Print this page

ንስርዓት በትሪ ኢሳያስ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ክንትክኦ ሓድነትና ነትርር፣ ቃልስና ነሕንን

2017-11-08 12:33:12 Written by  ፍስሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2168 times
Rate this item
(0 votes)

ሃገርና ኤርትራ  ብተባዕን ውፉይን ህዝባ ናጻ ወጺኣ ልዑላውነታ ኣረጋጊጻ ክንብል እንከለና፤ ብኸቢድ መስዋእቲ ናይ ኣማእት ኣሽሓት ደቃ ዝተረኽበ ዓወት ምዃኑ’ውን ከነስምረሉ ዝግብኣና ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ዕላማ ዝተኸፍለ መስዋእትነት፣ ኤርትራ ካብ ጭቆናን መግዛእትን ሓራ ዝወጸት፣ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት እትመሓደር፣ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና ብልጽግቲ ሃገር ብምምስራትን ምህናጽን መጻኢ ወለዶታት ተሓጕሶም ብሓበን ዝነብሩላ ንኽትከውን እዩ ነይሩ።

ኣቃውማ ሕብረተሰብና ብብዙሕነት ናይ ባህልታትን እምነታትን ዝግለጽ ምዃኑ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ናይ ኵሎም ባህግን ድልየትን ሓደ ብምንባሩ ድማ ንልዑላውነት ኤርትራ ኵሎም ተቓሊሶምን መስዋእቲ ከፊሎምን  ዘረጋገጽዎ ዓወት ምዃኑ ታሪኽ ዝመዝገቦ እዩ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኰነስ፣ ህሉዊ ወለዶታት’ውን ህያው ምስክር’ዩ። እቲ ዘሕዝን ውጽኢት ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ይሕመስን ይሳቐን ምህላዉ፣ ብሰንኩ ዝሰዓበ ዋሕዚ ስደት፣ ህልቀት ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ንምሉእ ህዝቢ ዓለምን መንግስታትን ዘስካሕከሐን ዘሻቕልን ኮይኑ ምህላዉ እዩ።

ሰንሰለታዊ ገዛእቲ ሓይልታት፣ ኤርትራ ንምግዛእ ክጥዕሞም ዘዘውትርዎ ዝነበሩ መቓቓልን ጻሕታርን ሃይማኖታዊ ሽርሕታት፣ ክሳብ ሸፋቱ እናዕጠቑ ንዘይዓጠቐ ህዝቢ ከርዕዱን ከንበርክኹን ዝፍትንዎ ዝነበሩ ግፍዕታትን ምዝማት ንብረትን፡ ህዝብና ከይተደናገረ ሓድነቱ ሓልዩ መኪቱዎን ኣፍሽልዎን እዩ። ኣብ እዋን ተጋድሎ ንናጽነት’ውን ኣብ ጎድኒ ሰውራኡ ብምስላፍ ልዑላውነቱ ብሓባር ዘረጋገጸ ተባዕ ህዝቢ እዩ። ሕጂ’ውን ከምወትሩ ከይተደናገረ ንስርዓት ምልኪ ንምልጋስ ሓድነቱ ኣትሪሩ ክቃለስ’ዩ።

መንቀሊ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ እቲ ብዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ብውልቀ-መላኺ ስርዓት ዚተፈጸመ ምዕጻው ናይ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ “ኣልድያእ ኣል እስላምያ “ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊን ሳዕበናቱን እዩ።

ከምቲ ናይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ መራሒ ኣመሪካዊ ስዉእ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ  “ኣብ ሓደ ክፋል ሕብረተ-ሰብና ጭቆና እንተልዩ፣ ኣብ መላእ ሕብረተ-ሰብና ጭቆና ከም ዘሎ ኢና ንቖጽሮ” ዝበሎ፤ እዚ ኣድማሳዊ ሓቂ’ዚ ነቲ ኣንጻር ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን፣ ብበትርን ተዅስን ዝተፈጸመ ግፍዕን ዝወረደ ጉድኣትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘቖጥዐን ዘላዓዓለን ኣጋጣሚ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። እዚ ምሉእ ዓለም ዝተኸታተሎ ግጉይን ግፍዓውን ስጉምቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ራዕዲ ኣእትዩሉ ከምዘሎ ምስጢር ኣይኰነን።

