Print this page

ዶር ገብረ ገብረማርያም፣ ካብ ዝባን ሕጊውን ስለ ሕውነት፣ ነጋሪት ምፍንጫል ዘይኮነስ ነጋሪት ሓድነትን ስምረትን ክትድስቅ!

2017-10-22 18:33:15 Written by  መድሃኔ ሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2927 times
Rate this item
(0 votes)

ሓሙሻይ ክፋል

መእተዊ፣ ኣብ ሂወት ሓደ ህብረተሰብ ወይ ውዱብ ጉጅለ ምቕልቃል ዝተፈላለየ ሪኢቶታት ጸጋን መሰረት ምዕባለን ናይቲ ሕብረተሰብ ወይ ጉጅለ እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ እሞ እዚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ምዕቡል ኣገባብ ምምሕዳር እምበይ ምተበጽሐን። ነዚ ዝተፈላለየ ሓሳባት ከመሓድር ዝኽእል ሕግታት ምስ ዘይህሉ ድማ፣ በንጻሩ ሓቢርካ ምንባር ኮነ ናይ ሓባርካ ምስራሕ ኣይምሃለወን። ዓወታትውን ኣይምተረኽበን። ምእንቲ ምንታይሲ ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ፍሉይ ሪኢቶ ናተይ ሪኢቶ ተቀባልነት ይሃልዊ ክብል፣ ኣብ ምስሕሓብ መነብርና፣ ካብ ዓወታትን ምዕባለን ድማ ምበኾርና። ወይ እውን ብዘይ ሕግን ደሞክራስን ሪኢቶታቶም ናይ ምትግባር ሓይሊ በዘለዎም ባእታታት ክንምራሕ ምነበርና።

ምልኪ ብመሰረቱ ምስ ተሪእዮ ብሕጊ ክግዛእ ፋቓደኛ ዘይኮነ ወተሃደራዊ፣ ቁጠባዊ ወይ ትምህርታዊ ሓይሊ ተዛሚዱ እዩ ዝቕልቀል። ወተሃደራዊ ሓይሊ ንኹሉ ፍሉይ ሪኢቶታት ጨፍሊቁ፣ ንሪኢቶኡ ጥራይ ንምትግባር ወተሃድራዊ ሓይሉ ብምጥቃም፣ ምልካዊ ምሕደራ ይኽተል። ሉዑል ቁጠባዊ ሓይሊ ዘለዎ’ውን ንቁጠባዊ ሕጽረታት ናይ ከባቢኡ መዝሚዙ፣ ንዘይቅቡል ሪኢቶኡ ኣብ ሊዕሊ ድኻ ክፋል ህብረተሰብ ተቀባልነት ከምዝረክብ ክገብር ይኽእል። ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዘይኣምን ትምህርታዊ ዓቕሚ ዝውንን ድማ፣ ሪኢቶኡ ብብዙሓት ተቀባልነት ምስ ዘይረክብ፣ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሜላ ተኸቲሉ፣ ኣነ ዘይሰመዓሉ ባይታስ ዋላ ኣይሃሉ ኣብ ዝብል ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣድሂቡ ይሰርሕ፣ ንኹሉ ናይ ሓባር መደባት ኣብ ምዝራግን ምትዕንቃፍን ድማ ይዋፈር።

እምበኣር ኣብ ሰደህኤ መን እዩ ንቋዋም ሰልፊ ዝጥሕስ ዘሎ ንምብራህ፣ ሲዒቡ ዘሎ ዓናቕጽ ቋዋም ሰልፊ ምስ ምጉት ዶር ገብረ ኣዛሚድና ክንሪኢ እላቦ። 

1ይ፣ ንሕጋውነት ናይ ውሳኔታትን መትከላት ደሞክራስን ኣብ ሰደህኤ ብዝምልከት፣
3.11. ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሰልፊ፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ፤

