Print this page

ክትመስል ዘይኮነስ፡ ክትከውን ምብቃዕ

2018-03-08 15:50:46 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1876 times
Rate this item
(0 votes)

ሓደ ነገር ምምሳልን ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ ምዃንን ሰፊሕ ፍልልይ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እቲ ምምሳል ዘይኮነካ ክነስኻ መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን እዩ። ምዃን ከኣ ብትኽክል ከምቲ “ከምዚ እየ” እትብሎ ብግብሪ ኮይንካ ምቕራብ እዩ። ንመሲልካ ምቕራብ ካብ ምዃን ፈሊና እንርእየሉ መምዘኒ ተግባር እዩ። ምምሳል ካብ ድሌትን ባህግን ዝነቅል ኮይኑ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተሓዝ ናይ ምትዕሽሻው ተልእኮ እዩ። ምዃን ግና ዝበሃልን ዝኸውንን ኣብ ምንጽብራቕ ስለ ዝምርኮስ ዘይከሓድ እዩ። “እነሆ ዝብል ነይሕሱ” ከም ዝበሃል።

ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ዝብሎን ዝትልሞን ማእከሉ መሲልካ ምቕራብ እምበር ብተግባር ክትከውን ምብቃዕ ኣይኮነን። ከምስል ዲሞክራስያዊ፡ ብሃገርን ህዝብን ሓላዪ፡ ሰላማዊ፡ ኣኽባሪ ኩሉ መሰላት ህዝቢ፡ ናይ ልምዓትን ህንጸትን ሓርበኛ … ወዘተ መሲሉ ክቐርብ ይፍትን። ሓደ ሓደ ግዜስ ዕዮ ገዝኡ ከም ዘጻፈፈ መንግስቲ፡ ናይ ዞባዊ ጉዳያት ተሻቓሊ ዝመስለሉ’ውን ኣሎ። ነቶም ነዞም መሲሉ ዝቐርበሎም መሰረታዊ ኣምራት ዝተግብሩ መሲልካ ዘይኮነስ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ትብዓትን ባህርን ዝውንኑ ኣካላት ከኣ “ስለምንታይ ኣቃሊዖሙኒ” ካብ ዝብል ስንባደ ከነኣእሶምን ክጥቅወሎምን ህርድግ ይብል። እቲ ንሱ መሲልካ ንምቕራብ ዝፍትነሉ ነጥብታት ብመንጽር ኮይንካ ናይ ምቕራብ መምዘኒ ክፍተሽ እንከሎ እምበር ህግደፍ ብግልባጥ እቲ ዝብሎ እዩ ዝግለጽ። ማለት ጸረ ዲሞክራሲ፡ ጸረ ሃገርን ህዝብን፡ ጸረ ሰላምን ቅሳነትን ጸረ ልምዓትን ህንጸትን እዩ። እዚ ርኡይ ስለ ዝኾነ ከኣ ኩሎም ወገናት ዝሰማምዕሉ መንነት ጉጅለ ህግደፍ በቲ ክመስሎ ዝፍትኖ ዘይኮነስ በቲ ብተግባር ዝኾኖ እዩ ዝዕቀን።

