Print this page

ክንገብር ይግበኣና፡ ዘይኮነ ንገብር ኣለና

2018-05-11 06:32:55 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1888 times
Rate this item
(0 votes)

ምናልባት ከምቲ “ቤተይ እንተ ኢልካዮ መቓብር’ውን ይመውቕ” ዝበሃል ሕሰም እውን ስለ ዝልመድ፡ ለሚድናዮ ንኸውን እምበር ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና። ንሓንሳብስ ምናልባት ደንዚዝና ግዲ ኮይና ኮነታትና ካባና ዝያዳ ንኻለኦት ፍትሓውያን ዘቐንዝዎም ይመስል። መዝገብ ቁጠባ፡ መዝገብ ሰብኣዊ መሰል፡ መዝገብ ድሕንነትን ውሕስነትን፡ መዝገብ መሰላት፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ኮታ ኩሉ መዛግብቲ እንተገንጸልካ ኣብ እንዳ ህግደፍ ብድፉኑ ኩሉ ጸሊም እዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ዘሳቕየና ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ምዕራዩ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና’ውን እዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ክንዕዘብ እንከለና ክምቲ “ዝጠልቀየ ዝናብ ኣይፈርሕን’ዩ” ዝበሃል ግዲ ኮይኑ ነቲ ጸገም ዝረዓምናዮ ንመስል። ቅድሚ ናብ ካልእ ምስጋርና እዚ ኩነታት ህግደፍ ባዕሉ ዝፈጠሮን ዘሳዕረሮን እምበር ዘሻቕሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

እምበኣር ክብደት ጸገምና ከምዚ ዝተጠቕሰ ካብ ኮነ፡ ናብ ንቡር ናይ ምምላሱ ሓላፍነትና ከኣ ክብደቱ ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ዘለዉዎ ዘሕዝን፡ ዘገርምን ዘተዓዛዝብን ኩነታት ወጺኦም ንፋስ ራህዋ ከተንፍሱ ዝኽእልሉ ኩነታት ምፍጣር ኣብ እንግደዓ ናይቶም ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዘሎ ዕዳ እዩ። እዚ ዕዳዚ ናይቶም ሕሰም ህዝብናን ሕማቕ ምስሊ ሃገርናን ዘስቆርቁረና እምበር ነቶም ጉልባቦም ቀሊዖም ርእዮም ከምዘይርኣዩ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝዓለዉ ውሕጅ ግዝያዊ ረብሓ ዝወሰዶም ውሑዳት ወገናትና ዝምልከት ኣይኮነን። ንሕና እቶም ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ዝዓጠናን ምእንታኡ ንቃለስ ዘለናን”ደሓን ኣለና” እንዳበልና፡ ከምኦም ከይንዓሉ ከነስተብህል ይግበኣና።

ካብዚ ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ተዋሒጠምዎ ዘለዉ ሰልሚ ክንወጽእ ከም እንደሊ ዘዳዲ ኣይኮነን። ጭርሖና፡ ድሌትና፡ ኣዋጃትና፡ መደረታትናን ዕላላትናን ከምኡ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እዚ ጽቡቕ ድሌት ብውፉይን ምቕሉልን ተግባር እንተዘይተሰንዩ ፋይዳ የብሉን። እዚ በብኩርናዑ ጉጅም እንብሎ ናይ “ከምዚ ክንገብር ኣለና” ድምጺ ብ“ከምዚ ንገብር ኣለና” እንተዘይተሰንዩ ብዘይቃለዓለም ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ህግደፍን ናይ ወጽዓ ስንክሳሩን ድማ ኣብዚ እንተፈታሕካዮ ባዶ ቁጻራት እዮም ዝነብሩ። ስለዚ ካብ “ክንገብር ይግበኣና” ናብ “ንገብር ኣለና” ክንሰግር እዋናዊ ጠለብ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዝኒ ብዘይትግበር መብጸዓ ኣይትሃጥርን እያ።

ንሕና ብቓልስና፡ ካብዚ ንሃገርና ዓምጢርዋ ዘሎ ምኩሕ ዲክታተርነት ናጻ ክንወጽእ ይግበኣና። ቅድም ካብቲ ህግደፍ ዝሕበኣሉ ዘሎ ናይ 2009 ናይ ሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ዘይኮነ፡ ካብቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንቢርዎ ዘሎ፡ ናይ ቁጠባ፡ ናይ ምንቅስቓስ፡ ናይ ምዝራብ፡ ናይ ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ኣብ ዓድኻ ናይ ምንባር፡ ናይ ምንጋድ፡ ምምሃርን መሬት ናይ ምውናንን ማዕቀባት ናጻ ክንወጽእ ይግበኣና። ህግደፍ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝጸዓኖ ማዕቀብ ሓቢኡ፡ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መጠፋፋእቲ ላዕለዎት ሓለፍቱ ዝተበየነ ማዕቀብን ገበናዊ ተሓታትነትን ከልዕል ጸፋዕፋዕ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘሎ ኣርዑት ዘይኮርኮሓናስ ኣብ ክሳድ ህግደፍ ዘሎ ኣርዑት ዝያዳ ክዓጠና ከምዘይግባእ ንኹልና ንጹር ይመስለኒ። ህግደፍ ግና ብባህሪኡ ደገደገ ምምዕዳው እምበር፡ ናብ ውሽጡ ክርኢ ኣይተብዕን እዩ። ንሱስ ባህሪኡ ኮይኑ ንሕና እቶም ረብሓና ብመሰረቱ ካብ ረብሓ ህግደፍ ዝፍለ ኤርትራዊ ወገናትከ?

ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ሓቀኛ ድሌት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቀኛ ተግባር እንተዝውሰኾ እኮ ለውጢ ምውሓስ ከቢድ ኣይመኾነን። ንሕና ውጹዓትን መሰረታዊ መሰላትና ዝተገፈፍናን ኤርትራውያን ወገናት ርእስና እነድንነሉ፡ በላዕሰብ ህግደፍን ኣሳሰይቱን ድማ ሓለይቲ መሲሎም ክባጭዉን ክሕጭጩን እንከለዉ “ኮር ተገልበጥ” ከም ዘብል ኩልና ኣይንስሕቶን ኢና። ጉጅለ ህግደፍ ዋላ’ኳ ኣብ ኣደባባያት ዓው ኢሉ እንተዘይተዛረበሉን ንቓልስና ኣፍልጦ እንተዘይሃቦን፡ ኣይቋመተናን ማለት ይኮነን። እቲ ብግሁድ ይኹን ብስዉር ዝጥቀሞ ሜላ ከኣ ዘይሩዘይሩ ናይቶም ናይ ሓባር ወጽዓ ዘለና ወገናት ሓድነት ምድኻም ክሓልፍ ከምዘይክእል፡ ካብ ተመኩሮ ናይቶም ተመኩሮኦም ብህግደፍ ዝውረስ ዘሎ፡ በብመድረኹ ዝሓለፉ ገዛእቲ ህዝቢ ኤርትራ እንርደኦ እዩ። ርግጽ እዩ ብብዙሕ ምኽንያታት ንጉጅለ ህግደፍ ብዓይኒ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝሓለፉ ንህዝብና ድከት ዘስተይዎን ደም ዘንብዕዎን ገዛእቲ ምርኣዩ ንክብሪ ኤርትራ ምትንካፍ ኮይኑ ዝረኣዮም ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝብል ምስላ ወራዙ ከኣ ኣይንረስዕ።

ናብቲ ዘንቀለና ቀንዲ ጉዳይ ንመለስ። ነቶም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስና ተዓዊትና ብዓብይኡ “ናጻ፡ ልኡላውን ጉዳዩ ባዕሉ ዝውስን ህዝቢ” ክንከውን እንደልን ምእንታኡ እንቃለስ ዘለናን ዝጐድለና ብዙሕ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ክሳብ ሕጂ ናይ ዘይምዕዋትና ምስጢር ከኣ ሓያልነት ህግደፍ ዘይኮነ ናትና ድኽመት እዩ። ናይ ጉድለትና ማእከል ከኣ ድሌትና ሓደ እንከሎ ብሓባር ክንወፍር ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ “ብሓባር ከምዚ ክንገብር ኣለና” ዝብል ናይ ተስፋ ድምጺ ዘየድምጽ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበር፡ ምሁርን ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋን የለን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ነቶም ብዋጋ ህዝቦም ንህግደፍ ዝረዓሙ ውሑዳት ገዲፍካ እዩ። ኣብዚ ኩነታትዚ “እሞ ክሳብ ክንድዚ ብሓባር ምቅላስ እንኮ መዋጸኦ ምዃኑ ካብ ተረዳእኩም ደኣ ሓቢርኩም ዘይትስጉሙ?” ዝብል ሕያዋይ ሓታታይ እንተሓቲቱና መልስና እንታይ ከምዝኸውን እንድዒ። እቲ መልሲ “ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ” ዝብል ዕባራ ምኽንያት እዩ ክኸውን። ስለዚ በዚ ዘለናዮ ናይ “ደላይን ተዕባይን” ኣገባብ እንተቐጺልና’ሞ ጽቡቕ ዘለና እንተመሲሉና ከምቲ “ውሕጅስ እንዳስሓቐ እዩ ዝወስድ” ዝበሃል ክንከውን ኢና። ካብዚ ክንድሕን እምበኣር “ክንገብር ይግበኣና፡ ዘይኮነ ንገብር ኣለና” ክንብል ግዜኡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ እዩ።

Last modified on Friday, 11 May 2018 08:36