Print this page

ቃል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ጀርመን ኣብ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2018

2018-08-06 19:47:26 Written by  ተስፋማርያም ክብራኣብ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2134 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽና ብሓበራ

ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ,ኣቦ መንበር ሰደህኤ

ዝኸብርኩ ኣቶ ሚካኤል ሱ ሎቨንሽታይን ሰልፊ ሰዲኡ

ዝከበርኩም ኣቶ ክላውስ ዴተር ጎትዘ ሓምላይ ሰልፊ

ዝኸበርኩም ተውከልቲ ሰልፍታትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን    

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልን ኣባላት ኤደማን

ንኹሉ ብሕታዊ ጉዳያትኩም ኣወንዚፍኩም ንዝተገበረልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብኣካል ምስታፍኩም ፡ ዝስማዓና ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ብስመይን ብስም እቲ ልዕሊ ሓደ ክፍላ ዓመት ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2018 ፡ እንኻዕ ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋናይን ሰላምታይን የሕልፍ ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኤደማ ጀርመን ከምቲ ኣብ ናይ ዕድመ ደብዳቤኡ ኣስፊርዎ ዘሎ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ከሳሲ እንከሎ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ሰልፊ ይኹን ስቪክ ማሕበር ዝያዳ ረብሓ ዘረጋግጸሉ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ከም ዕላማ ኣብ ፕሮግራሙ ስለዘቐመጠ እዩ።እዚ ድማ ካብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ እምነትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ተበጊሱ ንኤርትራዊ ኣብ ድያስፎራ ንዝነብር ዘሎ ከገልግል ከም ዕላማ ስለዝሰርዖ ጥራሕ እዩ ። ስለዚ ነዚ ህያው ዝኾነ ህያብ ብኹሉ ዓይነት መራኸቢ ብዙሓት ተጠቕምና ጸዋዒት ክንዝርግሕ ከሎና ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ መላእ ክፍለ ዓለምና ዝርከብ ክሳተፎን ተቐቢሉ ናብ ጥቕሙ ከውዕሎን ዕድል ዝኸፍተሉ ምዃኑ ክልለ ይግብእ።ብሓጺሩ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ፡ ናይ ገዝእ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን ናይ ሃገሩን ህዝቡን መሰረት ገይሩ ኣብ ሃገሩ መሰል ምዝታይ ዝተሓረሞ ብሓባር ንኽሰርሕ ሽግራቱ ዝፈትሓሉ መራሕ መንገዲ ባይታ ምፍጣርና እዩ ዘረድእ ።

መደብ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ክንሕጽጽ ከሎና እቲ ከም ቀዳማይ ሕቶ ዝለዓል ኣበይ ንግበሮ ንዝብል ሕቶ ምስ መለሽና ኢና መደብ ምድላዋት እንጅምሮ።ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ ፤ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርሉ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ስለዝውንን : ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት እዚ ክንከውን ዝኻኣልና ።

ኣብ ሃገርና እዚ መሰላት እዚ ስለ ዝተነፍገና ኢና ናብ ስደት እንውሕዝ ዘሎና ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ኣብ ሓደ ዓጺቕ ምዕራፍ ንልዑላውነትን ክብርን ሃገርና ኤርትራ ዝፈታትን ኩነት ኣብ ዝራኣየሉ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብኽልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ዝሳቐ ዘሎ ምኻኑ ኩልና እንሰማማዕሉ እዩ ።እቲ ቀንዲ ንሃገርና ናብ ናይ ሽግር ዓዘቕቲ ዘእተዋ እቲ መላኺ ስርዓት ክኸውን ከሎ በቲ ካላኣይ ሸነኽ ድማ ብደንበ ተቓውምቲ ዝፍለጥ ዝተበታተነ ኣተሃላልዋ ዝውንን ፡ ነንሕድ ሕዱ ዝናኸስ ፡ ብሓደ ተጠሚሩ ክቃልስን ንመላኺ ስርዓት ክብድህ ዘይካኣለን እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ኣተሃላልዋ ደንበ ተቃውሞ እዚ ካብ ኮነ፤እቲ ዝዓበየ ዋኒኑ ክኸውን ዘለዎ ንኣረጊት ኣተሓሳስባ ወጊዱ ንሃገር ህዝብን ንምድሓን ዘኽእሎ ሓዱሽ ቅዲ ክምህዝ ዝግደደሉ መዋእል ንኣቱ ኣሎና ።ስለዚ እዚ ብኤደማ ተቐሪብልኩም ዘሎ ዕድል ናይ ብሓባር ምዝታይ ክትጥቐምሉን ነቲ ፈላሊይኩም ዝጸንሐ መጋረጃ ቀዲድኩም ክትቀብርዎን ብሓባር ከትድምጹን ከትስምዑን ብሓባር ክትሰርሑን ከተድምዑን ዘሰጋግር ጎደና እዩ ። እዚ ምስ እትገብሩ ድማ ተቐባልነት ብህዝቢ ትረኽቡን ንምውዳቕ መላኺ ስርዓት ድማ ተቃላጥፉን።

