Print this page

ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከቢራ ዊዒላ

2018-05-05 21:41:32 Written by  ድምጺ ሓርነት ካብ ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1838 times
Rate this item
(0 votes)

ዕለት 3 ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ብደረጃ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ከቢራ ዊዒላ። ሃገረ ኤርትራ ብድምጺ ህዝባ፡ ህዝባዊ ረፈረንዱም ኣካይዳ ብ99.8% ውጽኢት ናጽነታ ኣረጋጊጻ ኢሉ እዩ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ባይቶ ሕቡራት መንስታት ኣቅሪቡ ፡ ኣብ መደበር ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሰንደቓ ዕላማኣ ተሰቂላ ዘምበልበለትሉ ዓመተ 1993 እዩ። ( ብእምንቶናን እቲ ሓቅን ግና ተባዕ ተጋዳላይ ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ተጋደልቲ ደቁን፡ ጀመርቲ ተ. ሓ .ኤ . ደምደምቲ ከኣ ደቁ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ፡ንባዕዳዊ ጸላኢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ዉግእ ሲዒሮም እዮም ሃገሮም ነጻ ኣውጺኦምዋ። ኮይኑ ግና እቲ ከዳዕ ህግደፍ ምስ ጓና ወያኔ ትግራይ ዉዲት ዝኣተዎ ዉዕል ክትግብር ብሃንደበት ህዝቢ ዘይተጸበዮ ናብ ረፈርንዱም ኣምበርኪኹ ንዝነበረ መሪር ተጋድሎ ከበቲ መስዋእትን ዝኸፈለሉ መሪር ቃልሲ ፡ ዝነበሮ ጽማኣት ትጽቢት ናጽነት ብርግጽ 100% ብዘየማትእ ነጻነት ሃገሩ ከም ዘድመጸ ኢና ነረጋግጽ። 0,02 ህግደፍ ብሓሶት ከደናግር ዝፈጠሮ ምኻኑ ኢና ንኣምን) ሲዒቡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ንእማመ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዩኔስኮ ጸብጻባቱን ተቐቢሉ፡ ንግንቦት 03 ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ክትከውን ወሲኑ። እታ ሎሚ ዘላ ኣኤርትራ ህግደፍ ከኣ ተቀቢላቶ እያ። ኮይኑ ግና ፡ እታ ንመግዛእታዊ ጎበጣ ስዒራ ብኸቢድ መስዋእቲ ናጽነታ ኣረጋጊጻ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ከተኽብር ትጽቢት ዝተገብረላ ኤርትራ ግን ኣብ 1996 ንዝጀመራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፤ ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ኣልያ ኩናት ኢትዮ ኤርትራ፤ ኣብ መንጎ መራሕቲ መንግስትን ግንባርን ብዝተኸስተ ጎንጺ፤ ርእይቶ ነቐፍቲ መንግስቲ ሕማቅ መናባብሮ ህዝብን ጉጉይ ምሕደራን ንዲሞክራስያዊ ክብሪ ኤርትራውያን ንክዕረን ክእረምን ክመሓየሽን ስለ ዝሓበራ ስለ ዝመሃራ ስለዘአንገዳን ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንኩለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ከም ዝዕጸዋ ጌሩ።

