Print this page

መን ኣንቂድዎ ብዘየገድስ እንተዋጺኡና!

2017-11-11 20:49:46 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1986 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ዘለናዮ፡ ኣብ ቃልሲ ክትጽመድ እንከለኻ ሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ዘይተፈትሐ ሕቶ ምህላዉ እዩ ዘመልክት። ኣብ ጉዳይና ክንመጽእ እንከለና ኤርትራውያን 30 ዓመታት ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዘካየድና ዘይተፈትሐ ሕቶ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገር ስለ ዝነበረና እዩ። ሎሚ ንቃለስ ዘለና ድማ ዘይተፈትሐ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓትን ሰብኣዊ መሰልን ስለ ዘለና እዩ። ነዚ መሰረታዊ ጸገም ንምፍታሕ ከኣ ድሌትን ቅሩብነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ዓቕምኻ፡ ባህሪ ናይ’ቲ ኣንጻሩ እትቃልሶ ወጻዒ ሓይሊ፡ ባህጊ ናይ’ቲ ምእንትኡ እትቃለሰሉ ህዝብን ከባብያዊ ኩነታትን ብዝሰማማዕ  ኣገባብ ክትውደብን ሜላ ኣተገባብራ ዕላማኻ ክተነጽርን ግድን እዩ። ኣብ ተመኩሮና ክንመጽእ እንከለና ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣገባባት ተጠቒምና ሎሚ ድማ ገሌና ዘይጐነጻዊ ኣገባብ፡ ገሌና ኩሉ ኣገባብ ገሌና ከኣ ጐነጻዊ ኣገባብ መሪጽና ኣለና። እቲ ናይ ኣገባብ ምርጫ  ፍልልይ ግና ኣየረሓሕቐናን እዩ። ምኽንያቱ ናይዚ ኩሉ ኣገባባት ውጽኢት ናብ ሓደ ነጥበ ምውጋድ ወጽዓ ህግደፍ ዘቕነዐ ብምዃኑ።

ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብሰልፊ፡ ብውድብ ወይ ሲቪላዊ ማሕበር ክንውደብ እንከለና ኣማዕዲና እንርእዮ ናይ ሓባር ሸቶ ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩን ብገዛእ መስዋእቱ ኣብ ዘረጋገጾ ልኡላውነትን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ኣብ በሪኽ ናይ ምውሳን ሰገነት ዝቕመጠሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ ቀንዲ ተጠቃሚ ህዝቢ እዩ ማለት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ቃልሲ  ብሓልዮትን ተሳትፎን ህዝቢ እዩ ዝሕይልን ዝዕወትን ዝብል’ውን እዩ። እቲ ውዳበታት ኩነታት ዘሳልጥ እምበር ንመሰረታዊ ሓላፍነት ህዝቢ ዝትካእ ኣይኮነን።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ምቅላስ ሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ክትፈትሕ ምጽዓት ማለት ካብ ኮነ፡ እቲ መፍትሒ ካብቶም ኣብቲ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፎም ዘለዉ ወገናት ክመጽእ ባህርያዊ እዩ። ነቲ ካብ ሓደ ኩርናዕ ናይቲ ቃልሲ ዝቐርብ ፍታሕ ኣብ ምቕባሉ ወይ ዘይምቕባሉ ንምውሳን ዝምልከቶም ኣካላት መዕቀኒ ክህልዎም ርዱእ እዩ። ኣብ ምምዛን ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ ሓሳብ፡ ትሕዝቶ እቲ ሓሳብን ኣቕራቢኡን ምርዳእ  ቅድሚት ዝስዑ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ቆላሕታ ክወሃቦ ዝግባእ ግና ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ መፍትሒ ሓሳብ ክኸውን’ዩ ዝግበኦ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ውዳበ ወይ ውልቀሰብ ኣሉታዊ ሚዛን ክህልወና ይኽእል። እንተኾነ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካል ወይ ውልቀሰብ ቅኑዕ ሓሳብ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ ኢልና ኣቐዲምና ናይ ምቕባል ሸውሃትና ክንዓጹ ኣይግበእን። ካብዚ ንምድሓን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሓሳብ ኣቕራቢ ዘለና ትዕዝብቲ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ነቲ ዘቕርቦ ሓሳብ ብግቡእ ኣስተማቒርና፡ ክንነጽጎ እንተኮይና እውን ዘይንፈትዎ ኣካል ስለ ዘቕረቦ ብድብድቡ ዘይኮነ፡ ትሕዝቶ እቲ ሓሳብ ከምዘይጠቅም ብምኽኑይን ርትዓውን ምኽንያት ክንመዝኖ ይግባእ። እቲ ሎሚ ዘዕግብ ሓሳብ ዘየቕረበ ኣካል ጽባሕ ካልእ ሃናጺ ሓሳብ ሒዙ ክቐርብ ከም ዝኽእል ከኣ ትስፉው ዕድል ክንህቦ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሓደ ወገን ሓሳብ ክንነጽግ እንከለና ኣብቲ ዛዕባ ናትና መተካእታ ሒዝና ናይ ምቕራብ ሃናጺ ባህሊ ከነማዕብል የድልየና።

ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቀርቡ ሓሳባት ኣብ ዝመምይሉ መድረኻት ምስታፍ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ ምስታፍ፡ በቲ ሓደ ወገን ንስኻ’ውን ኣብቲ መድረኽ ሓሳባትካ ኣቕሪብካ ነቲ መስርሕ ናይ ምህብታሙ ዕድል ትረክብ። ብካለኦት ወገናት ዝቐርብ ሕሳባት ብዝምልከት ኣብ ክንዲ  ብማዕዶ “ከምዚ ያኢ ተባሂሉ” ትበሃል፡ ባዕልኻ ትሰምዕ’ሞ ካብኡ ነቒልካ ነቲ ኩነታት ተመዝኖን ቦታኻ ኣበይ ከም ዘሎ ትርዳእን። ኣብ ሓደ ጉዳይ ዝተፈላለዩ መፍትሒ ሓሳባት ኣብ ዝቐርብሉ ኣየንኡ ከም እትመርጽ ክትውስን እንከለኻ፡ ነቲ ኣብ ፍልልይ ዝገታተር ኣካላት ብዘቀራርብ ኣገባብ ምሓዙ፡ ብሓባር እንተተጓዒዞም ጥራይ ዝጥቀሙ ኣካላት ከይረሓሓቑ ኣብ ምሕጋዝ ረብሓ ኣለዎ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብሓባር ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተቓሊስካ ንምዕዋት የኽእሉ ዝበሃሉ ዝተፈላለዩ ሕሳባት ብዝተፈላለዩ ወገናት ይቐርቡ ኣለዉ። ንኣብነት ብ4 ሰነ 2017 ዝቐረበ እማመ ሓባራዊ ስራሕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤።” ዝብሉ ሓሳባት ማእከል ዝገበረ’ዩ። ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍና ድሕርዚ እማመና ምዝርግሑ ኣብ ዝተጋብኡ ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ኣኼባታት፡ ሰሚናራት፡ ጉባአታትን ኮንፈረንሳትን ዝተንጸባረቑ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝምልከቱ ሓሳባት መሰረታዊ ፍልልያት የብሎምን። እዚ ካብ ኮነ እምበኣር እቲ ዝተርፈና “መን ኣንቂድዎ በዘየገድስ እንተዋጺኡና” ዝብል ሓሳብ ሰኒቕካ ነዞም ርኢቶታት ምውሳቕ ጥራይ እዩ ።

Last modified on Saturday, 11 November 2017 22:31