ቀዳም ክልተ ታሕሳስ 2017 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዳ። ኣጀንዳ ኣኼባ፡ ነቲ ብዕቱብ ተተሓሒዛቶ ዘላ ጉዳይ ምስንዳእ ህጹጽ ጉባኤ ዞባ ዝምልከት ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ዝኸደቶ ጉዕዞ ንምምዛን እዩ ኔሩ። ክሳብ ሕጂ ተሰላሲሉ ዘሎ ዕማማት ብመሰረት እቲ ክትቀውም እንከላ ዝተነድፈ መደባት ብዘይመሰናኽላት ብጽፉፍ ይኸይድ ምህላዉ መዚና። ተሪፉ ዘሎ ዕማማት ክማላእ ድማ ኣበርቲዓ ከሰርሕ ምዃና ኣረጋጊጻ።
ክንዕወት ኢና!
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
2 ታሕሳስ 2017