Print this page

ዶር ገብረ ገብረማርያም፣ ካብ ዝባን ሕጊውን ስለሕውነት፣ ነጋሪት ምፍንጫል ዘይኮነስ ነጋሪት ሓድነትን ስምረትን ክትድስቅ!

2017-10-11 10:05:16 Written by  መድሃኔ ሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2660 times
Rate this item
(0 votes)

4ይ ክፋል፣

ኣብ ናይ ሎሚ (4ይ ክፋል ጽሑፈይ)፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዝሓበርኩዎ፣ መቀጸልታ ናይ ጭብጥታት ልቦና ኣብ ቃልሳዊ ጉዕዞ ሰደህኤ ክቅጽል እየ።

ብኣጋጣሚ ናይ ንቅሓት ሕቶ ኮይኑ፣ ጋና ኣነ ክመርሕ ዝኽእል፣ ካብ ካልኦት መወዳድርተይ ዝሓሽኩ፣ ብቑዕን ለባምን ባእታ ስለዝኾንኩ ንዓይ መረጹ፣ ኣብ ምባል ዝበቃዕና ሕብረተሰብ ኣይኮናን። ስለዘይተለምደ ደኣምበር ግን ነውሪ ወይ ብሕጊ ዝተኸልከለ ኮይኑ ኣይኮነን። ይኹን ደኣ’ምበር ብሰልፍና ዝካየድ መረጻታት ወሲኽካ፣ ኣብ ሓያለይ መረጻታት፣ መራጺ ባእታ ንሱ/ሳ ብልቦንኡ፣ ብተወፋይነቱ፣ ብብቅዓቱ፣ ክመሪሕ ይኽእል እዩ ኢሉ እምነት ንዘሕደረሉ/ላ ሰብ ክመርጽ ምሉእ መሰል ኣለዎ፣ ብግብሪ ኸኣ ከምኡ'ዩ። እቲ ዝተረቊሐን ዝተመርጸን ኣካል’ውን ነቲ ዝተዋህቦ እምነት ተቀቢሉ ንመረጽቱ ከገልግል ወይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክነጽጎ ምሉእ መሰል ኣለዎ። እዚ’ውን ብግብሪ ኣብ ሰልፍና እንጥቀመሉ ምሉእ መሰልና እዩ።

2ይ መትርዖ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይዚ ውጺእት 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝኾኑ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ እምበኣር ብናይ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ሚዛንን ምርጫን ንኽመርሕን ከመሓድርን ልቦናን፣ ዓቕምን፣ ተመኩሮን፣ ተወፋይነትን ኣለዎ ተባሂሉ ዝተመርጸን፣ ብኣባላት መላእ ሰልፊ ናይ ምምራሕ ሓደራ ዝተሰከሙን እዮም። እሞ ክቡር ሓው፡ ኣባላት ሰልፊ ብነጻ ድሌቶምን፣ ብርቱዕ ልቦናኦምን ናጻ ደሞክራስያዊ መሰላቶም ተጠቂሞም፣ እዚ ክመርሓናን ከዐውተናን ዓቅምን ልቦናን ኣለዎም ኢሎም፣ ንዝመረጽዎ መሪሕነት፣ ብዘይግብኦ ቃላት ክትገልጾ ከሎኻ፡ ነቶም ዝመርጽዎ መሰረትት እውን ትጸርፍ ምህላዉካ ከመይ ኣይርኣየካን? ወይስ ኣንባቢ ኣየስተብህለሉን በሃሊ ኢኻ? ዋላስ ኣባላት ሰልፊ ከይመመዩ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ማእከላይ ባይቶኦም መሪጾም፣ "ሕጂ'ውን ከይመመዩ ነቲ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ከስምዕዎን ክኣምኑንን ኣኻእሎ ኣሎ" ኢልካ ኢኻ? ንስኻ ብውልቅኻ ልቦና ዝተሓረሞ መሪሕነት ኢልካ ክትገልጽ ኣይጸገመካን። ንኻልኦት ከምኡ ኢልካ ከተረድእ ግን እንድዒ። ኣብ ከባቢኻ ንገለ ውሱናት ሰባት በቲ ኣገላልጻኻ ዘስዳዕካዮም ከም ዘሎዉ ተረዲኡና። ካብኡ ወጻኢ ግን ንግሩሃት ኣንበብቲ ንግዚኡ ከይተጋጊ እንበር፣ እቲ ሓቂ እንፈልጦን ንስኻ ዘይትስሕቶን ኢዩ።

ንስኻ’ውን ኣባል ናይዚ ማእከላይ ባይቶ ንኽትከውን ብጨንፈርካን ዞባኻን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምቲ መስርሕ ጉባኤታትና፡ ኣብ ኩሉ ባታታት ዓለም ብዘሎ ኣባል ሰልፊ ተሓጺኻ። ኣብ ከይዲ 2ይ ጉባኤ ድማ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጽካ፣ ንተጠባባቅነት ዘብቅዓካ ድምጺ ረኺብካ ከምዝነበካ ዝዝከር እዩ። ኣንተኾነ ብጽሑፍ ብዝሰደካዮ ናይ እብያ መልእኽትኻ፣ ኣባኻ እምነት ኣንቢሮም ንዝመረጹኻ ባእታታትን ሰልፍን ክተገልግል ድሉው ከምዘይኮንካ ኢኻ ሓቢርካ።