እዚ ኣብ መንጎ መሲልካ ምቕራብን ምዃንን ዘሎ ሸኾርተት ኣብ ባህርያት ህግደፍ ጥራይ ዝደረት ዘይኮነ፡ ናይ ኩሉ ጸገማትና ቀንዲ ጠንቂ እዩ እንተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን። ምፍንጫላት፡ ዘይምጽውዋራት፡ ፍልልይ ከተመሓድር ዘይምብቃዕን ኣብ ጸቢብ ስምዒታት ምኹዳድን በዚ ካብ ምጽላው ዝድሕኑ ኣይኮኑን። ካብ ሕጋውን ስርዒታውን መሰረታዊ መትከላት ወጺእካ ንነብስኻ ኣብ ናይ ቅኑዕነት ሰገነት ኣቐሚጥካ ናይቲ ካልእ ወገን ሓሳብ ሓጢጥካ ከተነኣእስ ምህቃን እዚ እንተዘይሰሚሩልካ ከኣ፡ ካብ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ሓኪልካ በጨው ምባል ኣብ ክሊ መሲካ እምበር ኮይንካ ክትቀርብ ዘይምብቃዕ ዝሕቆፍ ባህርያት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና በዂሮም ካብ ዘለዉ መሰረታዊ ጉዳያት ፍልልያትካ ዓቂብካ፡ ኣብቲ ዘስማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። እዚ ሕጽረት ኣብ ኩሎም ሰብ ጉዳይ ግንዛበ ረኺቡ ዘሎ ምዃኑ ከኣ ዘዳዲ ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝቃልሑ መደረታት ነዚ እዮም ዘነጽሩ። ኣብ ጸቢብ ናይ ዕላል መድረኻት ዝለዓሉ እውን እዚኣቶም እዮም። ድሕሪ እዚ ኩሉ ግና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንሓቢርካ ምስራሕን ምጽውዋርን ዝኣምኑ ካብ ኮኑ ስለምንታይ እዮም ከምኡ ዘይገብሩ?” ኢልካ ክትሓትት ትግደድ። ድሕሪ ምምርማር እትበጽሖ መደምደምታ መልሲ ከኣ “እቲ ዝበሃል ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ከምኡ ንምዃን ዘይክነስ፡ መሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ሸንኮለል ስለ ዝኾነ እዩ” ኢልካ ክትድምድም ትግደድ። “ስለምንታይ’ሞ ንኻለኦት ተዕሹ ዘለኻ እንዳመሰለካ ነብስኻ ምትላል?” ኢልካ ዳግማይ ክትሓትት ከኣ ትግደድ። ኣብዚ እቲ ኣምስሉነት ካብቲ ንካለኦት ወገናት ተዕሽወሉ ንገዛእ ርእስኻ እተዕሽወሉ እዩ ዝዓዝዝ ንዝብል ግቡእ ኣስተብህሎ ምሃብ የድሊ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ነጊሶም ካብ ዝረኣዩ ዘይናይስኒት ባህርያት፡ እቲ ቀንዲ ናይ ሓሳባት ዘይኮነስ ናይ ሰባት ምትህልላኽ እዩ። ኣብ ምትህልላኽ ዘይቅኑዕ ማዕረ ቅኑዕ እዩ ዝስለፍ። ምናልባት እውን ሆሆን ዳንኬራን ወሲኽካ ግዝያዊ ደኣ እዩ እምበር ኣምስሉነት ኣብ ልዕሊ ክውንነት ልዕልና ዝሓዘ ዝመስለሉ ኩነታት ይፍጠር እዩ። ከምቲ “ካብ በዓል ጣፍስ በዓል ኣፍ” ዝበሃል ማለት እዩ። ኣብዚ ምሳልያዊ ኣበሃህላዚ “በዓል ኣፍ” ንመሲልካ ምቕራብ፡ “በዓል ጣፍ” ከኣ ኮይንካ ንምቕራብ እዮም ዝውክሉ። ከምዚ ዓይነት ህልኽ ብዝፈጥሮ ስምዒት ምፍንጫልን ምሕካልን ይፍጠር። እቶም ዝሓከሉ ካብቲ ኣብ ንቡር ኩነታት እንከለዉ ዘስምዕዎ ዝነበሩ ጭረሖ ሓድሽ ቃና ሒዞም ኣይቀርቡን። ዋላ’ኳ ዝተፈልዩ ንከመስሉ ዝቀባብእዎ ሕብሪ እንተሃለወ፡ ነቲ ሕብሪ እንተ ሓኺካዮ ግና ነቲ ገዲፈምዎ ዝኸዱ ንቡር እዩ ዘርእየካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መሲሎም ክቐርቡ ዝገብርዎ ፈተነ፡ ኮይንካ ብምቕራብ ስለ ዘይስነ ሓድሽ ትሕዝቶ የብሉን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ከምቲ እንመስሎን እንሃርፎን ኮይና እንተንቐርብ፡ ጉዳይና ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣይፈዘዘን። ብዘይ ምኽኑይ ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ከም ቃንጥሻ ኣይተራባሕናን። ክንድቲ ንራበሖ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ናይ ኣተሓሳስባ ኣማራጽታት ሒዝናሉ እንተንቐረብ ግና እቲ ምብዛሕና ሃብትናን መልክዕናን መኾነ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣብ ዘየብሉ ብናይ ውሱናት ባእታታት ኩራን ድፍኢትን ዝፍጠር ናይ ውድባት ምርባሕ ግና ኪኖ ምብታንን ምድኻምን ዓቕምን ኣተሓሳስባን ደንበ ተቓውሞ ካልእ እቶት የብሉን። ንካብ መትከላዊ ኣሰራርሓ ህድማኻ ቅኑዕ ከተምስል ዝግበር መሲልካ ናይ ምቕራብ ፈተነ ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሓቢኡ ዝነብር ኣይኮነን “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ምባሉ’ውን ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ከምቲ “ጸገም፡ ናብ ውሽጥኻ ንኽትርኢ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ” ዝበሃል፡ ዘይኮኑ ክንሶም መሲሎም ክቐቡ ዝመጣጠሩ ወገናት፡ ኮይንካ ንምቕራብ ንክበቕዑ ናብ ውሽጦም ክቋመቱ በዚ ኣጋጣሚ ዘኻኽሮም።

Last modified on Thursday, 08 March 2018 16:59