Print this page

ድሕሪ ስጋ ዓጽሚ፡ ድሕሪ ነገር ከኣ ፈጽሚ!

2018-06-15 19:24:00 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2038 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ መንጎ ሰባት ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ፍልልያት ክፍጠር ንቡር እዩ። እዚ ፍልልያት ጉድኣት ከየውረደ ብዓንተቦ ክፍታሕ ወይ ድማ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ልሙድ እዩ። እቲ ፍልልይ እንተ ብዓንተቦ ብሰላም ክፍታሕ ወይ ፍልልያት መፍትሒ ስኢኑ ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ዝውስኑ ብዙሓት ረቛሕታት ኣለዉ። ዘይሩ ዘይሩ ግና ኣብ ባህርያት ናይቶም ናይቲ ፍልልይ ተዋሳእቲ ዝጠቓለል እዩ።

እቲ ምስሕሓብ ካብ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ጀሚርካ ክሳብ ኣብ መንጎ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጹ እኩባት ዝፍጠር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ክሳብ ኣብ መንጎ ሃገራት ከም ዝበጽሕ ከኣ ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ እዋንዚ ዓለምና ዘላቶ ሃለዋት ምርኣይ ይከኣል። ሃገርና እውን ከምዚ ዓይነት ዘየቕስን ነባር ተመኩሮ ዘለዋ እያ። እቲ መንቀሊ ናይዚ ከም ኣካል ህይወት ሰባት ዝፍጠር ምስሕሓባት ብባህሪኡ ኮነ ብኽብደቱ ዝተፈላለየ ይኸውን። ካብ ናይ ውልቀ ሰባት ናይ ጠቕሚ ፍልልይ ጀሚርካ ክሳብ ናይ ሃገራትን ህዝብታትን ናይ መሬትን ሃብትን ምስሕሓብ ዝዝርጋሕ እዩ። እቲ ዘስዕቦ ጉድኣት ከኣ ከከም ክብደት ናይቲ ምስሕሓብ ይኸብድን ይፈኩስን። ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ካብ ሶርያ ክሳብ የመን፡ ከምኡ እውን ኣብ በዓል ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ዝርአ ዘሎ ዘይዛሪ ህውከት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ክረአ ዘለዎ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ፍልልይ ስለ ዝተፈጥረ ጥራይ ዕንወት ኣየስዕብን እዩ። እቲ ናብ ዕንወት ዝወስድ ጸገምን ፍልልይን ምግጣሙ ዘይኮነ ኣተሓሕዛኡ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠንቁ ከምቲ እንብሎ፡ ዶብ ድዩ ካልእ ብዘየገድስ ምስሕሓብ ተፈጢሩ። ናይ “ድራረይ ድራርክ” ምስሕሓብ እንተዝፍጠር ዝተባባዕን ዘሕጉስንኳ እንተዘይኮነ እምብዛ ዘስክፍ ኣይመኾነን። እቲ ናብ ዘስክፍ ጥራይ ዘይኮነ ናብ ኣዝዩ ዘሕዝን ደረጃ ዝዓረገ ግና እቲ ጸገም ብምፍጣሩ ኣይነበረን። ዘይሓላፍነታዊ፡ ዘይጸዋርን ኣርሒቕካ ዘይምርኣይን ኣተሓሕዛ ምስ ኣሰነዮ እዩ ባህሪኡ ዝተቐየረ። ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ብዓይኒ ሓልዮት ርእዮም ዝህብዎ ዝነበሩ፡ ግና ሰማዒ ዝሰኣነ ሓሳባት “ቅድም ባዕልኻትኩም ርኣይዎ፡ እንተዘይከኣልኩም ከኣ ሳልሳይ ናይ ክልቴኹም ፈታዊ ወሲኽኩም ርኣይዎ፡ ኩሉ እንተዘይሰሪሑ ከኣ ናብ ሕጋዊ መድረኽ ውሰድዎ” ዝብል ነይሩ። እንተኾነ እዚ ኩሉ ደም ዘየፋስስ ናይ ፍታሕ መማረጽታት ከምቲ ዝድለ ጸንቂቕካ ከይተሰርሓሉ ኣብ ውግእ ተኣትዩ፡ “ናይ ዘመና ዝኸፈአ ውግእ” ዝብል ኣሉታዊ ቅጽል ናብ ዝተዋህቦ ደረጃ በጺሑ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ “ሰዓራይን ተሰዓራይን ዘየብሉ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ማእለያ ዘየብሉ ንብረት ኣዕንዩ፡ ናይ ብዙሓት መንእሰያት ህይወት በሊዑ ኣማኢት ኣሸሓት ሰባት ኣመዛቢሉ ተወዲኡ። ዳግማይ ንከይለዓል መህድኢ ስምምዕ ኣልጀርስ ተገይርሉ። ቀጻሊ መፍትሒ ንክረክብ ከኣ ክልቲኡ ወገናት ብዝተሰማማዓሎም ክኢላታት ናብ ዘቖምዎ ዓለም ደረጃኡ ናብ ዝሓለወ መገባእያ ተበጺሑ።