እዚ ማለት፣ ኣብ ጉባኤታት ሰልፊ፣ ጉባኤታት ዞባ፣ ጉባኤታት ንኡስ ዞባ፣ ጉባኤታት ጨንፈር፣ ዝጸድቕ ሕግታትን መምሪሕታትን ኮነ ዝምረጽ መሪሕነታት ብብዝሒ ድምጺ ከም ዝጸድቅን ከም ዝምረጽን፣ ዝኾነ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ዝውሰን ውሳኔታትውን እንተኾነ፣ ብብዝሒ ድምጺ ከም ዝባጻሕ እዩ ዝሕብር። ብብዝሒ ድምጺ ንዝተበጽሐ ውሳኔታት ኣይግዛእን ዝብል ኣባል ሰልፊ ግን፣ ብመሰረቱ ነቲ ሕጋውነት ናይ ሰነዳት ኮነ ናይ መሪሕነታት ከምዘይቅበሎ፣ ወይ እውን ንነፍሱ ሊዕሊ ሕግን ሊዕሊ ብዙሓትን ኣቐሚጡ ከምዘሎ እዩ ዝሕብረካ።
2ይ፣ ንሕጋውነት ናይ መሪሕነቱን ፣ቅዋሙን፣ ንሊዕልና ሕግን (rule of law) ብዝምልከት፣

3.3.ሰዲህኤ ኣብ መትከል ዲሞክራሲ እተሰረተ ሰልፊ እዩ። ቅዋሙን ፕሮግራሙን ኣብ ጉባኤታት ሰልፊ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቑ እዮም። መሪሕነቱ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጹ ብመሰረት ቁዋም ዝመርሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሰልፊ ተሓታቲ ዝኾነ ኣካል እዩ፣”

ኣብ መትከል ደሞክራሲ እተሰረተ እዩ ክብል ከሎ፣ ድምጺ ብዙሓት ዝርኸበ ሪኢቶ ናይ ትግባረ መሰል ይረክብ፣ ድምጺ ውሑዳት ዝረኽበ ሪኢቶ ግን ክስማዕ መሰል ኣለዎ፣ ትግባረ ግን ኣይረክብን ማለት እዩ። ኣብ ጉባኤታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቁ ሰነዳትን ዝተመርጸ መሪሕነትን ክብል ከሎ’ውን ሕጋውያን ሰነዳትን መሪሕነትን ምዃኖም ምስ ምግላጽ፣ ሕጋዊ ስልጣንን ሓይልን ከምዘሎዎም እውን ይሕብር። ብመሰረት ቋውም ሰልፊ ዝመሪሕን፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሰልፊ ተሓታቲ ዝኾነን መሪሕነት ክብል ከሎውን ልዕልና ሕጊ ኣብ ሰደህኤ ሑልው ምዃኑ እዩ ዘብርህ፣ ኡዙይ ድማ፣ ዝኾነ ኣባል ሰልፊ ናይ ቃልሲ ተመኩሮኡ፣ ዝናኡ፣ ደርጃ ትምህርቱ፣ ኣብ ሰልፊ ዘለዎ ናይ ምምራሕ ጽፍሕን ብዘየገድስ፣ ሊዕሊ ሕጊ ሰልፊ ከምዘይስራዕን፣ እኳ ደኣ ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኾነን እዩ ዝገልጽ።

ሕጊ ጢሒሱን ንነፍሱ ልዕሊ ሕጊ ሰሪዑን ከም ቓሕ ዝበሎ ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ንኽኣሊ እቃለስ ኣሎኹ እንዳበልካ፣ ቋዋም ሰልፊ ንገድላዊ ተመኩሮን፣ ደረጃ ትምህርትን፣ ሞያን፣ ገለ ውልቀ ሰባት ኣብ ግምት ኣትዩ፣ ኣብ ሊዕሊኦም ትግባረ ክህልዎ ኣይነበሮን ኢልካ ምምጓት ግን፣ ወንጮስ እንተ ገልቢጥካዮ’ውን ወንጮ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ፣ ምስ ዝብል ምስላ ዝተኣሳሰር ቃልሲ ምክያድ ማለት እዩ።