ኤደማ ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ክሰርዕ ከሎና ፡ ሓያል ቁጣባዊ ዓቕሚ ስለዘለዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ጉልበትን ተውፋይነትን ኣባላት ማሕበርን ኣባላት ሰደህኤ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ተኣማሚኑ ዝዕጠቐሉ ሃገራዊ ውራይ እዩ።ስለዚ ክናኣድን ክምስገንን ዝግበኦ ኣባል እዩ ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስቲቫል እዚ ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝደመረ ፡ እዚ ማሕበር እዚ ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቆላሕታ ክትገብርሉ ንእግረ መንገደይ እጽውዕ ፤ነዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ጸዋዒት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍና እዩሞ ።ኣብ ማህደር ልብኹም ኣስፊርኩም ሞራላውን ነገራውን ሓገዝኩም ከተወፍዩ የዘኻኽረኩም ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ንሕና ከም ኤደማ ፡ ብሓባር ዝተላዘበ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ ሒዙ ፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኡ ክብድህ ይኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና ፤ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪክ ማሕበራትን ኣብ ዝሃለዋ ይሃልዋ ፍልልያተን ኣጻቢበን ንዝበለየ ተመክሮአን ገምጊመንን ፤ ታሪኻዊ መቐይሮ ክገብራን፡ ንመላኺ ስርዓት ንምውዳቕ ከም ቀዳማይን ወሳንን ኣጀንዳ ኣቐሚጠን ፤ በቲ ካላኣይ ሸንኽ ድማ ድሕሪ ምውዳቁ ክትግብር ዘለዎ ጠማሪ ሰነድ ኣዳልየን ክብገሳ ምሕጽንታና ነቕርብ። ብስኒትን ብምክብባርን ኮፍ ኢሉ ክላዘብን ነቲ ንዓመታት ሸንኾለል ከብለን ዝጸንሐ ዘይኣፍራይ ኣኻይዳ ፡ እንተትስ ብፍቶት እንተስ ብግዲ ትጥለባሉ ወሳኒ መድረኽ እዩሞ ካብዚ ቀራና መንገዲ ክተወጻን ነቲ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዝኸታተል ዘሎ ህዝብና ተስፋ ዝህብ ናይ ሓባር ድምጺ ከተጋዋሓ ንላበወክን ።

ኣብ መወዳእታ ፡ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ሎሚ፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ፡ ሃገርና ኤርትራ እታ በኣማእት ኣሻሓት መስዋእቲ ዕላውነታ ዘረጋገጸት ንሓደጋ ተሳጢሓ ኣብ ዘላትሉ ፡ ልዕሊ 18 ዝኾኑ ቦታውያን ተውከልቲ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪኽ ማሕበራትን ብሓባር ክዝትዩ ኣዳሊናልኩም ኣሎና ። ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀምሉ ተስፋ ንገብር ። ብተውሳኺ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልና ንዓኻትኩም ንምእንጋድ ዘዳለዎ ሽሻይ ስለ ዘሎ ባዕልኹም ንነብስኹም ዓንግሉ ።ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ሰላምን ፍቕርን ምርድዳእን ዝዓሰሎ ፈስቲቫል ይግበረልና።ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የቐንየለይ።

ራህዋ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ                                                                  

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 04.08.2018

Last modified on Monday, 06 August 2018 21:54