Print this page

ሃገርናን ህዝብናን ዝድሕነሉ ንተልም

2018-06-04 20:32:47 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2566 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ዓለምና ነፍሰን ክኢለን ብቅኑዕ ምሕደራ ዝመሓደራ ካብ ዘለዋ ሃገራት፥ ብፍላይኣብ ኣፍሪቃ ውሑዳት እንተዘይኮይነን ፈጺመን የለዋን ክበሃል ይከኣል። ፖለቲካዊ፥ ቁጠባውን፥ ሕብረትሰብኣውን፥ ወጽዓታትን ጭቆናን ኣብ መላእ ሕበረተሰብ ዓለም ዘሎን ዝነበረን እዩ። ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ክሳብ ዘይተሃንጸ ድማ እቲ ወጽዓ ክቕጽል ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ከኣ እንተስ ብግሁድ እንተስ ብስውር ጌና ኣይተፈትሐን ዘሎ።

እዚ ወጽዓታትን ጭቆናን ካብ ናይ ግበታን ኣነ ክስዕርን ዝዓበየ ክፋል ክወስድ ይግበኣኒ ዝብል ናይ ሃረምረም ኣተሓሳስባ ስለ ዝነቅል እዩ። ብዓብይኡ ድማ፥ ንነፍስና ልዕሊ ኩሉ ገርና ብምርኣይ፥ ክሳብ ንሕጊተኸቲልና ንኸይንኸይድ ቀይዱ ዝሕዘና ዘሎ እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር፥ ኩሉ ግዜ እቶም ዝወሓዱ ጨቘንቲ ነቶም ዝበዝሑ ጭቁናት ጂሆ ክሕህዝዎም ነታ ዲሞክራሲ ኣብ ብዙሕ ኣሸራሪፎም ከናቑትዎ ህርድግ ይብሉ። ከም ኣብነት ሊበራልዶ፥ ሶሻልዶ፥ ግራስሩትዶ፥ ፈደራልዶ፥ረፑብሊክዶ ወዘተ እናበሉ ይጥቀሙ።
ልክዕ ኢዩ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን፥ ፖለቲካዊ ኣወዳድባን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ናይ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ግን ካብቲ ስነፍልጠታዊ ወጺእካ ምኻድ፡ መናቖቲ ወይ መፈላለዪ እምበር መማረጺ ስነሓሳብ ኣይክኽውንን እዩ። እዚ ማለት ነቲ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ካብ ፍልስፍና ዝመንጨወ ኣገባብምሕደራታት ንህዝቢ የርብሕ እዩ ዝብል ኣብ ክንዲ ምትንታን፡ ከሎ ገና ናተይ ይበልጽ ኣብ ዝብል ሃረምረም ይእቶ እሞ ዓቢ ፍልልያት ይፍጠር።

ስለዚ፥ ሓደ ውልቀሰብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ካብ ዝውጥነሉ ህሞት ኣትሒዙ፥ ቅድም ቀዳድም ንነፍሱ ናጻ ክገብራን፥ ኣእምርኡ ድማ ንረብሓ መላእ ሕበረትሰብ ዝጠቅምን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ንኽውንን ተዳልዩ ክብገስ ይግባእ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክጽንበር ይኹን ክምስርት እንከሎ እውን ንርሑቕ ዝጠመተን ካብስምዒት ወጺኡ ክዋሳእን ይጥለብ። ከመይሲ ንሱ ንባዕሉ ካብ ስለፍልጠትን ፍልስፍናን ዝመንጨወ ፖለቲካእንተዘይወኒኑ፥ ስነስርዓት ዘለዎን ፍትሓውን ሕብረትሰብ ክሃንጽ ኣይክኽእልን እዩ። ስነስርዓት ዘለዎንፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣብ ዘይህነጽ ግና እቲ ፖለቲካ ከም ሓሶት፥ መደናገሪ፥ ናይ ተንኮል ፍሕሶታት ኮይኑኢዩ ዝተርፍ። በዚ ኣቢሉ ድማ፥ ኣብ ክንዲ ንሃገረይ ዝብል ራኢ ዝውንን፥ ዘገም እናበለ ደቛሲ ኣተሓሳባንንወገነይ ንኣውራጃይ ንሃይማኖተይ ንብሄረይ ከቕድም ብዝብል እዩ ንኣእምሮኡ ዘእምን።

ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ከመይ ይመሓደር ክንዛረብንክንትልምን ከለና እምበኣር፡ ንኹልና ዝጥርንፍ ስርዓትንኽንመርጽን ክንረዳዳእን እምበር፥ ካብ ድሌትን መርጫን ህዝቢ ወጻኢ ብናትና ድሌት ተገዚእና ክንከይድንንህዝቢ ይኹን ንውድባት ተጽዕኖ ክንገብር ኣይግባእን። እወ! ኣብ ኣየናይ ኣገባብምሕደራ እዩ ንመላእ ዜጋእታ ሃገር ዘርብሕ ኣብ ዝብል ክንፈላለ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር እቲ ስነፍልጠት ተኸቲሉ ዝተወዳደበህላዌ ኣብዝሓ ሰልፍታት፥ ዘዝዓግበሉ ኣገባብ ኣብ ዕልማናዊ ይኹን ኣብ ብሄራዊ ወይ ካልእ ዝተወደበፖለቲካዊ ሓይሊ ብጋህዲ ከነጽር ይግባእ። ንሱ ዝመረጾ ኣገባብ ከነጽር እንከሎ ግን፥ ክውንነት ሕብረተሰብበጺሕዎ ዘሎ ምዕብልና ደረጃ ትምህርትን፥ ቁጠባዊ ዕቤትን ኣብ ግምት ዘእተወ ምስ ዝኸውን ዝሓሸ እምነመሰረት ንህዝቢ ናይ ምምራጽ ዕድል ብሩህን ርዱእን ክኸውን ይኽእል።

ኣብዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ ጉዳይ እንተልዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝኽተሎ ኣገባብን ፖለቲካዊሕንጻጽን መድብ ዕዮን ኣብ ህዝቢ ከውርድ ኣለዎ እምበር፥ ብውሽጣኻ ካልእ ብደገንከ ንረብሓ ህዝቢእናበልካ ዝጭራሕ ፋይዳ ኣይክህልዎን እዩ። ንመጻኢ እውን ውሕስነት ናይ ጭቁናት መሰል ክረጋገጽኣይከእልን እዩ። ስለዚ ነቲ ገፋዒ ስርዓት ኣብ ምልጋስ፥ ነቲ እናኣምነሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ይኹንስነፍልጠት ንጭቁናት ዘርብሕ ዲዩ ኣየረብሕን ናብ ምርጫ ህዝቢ ኢና ክንገድፎ ዝግባእ። ክሳብ ሽዑ ግናንሰላምን፥ ምርድዳእን ሓባራዊ ረብሓን ዘመቻችእን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ዝርከብ ፍልልያት ብሰላማውንልዝብን ኣገባብ ከምዝፍታሕ ንምግባር ባይታ ክንምድምድ የድሊ። ምኽንያቱ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢንኣምን እንተደአኰና፥ ስልጣን ዝህብ ንሱ ስለዝኾነ ክንገራጮን ክንፈላለን ከሎና ምልካዊ ኣተሓሳስባ ካብኣእምሮና ጌና ኣይተደምሰሰን ማለት እዩ ዘስምዕ።

ስለዚ፥ ኩለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ቅድምን ደሓርን ምውዳቕ እዚ ገፋዒ ስርዓት ምእላይ ናይ መን ዓብለለቃልሲ ገዲፈን ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ክጽመዳ ይግባእ። ብኡ መሰረት ድማ ኣብ ክንዲ ንፖለቲካዊ መስመርምቕዳም፥ ንሕብረተሰብኣዊ ምዕባሌን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእን፥ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽንዘለወን እምንቶ ብግብሪ ከሰንይኦ ኣለወን። እዚ ማለት ኣብ ንሓባራዊ ረብሓን ሃገራዊ ራእን ዘትከለ ፖለቲካእምበር ብምትህልላኽ ሃገርን ህዝብን ዝድሕነሉ ትልሚ ክንትልም ኣይከንክእልን ኢና። ዲሞክራሲያውንፍትሓውን ዝኾነ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ንምትካል እንተኾይኑ ብሃይማኖትዶ ብብሄር ወይብኣውራጃዊ ጸቢብነት ተወዲብካ ከምዘይብጻሕ ብኣግኡ ክንርዳእ የድሊ።

Last modified on Monday, 04 June 2018 22:50