Print this page

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፤ ጎንጺ ዶብ ብሰላም ክፍታሕ ንፕረዚደንት ሱዳን ኡመር ኣልበሽር ተማሕፂኖም

2018-07-05 11:14:45 Written by  ቢቢሲ(BBC) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2625 times
Rate this item
(0 votes)
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ፕሬዚደንት ሱዳን ኦማር ኣልበሽርን
ኣብ ከባቢ መተማ ዮሃንስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዘብጽሑዎ መጥቓዕቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንፕረዚደንት ኦማር ኣልበሽር መልእኽቲ ከምዝልኣኹ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ጸብጺበን።
 
ምስ ፕረዚደንት ሱዳንን ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ አልዳርዲሪ መሓመድን ኣብ ዝነበረ ዘተ'ዩ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ እቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብ ከባቢ ዶብ ዘጋጠመ ጎንጺ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ክፈትሐኦ ኣለወን ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እንትኾን፡ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዘለዉ ጉዳያት ጸጥታ ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ።

ልዕሊ 700 ኪሎ ሜትሮ ንዉሓት ኣብ ዘለዎን ብዕሊ ኣብ ዘይተሓንጸጸን ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተጸጊዖም ዝነብሩ ሓረስቶት ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ንከምዚኦም ዝበሉ ጎንጺታት ሓደሽቲ ኣይኾኑን።

ብቕድሚ ትማሊ፡ ዶብ ሰጊሮም ብዝኣተዉ ወተሃደራት ሱዳን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ ዝብሉ ናይቲ ዉጥጥ ምግንፋል መግለጺ'ዩ ይብሉ።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዝተፈጠረ ጎንጺ ህይወት ሰብ ጠፊኡ

ሕቶ መሬት ይግብኣኒ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ እዘን ሃገራት ንዝፍጠሩ ጎንጺታት ምኽንያት ከምዝኾነ እንትግለጽ፡ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ዘላለም ልጃለም'ዉን መበገሲ እቲ መጥቃዕቲ እዚ ከምዝኾነ ንመራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ገሊጾም።

ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብወገኖም፡ ዕጡቓት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ጥቕዓት ከምዝፈጸሙ ብምግላጽ፡ እቶም ዕቑቓት "መሬት ናትና'ዩ" ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም'ዮም ኢሉ።

ብቲ ጎንፂ ህይወት ክልተ ኢትዮጵያዉያን ክመዝሓለፈ'ዉን ተሓቢሩ።
 
Last modified on Thursday, 05 July 2018 13:18