12 ኣዳለውትን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም። ክሳብ ሕጂ ብዘይካ በቶም ተቐይዶሙሉ ኣብ ዝነበሩ ኣብያተ ማእሰርቲ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ፡ እምባትካላን ዒራዒሮን ሓለውቶም ዝነበሩ ገለ ገለ ጽቡቅ ዕድል ረኺቦም ዝሃደሙ እሞ ካብ ሃገር ዝወጽኡ ሰባት ዝተዛረብዎ እንተዘኮይኑ ብወገን መንግስቲ ህግደፍዝተዋህበ ዝኾነ ይኹን መግለጽን ሓበሬታን የሎን። ይኹን እምበር እቶም ጋዜጠኛታትን ከምኦም ምምሕዳር ጌጋ ኣሎ ህዝቢ ይሓሚ ኣሎ ዝወጻእናሉ ዕላማን፡ ሕድሪ ሱዉኣትና ይገኣስ ኣሎ፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንግበር ዝበሉ 11 ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተቀፊዶምስ ብዝተፋለለየ ምኽንያት ሕማም ስቅያት ግፍIዒታትን ከምዝሞቱ ብዘይወግዓዊ መገዲ ይግለጽ ጸኒሑን ኣሎን። መላኺ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ዝዓጸዎ ህላዌ ብሕታዊ ሕትመት መዓስ ከምዘልዕሎን ከምዝኸፍቶን ኣብ ዝሕተተሉ እዋን፡ ብሰንኪ ጎበጣ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ዝተፈጥረ ሃዋሁወ ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ክሳብ ዘይተፈትሐን ብምኽንያት ሃገራዊ ድሕነትን ውሕስነትን ከምዘየልዕሎ እዩ ዝዛረብ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ብጋዜጠኝነት ንኣስታት 16 ዓመታት ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ዓብዱ መሓመድ ዓንዱ፡ " ኣብ ኤርትራ ኣፈኛ ናይ መንግስቲ ኮንካ ኢኻ ትሰርሕ 'ምበር ነጻ ጋዜጠኛ ኮነካ ናጽነት ተሰሚዑካ ንጉድለታት ክትነቅፍን ከም ድላይካ ክትጽሕፍን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ" ይብል።

ሳሕቲ፤ ተኣማንነት ንምርካብ ወይ ንይምሰል መታለልን ነቀፈታዊ ጽሑፋት ክጽሕፉ ብናይ ቀረባ ሓለፍቱ ትእዛዝ ይወሃቦም ከም ዝነበረ እንተኾነ ግና ብጸቢብ ከም ዝሓልፍን ንሕትመት ዝበቅዕ ሒደት ምዃኑን ይገልጽ። ዓብዱ መሓመድ ዓንዱ ቀይዱ ዝሰገረ ቀጺሉ ዝብሎ ናጽነት ሕትመት፤ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፤ ዓሌት ምስ ዓሌት ከናቑት ተኽእሎ ክህልዎ ከም ዝኽእል ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ናጽነት ሕትመት በይኑ ቆንጺልካ ክርአ ዝከኣል ዘይኮነን ነጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣካል ብቕዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከይተፈትሑ ናጽነት ሕትመት በይኑ ክመጽእ ከም ዘይክእል ይዛረብ። ብነጻነት ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ ዕድላት ክህሉ ከሎን ብግቡእ ዝጥቀምሉ ትካላትን መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠኛታትን ክህልዉ ከለዉ ግና "ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዘቑሙን ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዝሃንጹን ከም ህዝቢ ብሱል ኮይኑ ህይወቱ ክመርሕ ሓድነቱን ናጽነቱን ኣኽቢሩ ክነብር ዘኽእሎ ፕረስ ኢዩ" ይብል። ቀዳማይ ዲግሩ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሰቲ ካልኣይ ዲግሪ ከኣ ካብ ደልሂ ሃገረ ህንዲ ዝተቀበለ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ቴድሮስ ኣብርሃም፤ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ብምምያ ከይሓለፈ ዝሕተምን ዝዝርጋሕን ጽሑፋት ከምዘየሎ ድሕሪ ምግላጽ ፤ ንናጽነት ፕረስ ኣብ ሓንቲ ሃገር ንዘለዎ ኣስተዋጽኦ ብኽመዚ ዝስዕብ የብርህ፤

"ናጽነት ፕረስ ንህዝቢ ግሉጽ ዝኾነ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥን ፡ ከይሰገአ እቲ ክብሎን ክነቕፎን ዝደሊ ሃህ ኢሉ ክዛረብ ዝፈቕድ'ዩ ፡ ብዓቢኡ ሓንቲ ሃገር በየናይ ኣንፈት ምዕባለ ትኸይድ ኣላ ኣብ ዝብሉ ናጻ ምይይጣት ንክህሉ ዓቢ ሮቓሒ'ዩ " ድሕሪ ምባል ህዝቢ ብምንገዲ ናጽነት ፕረስ ካብ ቤላቤሎውን ኮንዶኾንን ዝኾኑ እንተታት ወጽዩ ሓቐኛን ውዱዕን ሓበሬታ ንኽረክብ ዝሕግዝ'ዩ ፡ ነቲ ህዝቢ'ውን መሰሉ'ዩ" ይብል።

