Print this page

ደጊም እታ መሸንቆቓ እናተሸምቀቐት እያ

2018-06-06 21:39:29 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2067 times
Rate this item
(0 votes)

ሰላም ምንቲ ራህዋን ቅሳነትን፥ ጽቡቕ ድሌትን ኣደ ስልጣኔን እያ። ሰላም እንተዘየልዩ ኩሉ ነገር ኣሉታ እምበር እወንታ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሰላም ዝደሊ ከኣ ንክብሪ ሃገሩን ህዝቡን ዝሕሉ እምበር ንህዝቡ ዘዋርድን ዘካፍእን ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ንሰላም ዝምነ ባእታ ዋጋ ከምዝኸፍል ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር ሰላም ዝደሊ ንረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ዝሓልን ዝሓስብን ንቕድሚት ክግስግስን ዝሕልን እዩ።

ስርዓት ኣሰመራ፥ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ካብ ዘስትዮን ጅሆ ካብ ዝሕዞን እነሆ 27 ዓመታት ኣሕሊፉ። ኣብዚ 27 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐረባብቱ ከጻልኦን፥ መሬት ኤርትራ እውን ብሰንኪ ዘይውሕሉል ኣተሓሕዛ እቲ ጉጅለ ተሸርሚሙ ንጐረባብቲ ሃገራት ከም ዝተዋህበ ንኹልና ብሩህ እዩ።

እወ! ሰላም ኩሉ ዝኽፈል ዋጋ ከፊልካ ከምዝምጻእ ርዱእ ኮይኑ፥ እቲ ዋጋ እቲ ግና ብዋጋ ክብሪ መሰልን ፍትሕን ህዝቢ ክኸውን ኣይግባእን። ጨቋንን መላኽን ስርዓት ጉጅለ እሲያስ ነቲ ባዕሉ ዝሓንጸጾን ተመሊሱ ሞይቱ ዝበሎን ቅዋም”ኳ ከተግብር ድልው ኣይነበረን። ምኽንያቱ እታ ስልጣኑ ካብ ኢዱ ንኸይትወጽእ። ነዚ ንክገብር ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ምስሕሓብ ሓሊፉ ኣብ ውግእ ዘብጸሐ እሞ ደሓር ዝተፈርደ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ከም ዓቢይ መሕብኢ ካርታ ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ንሱ ዝህቦ ምስምስ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዶብ ዘይምሕንጻጹ ክብል እዩ ንህዝቢ ዝገፍዕን ዝጭቁንን ዝነበረ። እቲ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ግና ሕጊ ንኸይትግበር ይኹን፥ ህዝቢ ገንዘቡ ንኸይጥቀመሉ፥ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘትከለሉ ዝኽልክል ኣይነበረን። ንግሩሃት ግና ሓቂ ይመስሎም ስለዝነበረ ነታ ፍትሕን ዲሞክራስን ባዕሉ እቲ ንስርዓት ኢሰይያስ ዝድግፍ እውን ከይተረፈ ከይተረድኦ ይዓብጣ ነይሩ ማለት እዩ።

መንእሰያትና ብሰንክዚ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡሉ ዝመሃዞ ናይ ሳዋ ቤት ትምህርትን፥ ብምኽንያት ናይ ባድመ ኣብ ኢድና ዘይተመልሰት ብማለት ንመንእሰይ ሰሪሑ ከይዕንገል ተመርዕዩ ከይዝምድ ኣብ ጎዳጉዲ ክዳጉነሉ ግርም ምኽንያት ረኺቡ ነይሩ። ሎሚ ሕቑኡ እትሰብር ዕለት 05-06-2018 በቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣካል ዝተበጽሐ ውዕል ኣልጀርስ ክትግብር ምስምምዑን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድሉው ምዃኑን ብዘውጽኦ ውሳኔ ብማዕከናት ዜና ተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ንዓሰርተ-ሓሙሽተ ዓመታት ደው ኢሉ ኣይውግእ ኣይሰላም ዝነበረ ኩነታት ንክልቲኡ ኣህዛብ ኢትይጵያን ኤርትራን ሃስይዎ እዩ።

ሎሚ ግን እቲ መጋረጃ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ዝተቐንጠጠ እዩ ዝመስል እሞ፥ ጉራን ፈኸራን ዘድሊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሰላም ንኹሉ ዘርብሕ ብምዃኑ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ድሌት ህዝቢ ክንብርከኹን ባህርያዊ ስለ ዝኾነ። ኢሰይያስ ነታ ባድመ ንጥቕሙ ክብል ብወያነ ክመሓደር ዝፈሓሳ ተንኮል እነሃ ሎሚ ኣብ ክሳዱ ክትጥምጠሞ ትቀራረብ ኣላ።

ይኹን እምበር እቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ማለት እንተላይ እቲ ንኤርትራ ይኹን ንኢትጵያ ዝተዋህበ ብግቡእ እንተተግቢሩ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዝሕበኣላ በዓቲ የላን። እታ መሸንቆቓ ድጊም ኣብ ክሳድ ኢሰያስ ዝያዳ እናተሸምቀቐት እያ ክትከይድ። ምኽንያቱ ብድሕሪ ሕጂኸ እንታ ምስምስ ከምጽእ። ደጊም ከም ኣመሉ ካልእ ክተዃቱኽ እንተዘይኮይኑ ኣኺልዎ እዩ። እሱራት ክፈትሕ፥ ኣብዝሓ ሰልፍታት ከፍቅድ፥ ዝህዝቢ ብዘጽደቖ ሕገመንግቲ ክመርሕ፡ ክሕተት እዩ። ነዚ ዘመልስ ባህሪ ከኣ የብሉን። ምርጫኡ በታ ዝነቐጻ ምንቃጽ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ደጊም ኩሉ መሕብኢ በዓትታቱ ናይ ምፍራስ ዕድሉ ዝለዓለ ስለ ዝኾነ።

Last modified on Wednesday, 06 June 2018 23:46