3ይ፣ ንመሰል ምኽባር ሪኢቶ ብዝምልከት ቋዋም ሰልፍና ኣብ ዓንቐጽ
3.8. ሰዲህኤ ናጽነት ርእይቶ፡ ሓሳብን ሓበሬታን ምልውዋጥ፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ይኹን ኣብ ግዳም ዘኽብር ሰልፊ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ናጽነት ውልቀሰብ ዝተሓለወ ኮይኑ፡ ኣባላት ሰልፊ ብውድባዊ መስኖታት ኣቢሎም ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ፡ ርእይቶታቶም፡ ቅሬታቶም ኮነ ሃናጺ ነቐፌትኦም ከቕርቡ መሰሎም ዝተሓለወ እዩ፣
4.3.5 ውድባዊ ቦታ ብዘየገድስ፡ ብኣባላት ኮነ ብመሪሕነታዊ ኣካላት ንዝፍጸሙ ጕድለታትን ጌጋታትን ንምእራም፡ ወይ’ውን ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታትን ንጥፈታትን ሰልፊ ዘለዎ ትዕዝብቲ፡ ብውድባዊ መስኖ ኣቢሉ ርእይቶን ሃናጺ ነቐፌታን ከቕርብ መሰል ኣለዎ፤
እዚ ማለት ዝኾነ ሪኢቶ ምንጩን ኣንፈቱን ብዘየገድስ ከም ሪኢቶን ሓሳብን ክብረቱ ዝተሓለወ እዩ፣ ተቀባልነትን ትግባረን ንኽረክብ ግን ናይ ተቀባልነቱ ባይታ እዩ ዝውስኖ። እንተ ደኣ ናይ ብዙሓት ደግፍ ረኺቡ ግብራውነት ይረክብ፣ እንተዘይኮይኑ ግን ናይ ሪኢቶ መሰሉ ይሕሎ። ብብዙሓት ተቀባልነት ዘይረኸበ ፍሉይ ሪኢቶ ኣምጺእካ ተባሂሉ ኣባልነቱ ካብ ሰልፊ ዝተመንጠለ ኣካል የሎን ኣይክህሉን እውን።

ኣባላት ሰልፊ ብውድባዊ መስኖታት ኣቢሎም፣ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ሃናጽን ነቓፍን ሪቶኦም ከቅርቡ ይኽእሉ ክብል ከሎ እውን፣ ሰልፊ ዝጥቐመሉ ናይ ስርሑ ከናለታት ተጠቂምካ፣ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ከከም ኩነታቱ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ሪኢቶታትካን ሓሳባትካን ተመሓላልፍ ማለት እዩ። ነዚ ኩሉ ሰልፋዊ ሕጋዊ ኣገባብ ነጺግካ ኣባል ሰልፊ እየ እንዳበልካ፣ ናይ ሰልፊ ትካላት ዘይኮኑ መርበብ ሓበረታን ህዝባዊ መራኸቢታትን ተጠቒምካ፣ መሪሕነት ሰደህኤ ልቦና የብሉን፣ ውዕል ጠሊሙ፣ ስምምዕ ሓድነት ኣፍሪሱ፣ ወዘተ እንዳበልካ ምምዳር ግን፣ ዶር ገብረ ኣብ ሊዕልና ሕግን ኣብ መትከላት ደሞክራስን ዘይኣምን ምሁር ኣካል ምዃኑ ጥራይ እዩ ዘብርህ። ንሪኢቶኻ ንዘይተቀበሉን ንዓኻ ንዘይመሰሉን፣ ኣገዳስነት ዘይብሎም ኣካላት፣ ልቦና ዝጎደሎም መሪሕነት፣ ወዘተ እንዳበልካ ምግላጽ ግን ኣብ ሰልፍና ባይታ ከምዘይብሉ እዚ ዓንቀጽ እዚ ይሕብረና።
4ይ፣ ንሕጋዊ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ኣብ ሰልፊ ብዝምልከት፣

3.10. ታሕተዎት ደረጃታት ሰልፊ፡ ንላዕለዎት ደረጃታት ይምእዘዙ፤ ላዕለዎት መሪሕነታት፡ ንሓሳባትን ለበዋታትን ኣባላት ብዕቱብነት ኣጽኒዖም፡ ግቡእን ፍጡንን መልሲ ይህቡ፤ ይብል።
ቅርጻን ትክላዊ ኣሰራርሓን ሰደህኤ ትኹላዊ (vertical) ኮይኑ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ፣ ጨንፈር - ንኡስ ዞባ- ዞባ- ማእከላይ ባይቶ - ጉባኤ ሰልፊ ኢሉ ዝቆመ እዩ። ብመሰረት ናይዚ ዓንቐጽ እዚ ታሕተዎት ኣካላት ብላዕለዎት ኣካላት ክምራሑ፣ ላዕለዎት ኣካላት ድማ ካብ ታሕተዎት ኣካላት ንዝመጸ ሪኢቶ ኮነ ሕቶ ብመሰረት ቋዋም ሰልፊ ክምልሱ ግቡእ እዩ። ብመሰረት ቋዋም ሰልፊ ዝወሃብ መልሲ ንተጸበይቲ መልሲ ኣወንታ ወይ ኣሉታ ክኸውን ይኽእል። ሓቲቱ መልሲ ዘይረኸበ ወይ እውን ዝተዋህቦ መልሲ ብመሰረት ቋዋም ሰልፊ ኣይኮነን ዝበል ኣካል ግን ቕረታኡ ክስምዕን ይግባይ ክብልን መስሉ ሕሉው እዩ።

