Print this page

ንሕና’ውን ዘይተወደአ ሕሳብ ኣሎና

2018-07-09 20:57:06 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2007 times
Rate this item
(0 votes)

ነባሪ ፍቕሪ እምበር ነባሪ ጽልኢ ከምዘየለ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብዙሕ ምስክራት ኣሎ። ንኣብነት መንግስቲ ጀርመንን መንግስቲ ሆላንድን፥ መንግስቲ ሆላንድን መንግስቲ ስጳኛን ወዘተ ክንደይ ውግኣትን ግፍዕን ዝተኻየዶ ኩነታት ኣሕሊፎም እዮም። ሎሚ እዘን ሃገራት ነቲ ናይ ቅድም ዝነበረ ጽልእን ቅርሕንትን ወጊደን ኣብ ነንሓድሕደን ብቁጠባን፥ ማሕበራርውን ፖለቲካውን መዳያት ተራኺቦም ብሰላም ካብን ናብን ብዘይገለ ጸገም እናተጓዕዝዛ ሓደ ሕብረተሰብ ኮይነን ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነናታ ዶባት ሕልው ኮይኑ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ተማእዚዘን ብሰላም ይነብራ ኣለዋ። እቲ ብሰላም ምንባሮም ድማ ንዓተን ኮይኖምስ እነሆ እኳ ንስደተኛታት መላእ ዓለም ሓንጎፋይ ኢለን ይቕበላን ይከናኸናን ኣለዋ።

ሰላም ብመሰረቱ ብዕርቅን ይቕረምባልን ዝመጽእን ዝድልድልን እምበር ብጽልእን ቅርሕንትን ወይ እውን ነቲ ሕሉፍ ኣብ ህልዊ ኣምጺእካ ሰላም ክሰፍን ኣይክእልን እዩ። ልክዕ እዩ እቲ ሕሉፍ ኣሉታውን ሕማቕ ስምብራትን በሰላትን ገዲፉ ከምዝሓልፍ ርዱእ እዩ። እቲ በሰላን ስምብራትን ግን ብቅኑዕ ሕልናን ተኸባቢርካ ምንባርን ክፍወስ ይከኣል እዩ። ሰላም ዝድለየሉ እምበኣር ነቲ ቅድሚ ሎሚ ንዝተፈጸመ ጉድለታትን ግፍዕታትን ዝምልከት ሕድገት ብምግባር እዩ።

ሕድገት ክበሃል እንከሎ ተመሊስካ ሕነ ንምፍዳይ ሕጊግ ምባል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብሓባር ዘንብረካ ንጹህ ሕልና፡ ክፉት ልብን ተጻዋርነትን ክህልወካ ይግባእ ማለት እዩ። ሰላም ምስ መባእስትኻን ምስቲ ዝገፍዓካን ዘዋርደካን እዩ እምበር ምስቲ እንከሎ ገና ፍቕርን ሕያውነትን ዘሎካ ኣካል ኣይኮነን፥ ማለት ዕርቀ-ሰላም ምስቲ መባእስትኻ እዩ ዝግበር።

ክልቲአን ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል ተዳምየን እየን። ካብ ክልቲኡ ኣህዛብ እውን ብዙሕ ህይወት ተቐዚፉ እዩ። ንሱ ከይኣክል ነቲ ዘሰሓሓብ ብሰላም ኣብ ክንዲ ዝፍታሕ ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ተደላይነት ዘይነበሮ ኲናት መሊሱ ነቲ ክልቲኡ ኣህዛብ ኣቕሒርዎን ምትእምማን ኣብ ዝስእነሉ ደረጃ ኣብጽሕዎን ኢዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ዘሎ ፍልልያት እምበኣር ከምኡ ኢሉ ተተፋኒኑ ናብ ሳልሳይ ውግእ ዝኣትወሉ ኩነታት ደጊም ከብቅዕ ኣለዎ። ከብቅዕ እንተኾይኑ ድማ ክልቲኡ መንግስታት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታት እምበር ኣብ ናይ ምዕምጻጽን ምዕማጽን ሓሳባት ክሽከል የብሉን። ስለዝኾነ ድማ እነሆ እቲ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝነበረ ‘ኣይሰላም ኣይውግእ’ ኣብ ምቕንጣጥ ገጹ ይጎዓዝ ኣሎ። እዚ እዩ ድማ እቲ ሰላም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ምስ ዝነግስ እቲ ህዝቢ ክረብሕ ዝኽእል።

