Print this page

ውዲታት መናውሒ ስልጣን ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቒ!

2017-11-20 12:09:14 Written by  ተኽኣ ጸጋይ  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2421 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ታሪኽ ኤርትራ: ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ነዛ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ህዝባዊ-ምርጫን ባይቶን፡ ምስ ውሑዳት ተማእዘዝቱ ዝተፈላለዩ ውዲታት እንዳተጠቕመ ቐስ-ብቐስ ዲክታተርያዊ ስርዓት ኣማዕቢሉ፡ ሃገርና ከም ብሕታዊት ጥሪቱ እንዳ ኣማሐደረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናብ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሕሱም ናይ ራዕዲ መነባብሮ ጅሆ ሒዙዎ ይርከብ። 

ድሕሪ’ቲ ኣብ ሃገርን ህዝብን ከቢድ ኣሉታዊ ስምብራት ዝገደፈ፡ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነትን ፍትሕን፡ ህዝቢ ኤርትራ ገና ቁስሉ ከይሓወየን ንተንኮላት ዲክታተር ኢሳይስ ኣፈወርቒ ከየስተባሃለሎምን እንከሎን፡ መርኣያ ትምክሕታዊ ባህርያቱ፡ እቶም ብኣጋ ብሕግን ልቦናን ክእለዩ ዝኽእሉ ዝነበሩ ጉዳያት ኣሳቢቡ፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ውግኣት ኣካይዱ፡ እዚ ከኣ፡ ሓልዮት ሃገርን ህዝቢን ከምዘይብሉ ዘርኣየ ፍጻሜ እዩ፡ ብፍላይ ግን እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ-ውግእን ኣብ ኣተኣላልይኡ ኣቶ ኢሳይስ ኣፈወርቒ ዘርኣዮ ዘይሓልፍነታዊ ኣመራርሓን፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዝዓሞቐ ጥፍኣት ናይ ኣሽሐት ደቒ-ህዝቢ ሂወትን ንዋትን ሞራላዊ ዕንወትን ኣኸቲሉ እዩ።

ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብዚ ረዚን ሕጋዊ ተሓታትነት ንምህዳምን ከምኡ’ውን ምልኩ ንምድልዳል ተጠቐመሎም ውዲታት ገለ ካብቶም ቀንዲ ረቓሒታት፡ መጀመርያ ተወሪርና እናበለ ህዝቢ ብጋህዲ ከታልል ጀመረ። ቐጺሉ ከኣ፡ ሕቶ ትግባረ ቅዋምን ህዝባዊ-ምርጫን ምስ ምሕንጻጽ ዶብ (ቦርደር) ዘይዛመዱ ተርእዮታት ክነሶም፡ ንዲፕሎማስያዊ ሃልኪ ዝኸውን እውን ዝርርብ ተሐሪሙ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ ከምኡ’ውን ወያነ መሬትና ሒዞሞ ከለዉ፡ ትግባረ ቅዋም ይኹን ህዝባዊ-ምርጫ ቀዳምነት የብሉን ብዝብል ውዲት ህዝቢ ሃገሩ ከየጥፈእ ዝነበሮ ስግኣት መዝሚዙ ንዓመታት ከታልል ቀጸለ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ቁጠባ-ሃገር ብብልሹው ምሕደርኡ ረሚሱ፡ ህዝቢ ናብ ሕሱም ድኽነት ኣቓሊዑ፡ ንባህርያዊ ጸጋታት-ሃገር ማዕድናታን ሃብቲ-ባሕራን ክራይ ወደባታን ካልኦት ንብረት ህዝቢ ብዘይተሓታትነት፡ ኣታዊታቶም ኣቶ ኢሳይስን ዉሑዳት መሻርኽቱን ጥራይ ዝፈልጥዎም ኮይኑ፡ ናብ ውልቓዊ ረብሖኦምን፡ መናውሒ ምልክን ይጥቐምሉ ኣለዉ፡ ኣብ ክንዲ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ስርሐት ምፍጣርን ከምኡ’ውን ምህናጽ ህዝባዊ ኣገልግሎታት፡ ንጹሃት ዜጋታት ብዘይ መስርሕ ክስን ፍርድን ዝሕየርሉ ቤት ማእሰርትታት ይህነጽ፡ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን መሐውር ስለይኡ ዘርጊሑ፡ ብልዑል ደሞዝ ዝሰርሑ ሃሱሳት ብምውፋር፡ ህዝቢ ተውዲቡ ሐቢሩ ንለውጢ ንኸይቓለስ፡ ብትሕቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ከፋፊሉ ኣብ ሕድሕዱ ንኸይትኣማመን ሐያል ወጻኢታት ሰሊዑ ይሰርሕ።

ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቒ በቶም መሳርሒ ስልጣኑ ዝኾኑ ማዕከናት ዜናታቱ ኣቢሉ፡ በብእዋኑ ዘካይዶም ዲፕሎማስያዊ ስነ-ምግባር ዝጎደሎም ቃለ-መጠይቓቱ፡ ንነብሱ ከም ፍጹም ቅኑዕን ሐቐኛን ፈሊጠ-ኩሉ ኮይኑ፡ ንካልኦት መራሕቲ ሃገራት ከቆናጽብን ክውንጅልን ብፍላይ ከኣ ንመራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መራሒ ሃገር ክትሰምዖ ዘሕፍር ወያነ እናበለ ክዝልፍ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ዲሒሩ ክኣ፡ ንሳቶም እኳ እንታይ ዓቕሚ ሃልይዎም ከደምቲ ልኡኻት ናይቶም ካብ ድሮ ጸላእቲ ናጽነት ኤርትራ ዝኾኑ መንግስቲ ኣሜሪካ መሳርሒ እዮም፡ ብምባል ነቲ ውጽኢት ኣዕነውቲ ፖሊሲታቱ ዘኸተሎም፡ ፖሊቲካውን ማሕበረ-ቑጠባውን ውድቀታት ሃገር እንተላይ ምጽናት-ስደት መእሰያት ኤርትራ ከይተረፈ፡ ገበናቱ ክኽውል፡ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ዓቕምና ከዳኽሙ ዝገብርዎ ዘለዉ ሽርሕታት እዩ ክብል፡ ብዘይሕንከት ክኸስስን ሐላፍነት ንኻልኦት ከሰክምን፡ ንህዝቢ ዘየሎ ዝዓበየ ጸላኢ ፈጢሩ ከርዕዶ መናውሒ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ጸኒሑ።

ኣብዛ ዝሐለፈት ናይ 7 ጥቅምቲ 2017 ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘካየዶ ቓለ-መጠይቑ ግን፡ እቲ ልሙድ መደናገሪ ኣዘራርባ ከም ወትሩ ኮይኑ፡ ግን ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ሊዒሎም ተጠቕሶም ዘለዉ ውዲታት መናውሒ ስልጣኑ፡ ገለ ሐድሽ ሜላታት ክህንድስ ዝደሊ ዘሎ ይመስል። ብሰሪ ጎነጻዊ ባህርያቱ “ዞባዊ ሃዋኺ ስርዓት” ማለት Regional Spoiler ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂቡዎ፡ ንነዊሕ ዓመታት ካብቲ ዞባን ዓለምን ተነጺሉ ዘሎ ስርዓት፡ ከምኡ’ውን ውጽኢት ፖሊሲታቱ ዘኸተሎ ውድቀት ሃገርን ስቓይ ህዝብን፡ ከም ስርሒት መንግስቲ ኣሜሪካን ተላኣኽቶም ኢትዮጵያን ኢሉ ንነዊሕ እዋን ክኸስስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ቛንቓ ዘይፈልጥ መራሒ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ኣብቲ ቓለ-መጠይቑ ብዘይ ሕንከትን፡ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ተሰሚዑ፡ ብመጀመርያ ነቶም ንነዊሕ እዋን ናይ ግዳም ተጻባእትና እንዳበለ ብሐሶት ክኸሶም ዝጸንሐ ሃገራት ከየልዓለ፡ ብኣንጻሩ፡ ወረጃ ክመስል፡ ዲሒርና ከይንህሉ ኣብ መበል 21 ዘመን ምህላውና ድሕሪ ምዝኽኻሩ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብትና እንተላይ ኢትዮጵያ ንተሓጋገዘሉ ባይታ ክህልወና ኣድላይ ምኻኑ ኣተምብሀ፡ ቀጺሉ፡ ተዓዘብቲ ጥራይ ክንከው ከምዘይብልና፡ ከምኡ’ውን ንካልኦት ምኽሳስ ጥራይ ዘዋጽእ ኣይኮነን ክብል፡ መስተንክር ሐረጋት ኣውከኣ።

ምስዚ ብልሐተኛ ኣዘራርባ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኸይድ ካልእ ፍጻሜ ከኣ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ኣብ ሶማል ዝርከቡ ኣልሸባብ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ፡ ገና ብወግዒ ዘይተላዕለ እገዳ ተበይንሉን ከምሳዕቤኑ እውን ምስ መንግስቲ ሶማል ጥዑይ ዝምድና ዘይጸንሖ ዲክታተር ኢሳያስ፡ ነቲ ብ14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ መቓድሾ ዘጋጠመ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ ነቲ ንኣልሸባብ ንምጥፋእን ከምኡውን ምርግጋእ ሶማል ዝግበር ቃልሲ ከም ዝድግፎ ዝገልጽ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሶማል ሊኢኹ። ንኣቶ ኢሳያስ ጉዳይ ኤርትራ፡ ንህዝባ ኣይምልከቶን እዩ፡ ንውልቓዊ ስልጣኑ ብዘርብሕ ምስ ድላዩ ንህዝቢ የባእሶን ይዓርቆን።