ግንቦት 3፤ ዓመት ዓመት፦ ነቲ መሰረታዊ መትከላት ናይ ፕረስ ነጻነት ንምጽምባል፡ ንኩነታት ነጻነት ፕረስ ኣብ መላእ ዓለም ንምግምጋም፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ሚድያ ንዝወርድ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን፡ ኣብ ዕማም ጋዜጠኝነት ህይወቶም ንዝሰኣኑ ጋዜጠኛታት ንምዝካርን ዝጽምበል ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ኢዩ። ሎሚ ዓመት እዚ መዓልቲ ኣብ ትሕት "ንስልጣን ተሓታቲ ምግባር፡ ሚድያ፡ ፍትሒን ልዕልና ሕግን" ዝብል ቴማ ዝኽበር ክኸዉን ከሎ፡ንኣገዳስነት ሕጋዊ ሃዋሁው ንነጻነት ፕረስ ዘስምር ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ምርግጋጽ ሕጋዊ ውሕስነት ንነጻነት ፕረስን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ንዝፍጸም ገበናት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ዘተኮረ ኢዩ። እቲ ቴማ ብተወሳኺ ብዛዕባ ርእሰኻ ናይ ምግላጽ ነጻነት ዘሎ ሕጋዊ ሓጓፋት ንምድህሳስ ዝዓለመ ኢዩ።

ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ገዲም ተጋዳላይ ስዉእ ስዩም ዑቅባሚካኤን ብስዩም ሓረስታይ ዝፍለጥ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ራዲዮና ናይ 28/04/2018 ዘቃላሕናዮ ስዩም ኣብ ፈስቲቫል ጀርመን ዝሃቦ ታሪኻዊ ኣስተምህሮ …ነጻ ኤርትራዊ ዜና ማዕከን ክህሉ ሚዛን ስልጣን ክሕሎ ህዝቢ ከይብደል ከይጥለም ምእንቲ ፡ ናይ ዓወትና እስትርተጂ …ዉሕስነት ዲሞክራሲ … ክስተታት ዲሞክራሲ ክድኮን ሕጋዊ ሰረት ሂወት ህዝቢ ዉሑስ ክኸውን ነጻ ኤርትራዊ ዜና ማዕከንን ክህሉን ምቋም ነጻ ሕዝባውያን ማሕበራት ሕጂ …ካብ ውልቀ ጀሚሩ ዉድባት ክህሉ ኣሎዎ እዩ ኢሉና ሓሊፉ … ተሰዊኡ….

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትካል ተሓላቒ ነጻ ፕረስ ኣብ ዘዉጽኦ ጸብጻብ ንኤርትራ በቲ ንፕረስ እትህቦ ናጽነት ካብ 180 ሃገራት መበል 179 ሰሪዑዋ ኣሎ። ኣብቲ ን180 ሃገራት ዘመልክት ጸብጻብ ኤርትራ ን ሰሜን ኮርያ ጥራይ ቀዲማ መበል 179 ተርታ ሒዛ ኣላ። ኣብዚ ተርታ ኖርወይ ቀዳመይቲ ክትከዉን ከላ ሽወደንን ሆላንድን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ኣብ 2001 ዝተኣሰሩ'ሞ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ጋዜጠኛታት ኤርትራዊ ሽዊድናዊ ዳዊት ኢሳቕ ብዙሕ ተዘሪቡሉ ተጻሒፉስ ክሳብ ኣብ 2017 ዩኔስኮ ናይ ጉሌርሞ ካኖ ዓለማዊ ሽልማት ናጽነት ፕረስ ጌሩ ከም ዝሸለሞ ይዝከር፡፡ ኮይኑ ግና ክሳብ ሎሚ ሃለዋት ዳዊት ይኹን እቶም 26 ድዮም 29 ህቡባት ጋዜጠኛታ ደሃይ የለን ዓለም ዋላ እውን እቲ ዝምልከቶ ማሕበር ማንም ለውጥ ኣየምጽኤን ስለምታይ ??? ... መልሲ ካብ ኩልና !!!

ነጻ ፕረስ መሪሕ ሂወት ናይ ዓለምና እዩ !!!

ምምሕዳር ድምጺ ሓርነት ካብ ሽወደን።

Last modified on Sunday, 06 May 2018 14:54