Print this page

ብዞባ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ዝተላእከ ናይ ደገፍ መልእኽቲ

2018-08-06 17:00:07 Written by  EPDP North America Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2117 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርኩምኣዳላውቲበዓልኤርትራ 2018

ዝኸበርኩም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል፣

እንቋዕ ኣብ ዓመታዊ በዓል ኤርትራ 2018 ኣብቀዓኩም። ብዝገበርኩምልና ዕድመ እናኣመስገና ፈስቲቫልኩም ዕዉት ከምዝኸውን ጥርጥር የልብልናን።

ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ በዓል ኤርትራ፣ ሎሚ ሃገርና ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ ኣላ። ንሱ ከኣ፣ ሃገርና ክትጠፍእ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ስቅ ኢልና ንርኤ እሞ ታሪኽ ነጥፍእ፣ ወይ ድማ ብሓባር ሃገር ነድሕን እሞ ዝጀመርናዮ ታሪኽ ንፈጽሞ ዝብል እዩ። ኣብዚ ህሞት እዚ ከኣ ኢኹም ነዚ ፈስቲቫል ኣኢንጊድኩም ዘለኹም። ኣቦታትና ክምስሉ “ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ” ይብሉ። ብወገና ፈስቲቫል ፍራንክፉርት ምርቓ እዩ ንብሎ። ስለምንታይ ዝብል ለባም ከምዝበሃል፣ ምኽንያትና ከኣ ብከምዚ ንገልጾ። ምስላ እንግሊዝ ከምዝብሎ “The right time at the right place”። ሓቂዩ ኣብ ግቡእ ግዜን ቦታን ኣለኹም። ኣብዚ ካብ ኩሉ ኵርነዓት ተኣኪቡ ዘሎ ዜጋ “ሃገር ነድሕን” ኢሉ ብሓደ ድምጺ ክወጽእ ምቹእ ባይታ ፈጢርኩም ኣለኹም።

ዝኸበርኩም ኣዳለውትን ተሳተፍትን፣ ግዜ ወርቂ እዩ ከምዝበሃል ኣብ ፍራንክፉርት ረኺብናዮ ዘለና ዕድል ብቀሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ እዩ እሞ፣ ንዘሎና ግዜ ተጠቂምኩም ኩሉ ዜጋ ኤርትራ ብልዕላውነት ሃገር ዝግደስ ክትጽውዑ ንላቦ።

እዚ ጽንኩር መድረኽ ዘለናዮ ኣብ ጥቅሚ ህዝብን ሃገርን ክዛዘም ቈራጽ መሪሕነትን ሰፊሕ ውደባን ዝለዓለ ጠለብ ኣለዎ። ኩለን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኩሎም ዜጋታት ብሓፈሻኡ ኣብዚ ኣምርዚ ክዓስሉ ግዜ ዝጠልቦ ዘሎ እዩ።

ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንርከብ ኣብ ሃገርና ተንጸላሊዩ ዘሎ ደመና ሸርሒ ከም ኩሉኹም ኣሰኪፉና እዩ ዘሎ። በዚ’ውን ምስ ኩሉ ዜጋ ኮና ሃገር ንምድሓን ብሓደ ድምጺ ከንሰርሕ እዩ ቀዳማይ መደብና።

ከምዝዝከር ዞባና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓያል ውሽጣዊ ፈተነ ኣጓኒፍዎ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ፈተነ ብጸዓት መሰረታት በርዒኑ። ሎሚ ዓመት ዞባና ብዕጽፍታት ይዓብን ይሰፍሕን ኣሎ።

ኣብ መደምደምታ ንኩሉ ጻዕርታትኩም እናኣሞጐስና፣ ዕዉት ፈስቲቫል ክኸውን ንምነ። ናይ ብሓደ ድምጺ ኰንካ ምስራሕ ክሰፍሕ ከኣ ንምሕጸን።

 

ልዑላውነት ኤርትራ ህያው እዩ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

Last modified on Monday, 06 August 2018 19:03