ኣብ ዲያስጶራ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ምቅባል ማለት'ኮ፣ ናይ ህይወት መስዋእቲ እንተዘይኮነውን፣ ረዚን ዋጋ ዝሓትት ሰኸም ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ገንዘብ ዘይትኽፍሎ፣ ክብረትን ናይ ክብሪ ሽመትን ዘይትረኽበሉ፣ ናይ ሓንጎልን ኣካላትን ዕርፍቲ ዘይትረኽበሉ፣ ግዜኻ ንስድራኻ ንምእላይን ኮነ  ንምዕባለ ነፍስኻ ከይትጥቀመሉ ዓቢ መኸላእታ እንክንሱ ካብ ረብሓኻ ረብሓ ህዝብኻ ኣቐዲምካ ብምርኣይ፡ ዕረ እንዳ ጠዓመካ ብሕልናኻን ልቦናኻን ተገዲድካ ሕራይ ኢልካ እትቅበሎ ከቢድ ጾር እኮ እዩ።   

መንደኣ እዩ እሞ ለባም ኣካል ኣብዚ፣ እቲ ንኹሉ ቃልሲ ዝጠልቦ ዋጋ ክኸፍልን፣ እምነት መረጽቱ ከኽብርን፣ ካብ ረብሓኡ ረብሓ ህዝቡ ኣቀዲሙ ሕራይ ኢሉ ከቢድ ሰኸም ዝተቀበለ ኣካልዶ? ዋላስ እቲ ንውልቃዊ ረብሓኡ ቀዳምነት ሂቡ ንሓላፍነታዊ ሰኽም ዝነጸገን፣ ንእምነት መረጽቱ ዝነፈገን? ሕጅውን ንዘይሓፍርሲ ሕፈሩሉ ከይከውን ነገሩ።

ምናልባት ናይቲ መረጽትኻ ኣምነት ተቀቢልካ ኣባል ናይቲ መሪሕነት እንተትኸውን ነርካ ወይ በቲ "ልቦናኻ" ነቲ ዝተረፈ ኣካል መሪሕነት ክትቅይር ወይ እውን ካብቲ መሪሕነት ልቦና ሸሚትካ ንኽትቅየር ተኽእሎታት ነሩካ። ነስኻ ግን ኣይ ከይትህብ ኣይ ከይትወስድ ካብ ኩሉ ሓንጊድካ ተሪፍካ፣ ኣብ ክንድኡ ድማ ንዓኻ ኮነ፣ ንሰልፊ፣ ከምኡውን ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ መንገዲ ወጢንካ ተበጊስካ።

3ይ መርቲዖ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ገለ ካብ መዐቀኒታት ልቦና ትዕግስቲ፣ ተጻውርነት፣ ሕድገት፣ ሸለል ምባል እዮም።

ክቡር ዶር ገብረ፣ ንስኻ እኮ ኣብ ገለ ምዕራፍ ጉዕዞና፣ ንሃገራዊ ቁዋም መንግስቲ ኤርትራ 1997 ብዝምልከት ኣብ ዝሃብካዮ ጽሑፋዊ ሪኢቶኻ፣ ነቲ ስምምዕ መላእ ኣባል ብውሕሉል መንገዲ ተወጊኑ ዝነበረ ጒዳይ ጥሒስካ፣ ነቲ ሰነድ እቲ ከም ሕጋዊ ሰነድ ዘይቅበል ውድባትን ወገናትን ኩሉ "ዘይኣገዳሲ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ"ኢልካ ዝገለጽካን ዝደምደምካን ምሁር ባእታ እኮ ኢኻ። እዚ ኣበሃህላዚ ድማ ንመላእ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ምስጢር ኣይነበረን።

ብርግጽ እቲ ናይ 1997 ቁዋም ኣብ ግብሪ ውዒሉ እንተዝነብር፣ ኣብዚ ዘሎናዮ ኩነታት ኣይምወድቅናን። ንጉድለታቱን ሕጽረታቱን እውን ኣብ መስሪሕ ምምሕያሹ መመላእናዮ። ነዚ ግን ኣይተዓደልናን። ዝኾነ ዀይኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነቲ ምድላዋት ናይቲ ቁዋም ምልኣተ ተሳታፍነት ኩሉ ሸንኻት ብፍላይ ድማ ናይ ሰብ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ጐዲልዎ ነይሩ ዝብሉ ንዝብነበሩ በቲ ናትካ ቃላት ክትገልጾ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኢዩ። "ምስታፍካን ዘይምስታፍካን ኣገዳስነት ኣይነበሮን" ክብሃል ዝግብኦ ክፋል ሕብረተሰብን ፖለቲካዊ ሸነኻትን ኣይነበረናን፣ የብልናንውን።  ኣገላጻኻን ተረድኦኻን ነቶም ኣብ ምድላው ቁዋም  ኤርትራ፡ ብሰንኪ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ወዘተ ናይ ምስታፍ መሰል ዝተነፍጎም ኣባላት ደምበ ተቀውሞ ክሳብ ክንደይ ሃሳዪ ምንባሩ ዘይርኣዮ፣ ጸገም ዘሎዎ ሰብ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ መስደመም ዝኾነ ኣገላልጻኻ መሪሕነት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ደዲሕሪ ዝሃልል ካብ ምህላል ንድሕነት ሰልፊን ረብሓ ህዝብን ኢሉ እዩ ብትዕግስቲ ተጻዊርዎ ሓሊፉ። ሕጅውን ኣበይ ኣሎ እቲ መወራዘዪ ልቦና?

