩ ዝኸውን። ስለዚ እተን ኣብዚ ፈስቲቫል ንምስታፍ ዕድመ ኣኺቢረን ዝተሳተፋ ውድባትን ሰልፍታትን ብዝቐልጠፈ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኮንፈረንስ ንኸካይዳ ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ ስቪል ማሕበራት ተጽዕኖ ኣብ ምፍጣር ዓቢ ግደ ክጻወታ ይግበአን።

Last modified on Tuesday, 07 August 2018 22:24