Print this page

ዘይቀንእ ኣይወለድ!

2018-04-05 09:07:10 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1995 times
Rate this item
(0 votes)

ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ነቲ ኣብ የመን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶርያን፡ ሶማልያን ክልተ ኮርያታትን ዝጸንሐ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣዝዩ ዘሕዝን ቅልውላዋትን ምርሕሓቕን ዝድብስ ናይ መዋጽኦ ደሃያት ይስማዕ ኣሎ። ኣብ ዝምባብወ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኬንያን ዝስማዕ ዘሎ ዜናታት ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣናትን ምፍታሕ ነባር ፍልልያትን ህይወት ናይ ዝመልስ ዜናታት ኣብነት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘጋጥመ ጸገማት ግዜ ሂብካ እሂንምሂን ተበሃሂልካ ወጥሪ ናይ ምህዳእን ንቀጻሊ ፍታሕ መሰረት ምንጻፍን ተግባር ከኣ ኣብ ኣፈናዊ ደረጃኡ ዘሎ’ኳ እንተኾነ፡ ብኣውንታ ዝጥቀሰ ኣገዳስን ሓላፍነታውን ምዕባለ እዩ። ክምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ፖለቲከኛታትን ዝንእድዎን ተስፋ ዘንብርሉን ዘለዉ። ዋላ’ኳ ጣዕሳ እንተንጸላለዎ፡ ኣብ እስራኤል ናይ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ጉዳይ ቆላሕታ ምርካቡ ከኣ ካልእ ናይዚ እዋንዚ ተርእዮ እዩ።

ኤርትራ ሓንቲ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንብዓታ ዝሕብሰላ ዜና እትጽበ ሃገር እያ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ኩሎም ናብ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዝወስዱ መዓጹኣ ዕጹዋት እዮም። ማዕጾ ዝተዓጽዎም ድለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራውያን ዜጋታታ ኣብ ዓድን ኣብ ወጻእን ከኣ ገለን ብውዱብ ገለን ድማ ብውልቂ፡ መተካእታ ስለ ዝሰኣኑ ናብቲ ናይ ደሓን ኣዳራሽ ወይ ፖለቲካዊ ሜዳ ንምእታው ኳሕኲሖም ምኽፋት ዝኣበዮም ማዕጾ ክሰብሩ ተገዲደምሉ ዘለዉ ግዜ እዩ። ሕመረት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እምበኣር በዚ እዩ ዝቃነ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሕድሕደን ናይ ዕርቂ መንገዲ ክመርጻ እንከለዋ፡ ኣብ ኤርትራን ከምኣ ዝኣመሰላን ግና ምእንቲ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ዝተኣስሩ ወገናተን ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ከይቀረቡ፡ ኣብ ስዉራት ኣብያተ ማእሰርቲ ደሃዮም ጠፊኡ ምስ ጸነሐ፡ ዜና መስዋእቶም ብዘይወግዒ እዩ ዝንገር። ናይዚ ቀረባ ግዜ ሕልፈት ሃይለ ወልደትሳኤ ድሩዕ ኣብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ከኣ ናይዚ ዘሕዝን ተርእዮ መርኣያ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ በቶም ካብ ናይ ዲክታተርነት ደልሃመት ዝወጹ ዘለዉ መንግስታትን ዘጋጥሞም ፖለቲካዊ ቅልውላውን ሳዕሪሩ ናብ ጐንጽን ናዕብን ከይዓረገ፡ ብሓላፍነታዊ ዘተን ምክእኣልን ወጊኖም ናብ ራህዋ ዝወጹ ዘለዉ ወገናትን ክቐንእን ክበራበርን ዘይሕሰብ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ መመሊሱ ናብ ጥፍኣት ዝዕዘር እምበር ዝሓዊ ስለ ዘይኮነ። ኣብዚ በብኹርናዑ ዝቀላቐል ዘሎ ሓድሽ ኣውንታዊ ናይ ስኒት ምዕባለታት ዝረኣየሉ ኣጋጣሚ ናይ ህግደፍ ግብረመልሲ ትዕቢትን ናይ ካለኦት ለባማት ስጉምቲ ምንእኣስን እዩ። እነሆ ከኣ ከምኡ ይገብር ኣሎ። ህግደፍ ስለምንታይ ንናይ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤትን ድምጺ ኣእዛኑ ዓጽዩ፡ በቲ ናይ ምንጽጻግ መንገዲ ኣጠርሚሙ ምጉዓዝ ይመርጽ? ዘይዕቱብን ዕባራን ምኽንያት ይህልዎ ይኸውን። ዙይሩዘይሩ ግና ቀንዲ ምኽንያቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ራህዋ ጠለባቱን ዘለዎ ንዕቀትን ብደዐን ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ስለ ዝወጸ፡ ኣብ ከባቢኡ ብዝፍጠር ሃናጺ ምዕባለ ክቐንእን ንምርዓሙ ክጽዕትንስ ዘበት እዩ እንብል።

