Print this page

ኣይንተናኸፍ: ሓቢርና ንስራሕ ክንተሓቛቘፍ

2018-02-14 09:24:08 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2115 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኾነ ይኹን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቆና: ምዝመዛን ወጽዓን ዝነብር ህዝቢ፥ ነቲ ዝውጽዖን ዘጋፍዖን  ስርዓት ከለሊ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣሜን ኢሉን ረድዩን ዝግዛእ ፍጡር ስለዘየለ። ኣሜን ኢሉ ዘይግዛእ ካብ ኮነ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ። ተሳትፎኡ ከኣ ብቐጥታ ብኣካል፡ ናይ ደገፍ ድምጽን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምብርካትን ክኸውን ይኽእል።

ዜጋታት ኣብ ዝምልከቶም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ እንተዘይተሳቲፎም ጽባሕ ካብቲ ብምልኪ ዝሳቐይዎን ዝግፍዕዎን ክላቐቑ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ምልኪ ኣተሓስስባን ጽልዋኡን ንምውጋድ ዋናታት ክኾኑ ስለ ዝይክእሉ መመሊሶም ክድቆሱን ክምዝመዙን ኢዮም። በዚ ምኽንያት እቲ ጨፍሊቑ ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ምልኪ ወይ ኢደ-ወነናዊ ስልጣን ናይ ምብዳሁ ሓላፍነቶም ከም ምዃኑ ምስዝዝንግዑ ተወጻዕቲ ንሶም እዮም ክኾኑ። እቲ ምንታይ ምልኪ ንምልጋስ ናይ ዝተወሰኑ ሰባት፥ ዓሌት፥ ብሄር፡ ኣውራጃ ወይ ሃይምኖት ሓላፍነት ስለዘይኮነ።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ናይ ምልጋስ ሓላፍነት ናይ መላእ እቲ ጭቁንን ግፉዕን ዜጋ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገሮም እጃሞም ከበርቱን ክዋስኡን ናይ ግድን እዩ። ዜጋታት ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዘይምስታፎም ሕመቕ ናይ ሰልፍታት ወይ ውድባት ገይሮም ክወስድዎ ወይ እውን እተን ሰልፍታት ልዕሊ ዝዓቕመን ከብርክታ ክጽበዩ ኣይግባእን። ከምየሲ ምልኪ ንምልጋስ ክበሃል እንከሎ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ እቲ ጸረ ምልኪ ዝቃለስ እውን ኣብ ኣተሓሳስባኡ ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት፡ እቲ  ኣንጻር ምልኪ ዝካየድ ቃልሲ ብዘይ ተሳትፎ መላእ ዜጋታት ክዕወት ኣይክእልን እዩ።  ምልኪ ንምልጋስ ጽባሕ ንመላእ ዜጋታት እታ ሃገር ዘርብሕን ዘቕስንን ኩነታት ክፈጠር እምበኣር፡ ናይ ዝሰፍሐ ተጨቚነ ዝብል ዜጋ ግደን ሓላፍነትን እዩ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ነተን ኣለዋ ዝበሃላ ሰልፍታት ክከታተልን፥ ሓደ ብሓደ ክፈልጠንን ከለልየንን ይግባእ። ህዝቢ ክሰምርን ሓቢሩ ክነብርን ዝምነን ዝብህግን፥ ካብ ጭቆና ተላቒቑ ድሞክራሲያዊ ግዝኣተ ሕጊ ከንግስ እንተኾይኑ እምበር፡ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ተዓዛባይ ጥራይ ክኸውን ኣይግባእን። እቲ ምንታይ ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ንዲሞክራሲ ብግቡእ ምፍላጥን ብተግባር ምምኳርን ሓደ ካብቲ ቀንዲ መሰረት ኣዕኑድ ናይ ግዝኣተሕጊ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ከይተሳተፈን ኣብ ተግባር ከይኣተወን እንታይ ዓይነት ስርዓት ክተክል ምዃኑ ጽባሕ ክሕርብቶ እዩ።

