Print this page

እስራኤል፡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ሂባ

2018-02-06 03:55:10 Written by  ድምጺ ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2001 times
Rate this item
(0 votes)

Israel Deports 1 ስደተኛታት ኣብ ሆሎት መዳጎኒ ማእከል - እስራኤል

 

ዋሽንግተን

እስራኤል ብዘይሕጋዊ መንገዲ እዮም ኣትዮም ንዝበለቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ጸኒሓ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናይ መጀመርያ ስጉምቲምስጓግ ከምዝጀመረቶ ይሕበር ኣሎ።

ሰበስልጣን ኢምግሬሽን እታ ሃገር ንኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ ዝእዝዝ መምርሒ ክህቡ ከምዝጀመሩ ተሓቢሩ። 

እስራኤል ነዞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ዝበለቶም ኣስታት 40,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ መጋቢት, 2018 ብፍቓዶም ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ሚካኤል ዝተባህለ ካበይ ምኳኑ ክሕብር ዘይፈቐደ ስደተኛ ናብ ሩዋንዳ ክጥረዝ ምኳኑ ካብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እስራኤል ወረቐት ከምዝበጽሖ ይሕብር።

ንሱ እስራኤል ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ጌጋ ምዃኑ ብምግላጽ ምክንያቱ ድማ እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝኸድዎ ሃገራት ኣፍሪቃ ሞት እዩ ዝጸብዮም ይብል።

እስራኤል ግን ነዚ ጥርዓን ስደተኛታት ብምንጻግ መብዛሕትኦም ዝሓሸ ህይወት ንምምራሕ ዝመጹ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ትብል። 

እቲ ነዞም ስደተኛታት ናይ ምስጓግ ውሳኔ እቶም ስደተኛታት 3,500 ናይ ኣሜሪካ ዶላር ተዋሂብዎም ብፍቓዶም ክወጹ ወይ ድማ ክእሰሩ ምኳኖም ይገልጽ።

ሰብስልጣን እስራኤል እዞም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንመለለይ ኣይሁዳዊያን ዝኾነ መንነት ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዮም ከምኡውን ኣብታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ በብጊዚኡ ዝውስኽ ገበን ንምትሓት መነባብሮ ዜጋታት ተሓተቲ እዮም ይብሉ።

ኣብቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝነብርሉ ደቡባዊ ከተማ ቴል ኣቪቭ ትነብር እስራኤላዊት ማይ ጎላን ብሰንኪ እቶም ስደተኛታት ኣይሁዳዊያን ኣብ ጎደናታት ምዝዋር ከምዘይኸአሉ ትገልጽ።

ኣብ እስራኤል ዝርኸባ ትካላት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነዚ ስጉምቲ መንግስቲ እስራኤል ዘይሕጋዊን ንዓለምለኸ ሕጊ ዘይኽተልን ዘይሞራላዊያን እዩ ይብሉ።

ካብ ሊበራል ፓርቲሃገር ዝኾኑን ኣባል ፓርላማን ሚካኤል ሮሲን  እስራኤል መጻኢኡ ናብ ዘይተፈልጠ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ ነዞም ስደተኛታት ትሰጉግ ዘላ ብተወሳኺ ሩዋንዳ ብዛዕባምስ እስራኤል ስምምዕ ከምዘይብላ ትገልጽ ኣላ ይብሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ገለ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምጽናት ኣይሁድ ብናዚ ጀርመን ዝተረፉ ዜጋታት እታ ሃገር፡መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምሁራትን ኣበረርቲ ነፈርቲን ነዚ ስጉምቲ ምስጓግ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ብትሪ ይቓወሙ ኣለው።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን እታ ሃገር ካብ ሰዓታት ወጋሕቲ ጀሚሮም ተሰሪዖም ይረአዩ ምህላዎም ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር።

እዚ ናይ ዑቕባ ሕትኦም ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ እንተተነጺጉ ድማ እቶም ሓዳር ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ክልተ ምርጫ ኣለዎም ክእሰሩ ወይ ናብ ካልእ ሃገር ክስጓጉ።

ራቢ ናቫ ሃፊዝ ዳይሬክተር ክፍሊ ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ስጉምቲ እስራኤል ከምዚ ትብል።

አጋይሽ ኣብ መንጎኹም እንተለው እቲ ዝበለጸ ቦታ ክትህቦም ይግባእ። ዝበለጸ ስራሕ ክትህቦም ይግባእ።እዚ እዩ እቲ ቅዱስ መጽሓፍውን ዝብል፡ እዚ ኣነ ዝብሎ ኣይኮንኹን።

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተማሃሮን ካብ ምጽናት ኣይሁድ ኣብ እዋን ናዚ ዝተረፉ ዜጋታት'ሃገር ነዞምሓተቲ ዑቕባ ኣብ እዋን እቲ ምስጓግ ክሓብኡ ይጽውዑ ኣለው።

ኣብረርቲ ነፈርቲ እታ ሃገርውን እዞም ስደተኛታት ዝስጎጉሉ ነፈርቲ ከምዘየብርሩ ይገልጹ ኣለው።

ወዲ 15 ዓመት ኮይኑ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ካብ ኤርትራ ናብ እስራኤል ዝመጸ ፊጎ ኣርባዕተ ጊዜ ናይ ዑቕባ ሕትኡ ምንጻጉን ኣቐዲሙ ንዓመትን ፈረቓን ተአሲሩ ከምዝነበረ ብምግላጽ ሕጂውን ካብ ምስጓግ ማእሰርቲ ከምዝመርጽይ ገልጽ።

እስራኤል ኣብ 2012 .ምስ ግብጺ ዘዳውባ ዶብ ብሓጹር ቅድሚ ምእጻዋ ኣስታት 600,000 ስደተኛታት ምድረበዳ ሲናይ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ምእታዎምን ድሕሪ ምዕጻው እቲ ዶብ ድማ ኣስታት 20,000 ስደተኛታት ብመንገዲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፡ ብወለንትኦምን ካልእ መንገዲን ካብ እስራኤል ምውጽኦም ይፍለጥ።

Last modified on Tuesday, 06 February 2018 05:29