4ይ መርትዖ፣ እቲ ዝበኣሰ ግን ካብ ቀዳማዩ ዳሕረዋዩ ከም ዝበሃል፣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ፣ ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ኣብ ናጽነት ሃገር ንዝበቅዐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ብጅግንነት ክትገልጽ፣ ነቲ ዋላኳ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዓወት ኣይብቃዕ እንበር፣ ነቲ ኣብ ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፈለን፣ ንመንገዲ ዓወት ዝመድመደን ተቓላሳይ ውድባትን፣ ህዝብን፣ ምዑት ተጋዳላይን ግን በቲ ዘስፈርካዮ ቃላትካ ”ዶላር ዝሽትት ዝነበረ” ኢላክ ክትገልጾ ዘየሕፍር ኣይኮነን። ኣበይ ደኣሎሞ ቅኑዕ ፍርድኻ? ልቦና ምሁር ኣካልና፡ ክቡር ዶር ገብረ?

5ይ መርትዖ፣ ክቡር ዶር ገብረ ሓድነት ሰልፊ ብሓፈሻ ብምእዙዝነትን ትግባረን ናይቲ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ዝጸደቐ ቁዋም ሰልፊ ኮይኑ፣ ክንይኡ ግን ኣብ መንጎ መቓልስትኻ ብእተርእዮ ምክብባር፣ ምክእኣል፣ ሓልዮት፣ ጥዑይ ቃልሳውን ማሕባራውን ዝምድናታት ብምፍጣር እዩ። ንስኻ ግን ይትረፍስ ንሓልዮት ሰልፋዊ ሓድነት ኢልካ ክብሪ መቓልስትኻ ክትሕልውን፣ ንቡር ዝምድናን ርክባትን ክተካይድን፣ ብፍላይ ቅቡል ንዘይኮነ ሪቶታትካ ንዘይተቀበሉ ባእታታት፣ ኣብ ገለ ምዕራፍ ቃልሳዊ ጉዕዞና፣ ናይ ቆልዑት ግድላዊ ጽውጽዋይ ኣምሲልካ ንገለን ከም ኣኽላባት ንገለን ከም ወነንቲ ኣኽላባት ገርካ ዝገለጽካ ምሁር ኣካል እኮ ንስኻ ዶር ገብረ ኢኻ!

እቶም ኣኽላባትን ወነንቶምን ተባሂሎም እተረቚሑ ወገናት’ውን ኩሉም በዚ ምስ ደረጃ ትምህርትኻን ዕድመኻን ዘይከይድ ነውራም ቃላትካ ክትጎድኦም ዝሃቐንካዮም መቃልስትኻ ግን፣ ልቢ ኣዕብዮም ነዚ ኹሉ ተጻዊሮም እዮም -እዝግሄር ይሃቦም! ምሳኻ ቃልሲ ክቅጽሉ ወሲኖም።  

እቲ ሕቶ ልቦናኻን ልቦና ናይቶም ሰዓብቲ ኣለዉኒ እትብሎምን ኣበይ ከም ዘሎ ጥራይ እዩ ዘተሓሳስበኒ። ኣብ ኩሉ ኣነ ዝተላለኹዎ ኤርትራዊ ባህልታትና’ውን እንተኾነ፣ ሰባት ንኻልእ ሰብ ለባም እዩ ኢሎም ክገልጹ ሰሚዐ እምበር፣ ኣነ ለባም እየ፣ ኩስቶ/ንሳቶም/ ግን ልቦና የብሎምን፣ ዝብል ኣዘራርባ’ውን ካብ ምሁር ኮነ ካብ ዘይምሁር ሰሚዐ ኣይፈልጥን።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ዝቅጽል ጽሑፈይ ካብቲ ብግጉይ መንገዲ እተጠቕሰ ዓናቕጽ ቅዋም ሰደህኤ  መብርሂ ዝኸውን ናይ 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ጽሑፈይ ሒዘ ክሳብ ዝመጸኩም ሰናይ ቅንያት ይምነየልኩም!

                                         

Last modified on Wednesday, 11 October 2017 12:11