ብዚሒ ድምጺ ማለት ደሞክራሲ ማለት ኣይኮነን፣ ብገበን ዝተጠርጠረ ክሳብ ብቤት ፍርዲ ዝብየን ገበነኛ እዩ፣ ወዘተ እንዳበልካ ምስ ኣህጉራዊ ተጠቃምነትን ኣተረጓጉማ ሕጊ ዘይሳነ ትርጉምን ምኽኑይነትን (interpretation and justification) እንዳ ኣምጻእካ ክትምጉት ምፍታን ግን ኣብ ክንዲ ብጌጋኻ ምእራምን ብሕጊ ተገዛኢ ምዃንን፣ ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ ዝብል መሪገጺ ወሲድካ ኣብ ጌጋኻ ምንባር እዩ።
5ይ፣ ንግቡኣት ናይ ኣባል ሰልፊ ኣመልኪቱ
4.4.3 ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤
ኣንጻር ናይዚ ዶር ገብረ ንኹሉ ምምሪሒታትን ሕግታትን ሰልፊ ምጥሓስ ጥራይ ዘይኮነስ ንመሪሕነት ሰልፍውን ክጸርፍን ከነኣእስን ይነብር።
4.4.7 ሓድነት ሰልፊ ይሕሉ፡ ሰልፋዊ ዲሲፕሊን/ሰነ-ሰርዓት የኽብር፡ ምስጢራት ሰልፊ ይዕቅብ፤ ፍሉይ ሓሳባት ወይ ርእይቶ ንዘለዎም ኣባላት፡ ርእይቶኦም የኽብር፣ ዶር ገብረ ግን ፍሉይ ሓሳባት ወይ ሪኢቶ ንዘለዎም ሰባት ከም ኣኽላባት ገይሩ ወይ ከም ዘየድልዩ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ይገልጽ፣ ኣብ ክንዲ ሓድነት ሰልፊ ምሕላው ምፍንጫል ይእውጅ፣
4.4.9 ንሰልፊ ክኸፋፍል ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ወስታታት ይከላኸል፤

ዶር ገብረ ግን ኣብ ክንዲ ንሰልፊ ክኸፋፍል ዝኽእል ወስታታት ዝከላኸል፣ ንሰልፊ ክኸፋፍል ንዝዓለመ ወይ ባዕልኹም ቀዲምኩሞም ተፈንጨሉ፣ ዓቕምኹም ምስ ዘፍቅደልኩም ግን ኣብ ኣኼባታት ገጢምኩም በድህዎም ንዝብል ናይ ጸልማት ምኽሪ ከተግብር ድቓስ ለይቲ ሲኢኑ ይርከብ።