ካብ ወጻዕን ዓመጸኛን ተግባራቱ ክሳብ ዘይተመልሰ፡ ንህግደፍ ናቱ ምሃቡን ምቅላዑን ግቡእ እዩ። ከምኡ ኢና ከኣ ንብልን ንገብርን ዘለና። እቶም ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ወገናትከ ኣብዚ መዳይዚ ከመይ ኣለና? ዝብል ሕቶ እውን ምርኣዩ ግድን እዩ። ወዮ ሰፊሕ፡ ቀጻልን ኣስካሕካሕን ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ትዕግስቲ ዘስእን ኮይኑ እዩ እምበር፡ ቅድሚ ብዛዕባ ህግደፍን ጸረ ህዝብን ኩሉ መሰላቱን ኣካይዳኡ ምዝራብ ብዛዕባና ምዝራብ ምቕዳም ውሕልነት እዩ። ምኽንያቱ ካልኦት ንክሰምዑኻ ቅድም ንስኻ ሰማዒ ምዃን ስለ ዘድሊ። ንለውጢ ክትጽውዕ እንከለኻ’ውን ኣብቲ መስርሕ ናይ ለውጢ ሓሳባት ክትህብን ክትቅበልን ትጉህ ምዃን ግድነት’ዩ። ብዛዕባ ሓድነት፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣልን ሕድገትን ክትዛረብ እንከለኻ’ውን ከምኡ ንገዛእ ርእስኻ ብምቕዳም ምቕሉል ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ከምቲ ኣብቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ሃገራት ዝተረጋገጸ ምርግጋእ ኣብ ኤርትራ ንምውሓስ፡ ካብ ህግደፍ ምጽባይ፡ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ካብ ምጻባይ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ኣብዚ መዳይዚ ንገዛእ ርእስኻ ቅድሚት ኣብ ምስራዕን ኣብነት ኣብ ምዃንን ቅዱስ ቅንኢ ከነሕድር ክሳብ ክንደይ ኣድላይ ምዃኑ ምስትውዓል ከድልየና እዩ።

ኣብ ባህልና ቅንኢ ዝተፈላለዩ ትርጉማት ኣለዉዎ። ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ቅንኢ እምበኣር፡ ብዛዕባ ጽቡቕን ቅዱስን ቅንኢ እዩ። ብዛዕባ ብቕንኢ ተሳዒርካ ናይ ካልእ ወገን ጽቡቕ ከተዕንቅፍን ክትኮልፍን ሒዅ ምባል ዘይኮነ፡ ናይ ካለኦት ጽቡቕ ነገር ናትካ’ውን ከም ዝኸውን ናይ ምድላይን ምትግባርን ቅንኢ ኢና ንዛረብ ዘለና። እቲ ኪኖ ድኸመት ዝስራዕ ጸረ-ህዝቢ ገበን ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ጸሓይ ዝወቐዖን በብኩርናዑ ዝውገዝ ዘሎን እዩ። ናትና ናይ ሓይልታት ለውጢ ሕጽረትከ ዕምቆቱ ክሳብ ክንደይ እዩ? ኢልና ዳህሳስ ከነካይድ ይግበኣና። ምኽንያቱ ህግደፍ ካብቲ ናትና ድኽመት እንዳተዓንገለ እዩ ክሳብ ሕጂ ትንፋስ ሰዂዑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ እምበር፡ ናቱ ትንፋስ ካብ ዝሓጽሮስ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንሕና ከምቲ ክንከዶ ዝግበኣና ውሕልነትን ቅልጣፈን እንተንጐዓዝ ህግደፍ ትንፋስ መሓጸሮ’ሞ እቲ ዘይተርፍ ሕልፈቱ መቐልጠፈ። ናብዚ ንምብቃዕ ከኣ ኣብ ከባቢና ካብቲ ዝኸፈአ እንዳረሓቕና በቲ ኣውንታዊ ምዕባለ ክንቀንእ ይግበኣና። ከምቲ “ዘይቐንእ ኣይወለድ” ዝበሃል።

Last modified on Thursday, 05 April 2018 11:12