ስርዓት ኢሳያስ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዘይ ገለ ሓደጋ ተረጋጊኡ ከምዘሎ ናይ ሓሶት ዜና ክፍኑን ደገፍቱ ድማ ጻሕታሪ ሃይማኖታውን ወገናውን መደረታት ብስቱርን ብጋህድን ኣብ ናይ ምዝርጋሕ ወፈራ ይርከቡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ነዚ ድሑር ፈተነ’ዚ ዝቕበል ባይትኡ ዝጸበበ ወይ ዘይብሉ ምዃኑ በቲ ብደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስያውያን ሓይልታትን ኣብ ድያስፖራ ዝካየድ ዘሎ ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ዝጸሓፍ ዘሎ ናይ ኩነነ ኣዋጃትን መግለጽታትን፣ ኣብ ፓልቶክ ገዛውቲ ዝካየድ ምይይጥን ክትዓትን ነቲ ስርዓትን ግፍዕታቱን ዘወግድ ለውጢ ዝጠልብን እዩ። ኣቦ መንበር ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮም ሓደ ካብቶም ብቕጽበት ነቲ ግፍዒ ዝዀነኑ ካብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ዝስዕብ ንጠቅስ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ  ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ጥርዓንን  ተቓውሞኡን ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ዝገልጽ ዝነበረ ኣጽዋር ይኹን ዕጥቂ ዘይብሉ ህዝቢ ብወተሃደራት ህግደፍ ዝተፈነወሉ ናይ ጠያይቲ ተዅስን ማህረምትን ይኹንን። ስርዓት ህግዲፍ ነቶም ኵሎም ኣሲርዎም ዘሎ መምህራንን ወለድን ተመሃሮን ብህጹጽ ክፈትሖም ድማ ይጠልብ። መላእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ድማ፡ ኣብ ጐድኒ እቶም ግፉዓቱን ውጹዓትን ደው ክብሉን ንኣውያቱ ከቃልሑን ይምሕጸን።” ብምባል ብመርበብ ሓርነት ዶት ኦርግ መልእኽቱ ንህዝቢ ኣመሓላሊፉ።

ስርዓት ኢሳያስ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዅለን እምነታት ኣብ ትሕቲኡ ንምእታውን ክቆጻጸረንን በብተራ ኣብ ምሕደራአን ኢዱ ብምእታው መራሕተን ክኣስርን ከሳቕን ጸኒሑ፣ ሕጂ ኣብ ኣኽርያ ክገብሮ ዝፈተነ ግን ገንፊሉ ናይ ተቓውሞ ባርዕ ወሊዑ ኣሎ። እዚ ተርእዮ’ዚ እምበኣር ውድቀት ስርዓት ኢሳያስ ርሑቕ ከምዘይኰነ ኣብሪሁ ዘርኢ እዩ።

ኢሳያስ ብቕዋም ንኸይሕተትን ከይቅየድን ነቲ ኣጽዲቐዮ ዝበሎ፡ ናይ 1997 ቅዋም ወንዚፍዎ ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሞይቱ እዩ ካልእ ክንነድፍ ኢና ክብል ኣዊጁ። እታ ኣዋጅ ንቕዋም ቅበጽዋ ብዛዕባኣ ኣልዒሉ ዝዛረብ ድማ ኣብኣ ይረኽባ ማለቱ ምንባሩ ህዝብና ኣይሰሓቶን።

ቅዋም ንመንግስታውን ብሕታውን ትካላት ዘመሓድር ዝለዓለ ሕጊ እዩ። ቅዋም እንተዝነብረና እዚ ኣብ ኣኽርያ ይኹን ኣብ ናይ ኵለን እምነታት ዝተራእየ ዓመጻዊ ስጉምትታት ከቶ ክርአ ኣይምኸኣለን። ናይ ሃይማኖት ትካላት ኣብያተ ጸሎትን ትምህርትን ዋላ ብገዛእቲ ሓይልታት’ውን ክሳብ ክንድዚ ተደፊሩ ኣይፈልጥን፡ ህዝብና ምስ ኣብዝሓ እምነታቱን ባህሉን ተኸባቢሩን ኣሳንዩን ዘንብሮ ያታዊ ሕጊ እንዳባ’ውን ነይሩዎ እዩ።

ኤርትራ ሎሚ ንመዋእሎም ዝተቓለሱ መራሕቲ፣ ካድራት፣ ጋዜጠኛታትን ዜጋታትን ዝተኣስሩላ ሃገር እያ። እሱር ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ናይ ምክልኻል መሰሉ ዘይረኽበላን፡ ኣብ ክንዲ “ክሱስ ወይ እሱር  ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ገበኑ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ንጹህ’ዩ” ዝብል ኣድማሳዊ ሕጊ ምኽባር፡ “ክሱስ ወይ እሱር ክሳብ ንጽህንኡ ዝረጋገጽ ገበነኛ እዩ” ብዝብል ህግደፋዊ ሕጊ፣ ዜጋታት ዕድሜኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበሊ ኣሎ። ሎሚ ኤርትራ ካብ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበዝሓ፣ እታ ሃገር ንርእሳ ዳርጋ ከም ቤት ማእሰርቲ እትግለጽ፣ ካብተን ዜጋታተን ሰብኣውን ፖሊቲካውን መሰል ዘይረኽቡለን ገፋዕቲ ስርዓታት ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ ጭራ እትስራዕ እያ።

ኤርትራ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ቅርጻ ዘለዎ መንግስቲ ዘይብላ፣ ብህዝቢ ዝተመርጸ ባይቶ ዘይብላ፡ ብውልቀ-መላኺ ስርዓት ተሓሚሳ እትነብር ሃገር እያ ኰይና ዘላ።  ኣብ ኤርትራ ሰላም፣ ብልጽግና፡ ራህዋን ቅሳነትን የለን ጥራይ ዘይኰነ ኣይተጀመረን’ውን። ህዝቢ ዝዓስሎ ፖሊትካውን ስቪካውን ሓይልታት ጠርኒፍና ነዚ ስርዓት በትሪ ኣልጊስና ብቅዋማዊ ሕጊ፣ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ተኪእና፣ መሰረታዊ ፍታሕ ከነረጋግጽ ቃልስና ከነሕንን ንለዓል።

ዕንወት ንምልኪ

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት

 

Last modified on Wednesday, 08 November 2017 13:43