6ይ፣ ንምስንባት ኣባልነት ብዝምልከት ዝያዳ ምስ ኣልዒልናዮ ዘሎና ጉዳይ ዝዛመድ ዓናቕጽ፣

4.5.4 ንፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰልፍን መትከላቱን ዕላማታቱን ምስ ዝጻረር፤ ንክብሪ ሰልፊ ዝሃሲ መርገጽ ወይ ዘመተ ምስ ዘካይድ፤ ምስጢር ኣሕሊፉ ምስ ዝህብ
4.5.6 ካብ ላዕለዎት ኣካላት ንዝመጸ መምርሒታት ምስ ዝጥሕስ፤
መሪሕነት ሰልፊ ኣብ ሊዕሊ ኣባላት ዝወሰዶ ናይ ኣባልነት ምስሓብ ውሳኔ እንተሎ ድማ፣ ዝኾነ ክማጎት ዝደሊ ኣካል ንቁዋማውነቱ ብመሰረት ናይዚ ዓናቕጽ እዚ እዩ ከረጋግጽ ዘለዎ።
7ይ፣ ኣብ ሊዕሊ ቁዋም ሰልፊ ዝጠሓሰን፣ መምሪሒታት መሪሕነት ዝነጸገን እሞ ንሰልፊ ሓደገኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ኣካል ዝውሰዱ ስነ-ስርዓታዊ ስጉምትታት ብምዝምልከት፣
4.7 ስነ-ስርዓታዊ ውሳነታት ብኣባላት ሰልፊ ዝፍጸሙ ጌጋታት፡ ብደረጃታቶም ዝተፈላለዩ ስለዝዀኑ፡ እቲ ዝውሃብ ስነ-ስርዓታዊ መቕጻዕቲ እውን ማዕረ እቲ እተፈጸመ ጌጋ ክኸውን ይግባእ። ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ግን፡ ዝፍጸሙ ጌጋታት ንምእራም እንኽተሎም ኣገባባት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥
4.7.1 ነቐፌታ፤
4.7.2 መጠንቀቕታ፤
4.7.3 ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፤
4.7.4 ምውንዛፍ ኣባልነት፤
4.7.5 ምስንባት ኣባልነት፣

ዶር ገብረ ግን እዚ ስጉምትታትዚ ንኹሉ ኣባል ሰልፊ ብማዕረ ዝምልከት ኣይኮነን ኢሉ እዩ ዝማጎት። ምኽንያቲ ነጥቢ-ሞጎተ ናይ ዶር ገብረ ተጋደላይ መስፍን ሓጎስ እምነ መሰረት ናይ ሓድነት ሰልፊ ስለዝኾነ፣ ዝበደለ እንተበደል ኣባልነቱ ክሰሓብ ወይ ክውንዘፍ ኣይነበሮን፣ ስለዚ መሪሕነት ሰልፊ ሕጅውን ኣብ ሊዕሊ መስፍን ሓጎስ ዝወሰዶ ውሳኔ ብዘይ ወዓል ሕደር የልዕሎ ኢሉ ድሕሪ ምሕታት፣ ኣይከውንን ዝብል መልሲ ምስረኽበ እዩ፣ ንምሪሕነት ሰልፊ ኣብ ምውንጃልን፣ ምዝላፍን፣ ምንእኣሰን ወፊሩ ዘሎ።

 8ይ፣ ዓንቀጽ 9፡ ትርጉምን ምምሕያሽን ቋዋም ሰልፊ 

9.2 ነዚ ቅዋም’ዚ ክቕይር ዝኽእል ጉባኤ ሰልፊ እዩ፤
9.3 ማእከላይ ባይቶ፤ ንዝኾነ ይኹን ኣከራኻሪ ዓንቀጽ ክትርጉም፣ ከብርህ፡ ከነጽር ሓላፍነት ኣለዎ ።
ብሓይሊ ቃል ናይዚ ዓንቐጽ እዚ ንትሕዝቶን መንፈስን ናይ ዝኾነ ኣከራኻሪ ዓንቐጽ ክትርጉም ሕጋዊ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ጥራይ እዩ። ወነንቲ ገድላዊ ተሞክሮ፣ ልዑል ትምህርታዊ መዓርግ ኮነ ካልእ ረቋሒታት ግን ኣብ ምትርጓም ዓናቕጽ ቋዋም ሰልፍና ቦታ የብሎምን።

ለበዋይ ንዶር ገብረ ኮነ ንሰዓብቱ፣ ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ክንብል ዋላ ሰሚርና ክንሰርሕ እንተዘይ ኪኢልና፣ ፍልልያትና ተቐቢልና፣ ተኸባቢርና በቢ የዐውተናዩ ዝበልናዩ ውዳቤ ተወዲብና ክንቓለስ እውን ተኽእሎ ከምዘሎና ፈሊጥና፣ ኣብኡ ገጽና ኣድሂብና ንኽንሰርሕ እላቦ።

መድሃኔ ሃ/ ኦስሎ

Last modified on Sunday, 22 October 2017 20:47