Print this page

ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይኣቱ

2018-01-09 08:35:08 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2091 times
Rate this item
(1 Vote)

ስርዓት ኣስመራ ብገዛእ ኢዱ ዝፈጠሮ ሓምቢሱ ኣብ ክወጸሉ ዘይክእል ፖለቲካዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ይርከብ። እዚ ስርዓት እዚ ካብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኣትሒዙ ዝጻወቶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንዝርና ህዝብና ክርደኦን ከስተውዕለሉን ኣይከኣለን። ኩሉ ንሱ ዝወስዶ ስጉምቲ ከኣ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ክወልድ እዩ ኢሉ ዝመራመር እውን ኣይተረኽበን። ብግስ ከይበለ ምስ መጋበርያ ስርዓት ሃጸያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣስራተ ካሳ ክራኸብ እንከሎ ክሳብ ሕጂ ኣሉ ይብል ኣሎ።

እዚ ናይ ተበለጽቲ ፖለቲካዊ ሽጣራታት ንግዚኡ እወንታዊ ውጽኢ ዝህልዎ እኳ እንተመሰለ ውዒሉ ሓዲሩ ግና ንሃገርን ህዝብን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ክምዘእቱ እዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ መስርሓት እኹል ምስክር እዩ። ከምቲ ኣፍዑት ዓፈፋኡ ዝቐያይር ስርዓት ኣስመራ ከኣ ሕብሩ እናቐያየረን  ነቲ ህዝቢ እናታለለን ክመጽእ ዝጸንሐ ስርዓት እዩ። ኣብታ ኣብ መንቀራቕሮ ዝኣትወላ ሰዓት ምስቲ ዝጐራፈጦን ዝሕንፍጦን ዝነበረ ምእንቲ ጸቢብ ረብሓኡ ክዕረቕን ክጽጋዕን ግዜ ዝወስደሉ ኣይኮነን።

ረብሓኡ እተውሕስ ዝኾነት ትኹን ምሕዝነት ክገብርን ክሰማማዕን ዝእግሞ ኣይኮነን። ትማሊ ምስ ኢራን ተጸጊዑ ንካልኦት ከምዘየጥቀዐ፥ ሎሚ ንኢራን ገዲፉ ምስ ሱዑድያን ኢማራትን ተመሓዝዩ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ኣጋጣሚ ሃሰውሃሰው ኣብ ምባል ይርከብ። እቲ ዝነበረ ምሕዝነታት ገሊኡ ክብተኽ እንከሎ ገሊኡ ድማ ይተርር ምህላዉ ከኣ ከከም ገጹ ክገላበጥ ብዙሕ ዘሰክፎ ኣይኮነን። እነሆ ከኣ ሎሚ እቲ ምስ ሱዳን ዝነበሮ ዝምድና ከም ኣመሉ ናብ ዝብተኸሉ ደረጃ ይገማገም ኣሎ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሓሸ ዝምድና እናመስረታ ይኸዳ ኣለዋ። ሱዳን ምስ ግብጺ ዘነበራ ዝምድና ከምቲ ናይ ቀደም ከምዘይኮነ፡ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ ግድብ ንምህናጽ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንረብሓ ግብጺ ኣይኮነን ብዝብል፡ ናይቲ ዝምድና ስንከለክል ምባልን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕድሕደን ሰላምን ምርግጋእን ክፈጥራ ዝግበአን ክንሰን ምሕዝነታተን መምስረብሐአን ይጠላለፍ ስለዘሎ ኣብ ነንሓድሕድን ዶባተን ክሳብ ዝዓጽዋ ኣብ ዝኸዳሉ መድረኽ ኢና እንዕዘብ ዘሎና።

እዚ ነቲ ኣፍሪቃዊ ዘይኮነ ደጋዊ ሓይሊ ናይ ምእታው ኣፍደገ ክፉት ንክኸውን ዕድል ዝህብ እዩ። በዚ ዝኣክል እነሆ ሱዑዲ ዓረብያ፥ ኢማራትን ቱርክን ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኣትዋ ዕድል ረኺበን ኣለዋ። እዘን ሰለስተ ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘለወን ክኾና እንከለዋ ንቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ ዘለውን ኣህጉራዊ ዝምድና፡ ምትእስሳርን ሃብትን ክጸልዋ ምዃነን ርጉጽ እዩ። ውጽኢት ናይዚ ከኣ እቲ ብርሑቕ ኮይኑ ዝዝውር ኣህጉራዊ ሓይልታት ጽልዋኡ እጃም ከም ዝህልዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህው ናበይ ገጹ እዩ ዝዛዙ ዘሎ ምስትብሃል ናይ ኩልና ግደ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ሃፈጽታ ናይቲ ሃልሃልታ ንመላእ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብድኽነት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ ብምዃኑ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ መን መልእኽቲ እዩ ዘተግብር ዘሎ እውን ክንመራመረሉ የድሊ። እዚ ሰብ እዚ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንረብሓኡን መናውሒ ዕድመ ስልጣኑን ዝገበሮ ዘሎ ሽጣራታት ደም ንጽሃት ደቅና ብኸንቱ ምፍሳስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓድነትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ ክበታተን እሞ ኣብ ዝደኸመ ደረጃ ከውድቖ ዝኣልሞ ዘሎ ውዲታት እዩ።  ኤርትራን ህዝባን ምስ ደኸሙ ከኣ ተኸቲሉ ዝመጽእ ሳዕቤን ከምዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ናይ ስዑዳውያን፡ ዒማራታውያንን ግብጻውያንን ኣብ ሃገርና ምእታው እዚ ዘይበሃል መዘዝ ከም ዘስዕብ ኣቐዲምና ክንግንዘቦን ክንቃለሶን ይግበኣና።

Last modified on Tuesday, 09 January 2018 09:41