እወ! ጨቋኒ ስርዓት እንከሎ ሰላም ከምዘይነግስን ከምዘይሰፍንን ርዱእ’ኳ እንተኾነ እቲ ጨቈንቲ ዝሕብእሉ ኩነት ግን ይሕምሸሽ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘፈላሊ ዝነበረ እንተተወጊዱ ጨቈንቲ ካልእ ምኽኒት እንተዘይፈጢሮም ዘመሳምሱሉ ኣይረኽቡን ኢዮም።
እንተ እቲ ኣብ መንጎ ኢሰያስን ደምበ ተቓውሞን ዘሎ ግርጭት ጌና ዘይተዓጽወ ሕሳብ እዩ። እዚ ሕሳብ እዚ ዝውደኣሉ ኩነታት ድማ ኣብ ኢድ እቲ ጨቋኒ ስርዓት እዩ ዘሎ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት ቅድም ቀዳድም እሱራት ክፈትሕን ነቶም ብምኽንያት ናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ኣመሳሚሱ ኣብ ጎዳጉዲ ዳጒንዎም ዘሎ መንእሰያት ከጣይሶምን ካብ ስልጣኑ ከለቅቕ ኣለዎ። እዚ ምስ ዝገብር ጥራሕ እዩ እቲ ሕሳባት ‘ሀ’ ኢሉ ብምጅማር ህዝቢ ኤርትራ እንተስ ይቕረ ክብሎ ወይ እውን ኣብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ ድሒሩ ዝመጽእ እዩ።

ካብኡ ብዝተረፈ ሎሚ ኢሰያስ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ወይ ውን ቅኑዕ ምሕደራ ክኽተል እዩ ማለት ዘበት እዩ። ንሕና እዞም ኣብ ዲያስፖራ ኰይና ኣንጻር ምልኪ እንቃለስ ተቓወምቲ ግን ነቲ ብመንግስታዊ ደረጃ ዝካየድ ክንገትኦ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ደምበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ሓቢሩን ተጣሚሩን ሓደ ሃገራዊ ራኢ ዝጠምሮ ስለዘይብሉ ተዛሪቡ ከስምዕ ይኹን ብትግባረ ከድምዕ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። ብሓጺሩ ደምበ ተቓውሞ ኣይተጠርነፈን፥ ኣይተጠርነፈን ጥራሕ ዘይኮነስ ሽግራቱ ከመሓድርን ክኣልን እውን ኣይክእልን ዘሎ።

ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ከከምድሌቱ እናኸደ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ መንግስታት ኣብ ዝካየድ ርክብ “ኣነ እውን ኣለኹ” ክብል ኣይክእልን። ቅድሚ ሎሚ ሓያላን መንግስታት ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጾም ምስ ኢትዮጵያ ከምትቑረን ገይሮማ። ሄርማን ኮሀን ካለኣይ ግዜ ኣብ ናይ ለንደን ኣኼባ ከሰማምዖም እንከሎ ንሃገራውያን ውድባት ኣብ ግምት ከየእተወ ዝኸዶ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዓቢ ሽግር ጥሒሉ። ሕጂ ድማ ንሳልሳይ ግዜ ማለት እቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዘየለ ክንሱ፡ ንሱ ዝለዓለ ኢድ ስለዘለዎ ስምምዓት ይካየድ ኣሎ። እዚ ስምምዓት እዚ ምናልባት ንልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ከይከውን ደምበ ተቓውሞ ተራኺቡ ነቲ ምዕብልናታት ሓባባር ክከታተሎን ሓደ ኣካል ክኸውንን መድረኽ ይጥለቦ ኣሎ።

Last modified on Monday, 09 July 2018 23:03