በዚ ሕጂ ኣብ ደገ እንከሎና እንዕዘቦ ዘሎና፡ እዚ ዘይበሃል ቁጽሪ ሰልፍታትን ውድባትን ተደርዲረን እንከለዋ ወግሐ ጸብሐ ክፈናጨላን ኣብ ነንሓድሕደን ክወናጀላን እንከለዋ ግደ እቲ ካልእ ኣብ ሰልፍታትን ውድባትን ዘየሎ እንታይ ከኸውን ነይርዎ? ነቲ ምፍንጫል ምውጋድን ነቲ ሓቂ ፋሕቲሩ  ንዝተጋገየ ጊጋ ከምዘሎ፥ ንቅኑዕ ከኣ ቅንዕነቱ ብምሕባርዶ ኣይኮነን? ዋላስ እንታይ ገደሰኒ ዘይንስልጣን እዮም ዝቆራቑሱ ዘለዉ ኢልካ ከምዘይናትካ ምርኣይሲ ጽባሕ ንግሆ ፍትሓውን ርትዓውን ሕብረተሰብ ክንከውንዶ ንኽእል? ተዕዛባይ ጥራሕ ምዃን ወይ’ውን ንጉዳይ ሃገር ከምዘይናትካ ምርኣይ ወገሐጸብሐ ምፍንጫል ነቲ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ዘርብሕ እምበር ካልእ ትርጉም የብሉን። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ንሃግርናን ህዝብናን ካብዚ ግፍዓዊ መላኺ ስርዓት ከነናግፎ ኣይኮናን። ንሓድነትና እውን ኣብ ሓደጋ ከነእቱ ምዃና እዩ ዝሕብረና። ኣብ ከምዚ ህሞት ከኣ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ዝብል መደብ ወይ ሓሳብ ክህልወና ኣይኮነን።  

ምልኪ ንምልጋስ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ውሑዳት ጸየቕቲ፡ ተበለጽትን፥ መደናገርትን ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። ነዚኦም ንምልላዮምን መስመሮም ንምትሓዝን ከኣ ናይቲ ዝሰፍሐ ጸረ-ምልኪ ዝኾነ ኣካል እዩ። እዞም ተበለጽትን ጸየቕትን ብጸረ-ኣምር ዲሞክራሲ ዝጎዓዙን ከኣ ተቐላጢፎም ናብቲ ናይ ፍልልያት በዓቲ እዮም ዝዕቆቡ። በዚ ኣቢሎም ከኣ እቲ ናይ ምድንጋር ሰይጣናዊ ስራሓቶም ንምስላጥ ዘየለ ፍልልያት ንምዕማቚን ንሓሶት ብኹምራ ደጋጊሞም ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ክሰዂዑን ለይቲ ምስ መዓልቲ ብግሁድ ይኹን ብስውር እናተንቀሳቐሱ ንምልኪ ዘጠናኽሩ እምበር ንምልኪ ዝድምስሱ ኣይኮኑን። መሰረት ዘይብሉ ሓሶትን መናፍሓትን ሓቅነት ዘይብሉ ክስን ብምዝውታር ከኣ ዲሞክራሲያዊ መስመር ክትተክተል ማለት ዝበት እዩ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ መላኺ ስርዓትን ምልካዊ ኣተሓሳስባን ካብ ሱሩ ክመሓው ድሌት ዘለዎ ዘበለ ሓቅን ሓሶትን፥ ሕጋውን ዘይሕጋውነትን ፈልዩ ክመራመርን ፍርዲ ክህብን ዘይተዳለወ ደላይ ፍትሒ ከይተረደኦ ነቲ ስርዓት ደገፍ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ዜጋታት ኣብ ኣኼባታት ተሳቲፎም ርእይትኦም ክህቡን ርእይቶ ካልኦት ክስምዑን ክቕበሉን፥ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ክምኮሩን ከተግብሩን ክጽዕሩ ኣለዎም። ዜጋታት ናይ ፖለቲካዊ ህይወት ኣንቀሳቐስቲ ብምዃኖም ነዚ ብዕቱብ ክስረሕሉ እንተኾይኖም ዓገብ ንዝበሃል ዓገብ ክብሉ፥ ንዝኹነን ክኹንኑ፥ ጸቕጢ ምግባር ዘድልዮ እንተኾይኑ ጸቕጢ ክግበሩ እንከለዉ እዮም ውሕስነት ናይ ግዝኣተ ሕጊ ዘረጋገጽ። ንሓድሕድካ እናተጎራፈጥካን፥ ብሓሶት እናጠቀንካን ግዝኣተ ሕጊ ክተውሕስ ማለት ዘይከውን እዩ። ልክዕ እዩ ዲሞክራሲ ናጽነትን መሰልን ኢዩ ጥራሕ ኢልና ንውድኦ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ኣምር ዲሞክራሲ ዝግዝኣሉ ወይ ዝጠልቦ እውን ዕረ እናጠዓመካ ናይ ምምላእን ምትግባርን እውን እዩ።

 

Last modified on Wednesday, 14 February 2018 10:26