ነቲ ጉዳይ ንሓዋሩ ሕጋዊ መልክዕ ከትሕዝ ዝቖመ ናይ ብይን ኮሚሽን ብናይ ክልቲኦም ውገናት ካብ ዝተዋህብዎ ሓላፍነታት ሓደ “እቲ ብይን ቀያድን ናይ መወዳእታን” ንክኸውን ዝብል ነይሩ። እዚ ከምቲ ኣብ ናይ ባህሊ ዕርቂ “ኩዒትካ ቅበር” ዝበሃል ዘየነቓንቕ ሽምግልና ነይሩ። ብናተይ ተረድኦ ቀያዲ ዘብሎ፡ ዘይንጸግ ምዃኑ እዩ። ናይ መወዳእታ ዘብሎ ከኣ “ይግባይ” ዘይበሃሎ ብምዃኑ እዩ። ኩልና ከምዘይንዝንገዖ ኣብቲ ቅድሚ ውግእ ክስረሓሉ ዝግበኦ ዝነበረ ናይ ዕርቂ ዕድል ክልቲኦም ወገናት ረታዕቲ ናይ ምዃን ዕድል ነይርዎም እዩ። ኣብ ፍርዲ ግና ሓደ ረታዒ ሓደ ተረታዒ ናይ ምዃን ግድነት ኣሎ። ስለዚ እቲ ዝተረትዐ ነቲ ዝተረትዓሉ ብይን ተቐቢሉ ምትግባር ወይ ዘይምትግባር ዝፍተነሉ እዩ።

ኣብቲ ኣዛራቢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ዝገበረ፡ ሕጂ ድማ ከም እንደጋና ተሓዲሱ ዘሎ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ጉዳይ “መንዩ ረቲዑ?” ዝብል ሕቶ ከነቕርብ እንከለና እቲ መልስታት ዝተፈላለየ እዩ። ገለ ወገናት እታ ኣሰሓሒባ ናብ ፍርዲ ዝቐረበት ባድመ ጥራይ ከም ዝኾነት ገይሮም ይወስዱ’ሞ ኤርትራ ረቲዓ ኢሎም ይድምድሙ። እንተኾነ ነቲ ልዕሊ 900 ኪሎ ሜተር ዝኾነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወሲድካ ክረአ እንከሎ ኣፍካ መሊእካ “ኤርትራ እያ ረቲዓ ወይ ከሲባ” እትብለሉ ኣይኮነን። ኣብ ከባቢ ባድመ ነታ ከተማ ገዲፍካ ካብ ጐላጉል ባድመ ዝሰፈሓ፡ ኣብ ከባቢ ጾረና ገሊኦም 7 ገሊኦም ድማ 12 ዝብልወን ዓድታት፡ … ወዘተ ናይ ኤርትራ ክበሃል ጸኒሑ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኸደ ዝንገረሉ ዘሎ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ከባቢ ባድመን ኢሮብን ንዝነብሩ ሓዲርዎም ዘሎ ናይ “ኢትዮጵያውነትና ተተንኪፉ” ስምዒትን ሻቕሎትን ኣብቶም ኣብ ከባቢ ጸሮና ዘለዉ ኤርትራውያን እውን ከምዘሎ ክሰሓት ኣይግበኦን። እንተኾነ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ፍርዲ እንዳመረረካ ምእንቲ ልዕልና ፍትሒ ክትውሕጦ ዝግበኣካ ከም ዘሎ ምስትብሃል የድሊ። ከምቲ “ሰብእይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን” ዝበሃል ፍትሕን ደሊኻ ብፍርዲ ምምእዛዝ ጸሊእካ ኣይከውንን እዩ።

እቲ ውሳነ ንገለ ካብቲ ሕጂ ዝንጸባረቕ ዘሎ ስግኣታት ኣብ ግምት ኣእትይዎ እዩ። እቲ ፍርዲ ሃሳዪ ኮይኑ እንተረኺበምዎ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዖም ከመሓይሽዎ ከም ዝኽእሉ ኣስፊሩ ኣሎ። መሬቶም ዝተፈርደ ወገናት፡ ካብ መሬት ዝነበሮም ዜግነት ኣብሊጾም፡ ክቕይሩ እንተዘይደልዮም፡ እቲ ዜግነቱ ዝመረጹ መንግስቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ክስፍሮም ግዴታ ኣለዎ። ካብ መሬተይ ኣይለቅቕን ዝበለ ኣካል ከኣ ናይቲ ብፍርዲ መሬቱ ዝወነነ መንግስቲ ዜግነት ይወስድ ዝብሉ ሓሳባት ኣብቲ ብይን ኣለዉ። ነዚ ኩሉ ገዲፍካ በቲ ይምጻእ በዚ “እምቢ ንፍርዲ” ምባል ግና ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን። ናይቶም ኣብ ዶብ ዘለዉ ወገናት ስምዒት ክትጥርር እንከለኻ ኣብ ግምት ምእታው ዝጽላእ ኣይኮነን። እንተኾነ እቲ ናይ ውሱን ከባቢ ህዝቢ ድሌትን ስምዒትን ክሳብ ክንደይ ኣብ ቅድሚ እቲ ቀያዲ ፍርዲ ናይ ምቕያር ጉልበትን ተሰማዕነትን ይህልዎ ምርኣይ የድሊ። ደሓር ክንጽር ዝግበኦ ዝደባለቕ ጉዳያት ኣሎ። ገሊኡ ካብ ንስምምዕ ኣልጀርስ ምቅዋም ይጅመር። ገሊኡ ከኣ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ክሳብ ምቕባል ይሰማማዕ እሞ ደሓር ኣብቲ ኣተገባብራ ፍልልይ የርኢ።ገሊኡ ከኣ ንምጥራር ዶብ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ የዛምዶ። ኣነ ብወገነይ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘሎ ህዝቢ ምዝራብ ኣይጸልእን። እቲ ውሳነ ብናይ ከባቢ ነበርቲ ስምዒት ክቕየር ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ግና ኣየሰማምዕን’ዩ። ምኽንያቱ “ድሕሪ ስጋ ዓጽሚ፡ ድሕሪ ነገር ከኣ ፈጽሚ!” ስለ ዝኾነ።

Last modified on Friday, 15 June 2018 21:28