እዞም ሊዒሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ክውንነታት፡ ኣቶ ኢሳያስ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሐድሽ ውዲት የናዲ ምህላዉ ዝእምቱ እዮም፡ ናይ’ዚ ምኽንያት ክኣ ምናልባት፡ ከምቲ ኣብ ዜና መድርኽ-ንሃገራዊ-ዘተ ወጺኡ ዘሎ፡ ማለት መንግስቲ ኣሜሪካ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ክምስርት፡ ከምኡ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምምልካት ዶብ ተጽዕኖ ክትገብር ዝብል ኣብ ዘተ ምህላዎም ዝተታሐሐዘ ክኽውን ይኽእል እዩ። ኣቶ ኢሳያስ ኩሉ ጊዜ ካብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ረብሓ ስልጣኑ ስለዝዓጦ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ተጸሊኡን ካብ ዓለም እውን ተነጺሉ ስለ ዘሎ፡ ገለ ሐድሽ መታለሊ ሜላ ኣብ ምህንዳስ ዘሎ ይመስል፡ ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ እዩ ነገሩ፡ ኣብ ናይ ዝሐለፈ ጥቅምቲ ቓለ-መጠይቑ ዘውክኦም ጨለ ዘረባታት፡ ነቶም ንነዊሕ ወያነን ኣሜሪካን እዮም ጸላእትኹም እናበለ ከደናግሮምን ዝጸንሐ ደገፍቱ፡ ስነ-ኣእምራዊ ጽልዋ ምድላውት ንምግባር ይመስል ።

እቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ኣብ ዓለም ብሕግን ሰላምን ምንባር፡ ከምኡ’ውን ምሕንጻጽ ዶብ ብደለይቲ ፍትሒ ክድገፉ ዝጸንሑ መትከላት እዮም፡ ብቕንዱ ግን ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘቤታዊ ምሕደራ ሃገርና መሰረታዊ ለውጢ፡ ካብ ግዝኣተ-ውልቀ-መላኽነት ናብ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ምስግጋር እዩ። ኣብ ቃልሲ ንፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ገለ ካብቶም ክጋጥሙ ዝጸንሑ ብድሆታት፡ በቲ ሐደ ሸነኽ እቲ ዲክታተር ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዝቦቐለ ስለዝኾነ፡ እቲ ህዝቢ ናተይ እዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩ ስለ ዝጸንሐ ነቲ መላኺ ብኣጋ ከለልዮ ኣይከኣለን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ዲክታተር ንክብርታትን ስነ-ኣእምራዊ ኣቃውማ ህዝብን ኣጸቢቑ ስለ ዝፍልጦ ንውዲታት ራዕድን ምትላልን ምቹእ ሃዋሁ ፈጢሩሉ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ምጽማም፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላቱን ክብርታቱን ደረት ስለ ዝሰገረ፡ ፍርሂ በቲኹ ቃልሱ እንዳ ኣሐየለ ይመጽእ ኣሎ፡ ናይዚ ጭቡጥ መርኣያ ከኣ፡ እዚ ብዕለት 31 ጥቕምቲ 2017 ብኣቦና ሐጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተወስደ ተባዕ ስጉምቲ፡ ከምኡውን ተመሃሮ ኣልዲ’ያእ ኣልእስላምያ፡ ዘካየድዎ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ፡ ራዕዲ ዝበተኸ ፍናን ደለይቲ ፍትሒ ዘበረኸን ፍጻሜ ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ንፍትሓዊ ስርዓት ሐደ ኣብነታዊ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ስርዓት ከም ኣመሉ ሃይማኖታዊ መልከዕ ከትሕዞ እኻ እንተፈተነ ንተንኮለኛ ፈላላይ ውዲታት ዲክታተር፡ ህዝቢ ነቒሑሉ ምኻኑ ዘመልክት፡ እዚ ነቲ ተባዕ ፍጻሜ ንምድጋፍ ኣብ ወጻኢ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብዓይነቱን ብዝሒ ተሳተፍቱን ካብ ናይ ቅድም ፍሉይ ብሓቒ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኢ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ ሰብና ዝካፈሎ ዘሎ ምኻኑ፡ ህዝብና ብሐቒ ንፈላላይ ውዲታት ሜላ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቒ ክሳብ ክንድይ ነቒሑሉ ከምዘሎ ዘርኢ ዓቢ ምስክር እዩ።

ተኽኣ ጸጋይ   

በርክሊ ካሊፎርንያ ሕ/መ/ኣ

ሕዳር 17 2017

Last modified on Monday, 20 November 2017 13:10