Print this page

ሕብረት ኣውረፓን ሕብረት ኣፍሪካን፡ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ንምውፃእ ወሲኖም

2017-11-30 18:55:23 Written by  Reuters Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2401 times
Rate this item
(0 votes)

REUTERS

እዚ ውሳነ ፡ ኣብ ኣይቬሪኮስት ይካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣዉሮፓን'ዩ ዕላዊ ኾይኑ።

ኣብ ከባቢ ሊቢያ ዉሱን ቑጽጽር ዘለዎ ኾይኑ፡ ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ ምምሕዳር ሊቢያ፡ እቲ ስምምዕነት ዝተቐበለ እንተኾን ከመይ ተግባራዊ ክኸዉን'ዩ ዝብል ግና ሕቶ ይለዓል ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ስደተኛታት፡ ናብ ዝመጽሉ ክምለሱ'ዮም።

ኣብቶም ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ስደተኛታት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ብመልክዕ ባርያ ይሽየጡ ምህላዮም ዝገልጽ ምስሊ ዕላዊ ምዃኑ ስዒቡ'ዩ ናብዚ ስጉምቲ ተበጺሑ ዘሎ።

ፕረዚደንት ፈረንሳይ፡ ኢማኑኤል ማክሮን ነቲ ተግባር "ገበን ኣንጻር ሰብኣዉነት" ክብሉ ገሊጸሞ'ዮም።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ኣዉሮፓ ንምእታዉ ብባሕሪ ሜዲትራኒያን ኣቢሎም በረኻ ሰሃራ ኣቋሪጾም፥ ኣሽሓት ድማ፡ ሊቢያ ክኣትዉ ብዘመናዊ ንግዲ ባርያ ተሸይጦም።

ሊቢያ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን ዘቃልዖ ንግዲ ባርያ ስደተኛታት ስዒቡ፡ ስሩዕ ከይዲ ምጽራይ ጀሚራ'ያ።

ናይጀሪያ፡ ብፍቓዶም ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ 240 ስደተኛታት ሓዊሱ ዜጋታታ ምቕባል ጀሚራ።

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ማክሮን፡ እቲ ህጹጽ ትልሚ ምድሓን ስደተኛታት፡ ሃገራት ሊቢያ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ቻድን ኒጀርን ሓዊሱ 9ተ ሃገራት ከምዝተሰማምዓሉ ሓቢሮም።

ምንጭታት ሕብረት ኣዉሮፓ ንኤኤፍፒ ከምዝበሉዎ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብዛሓ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ዝተሰደዱ ኣስታት 13 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም'ዮም።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-42187265

 

Last modified on Thursday, 30 November 2017 20:14