Print this page

ህዝብን ሃገርን ምድሓን፡ ዕማም ኩሉ ዜጋ’ዩ

2017-10-04 18:26:24 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2533 times
Rate this item
(0 votes)

ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሕሱም ኣደራዕ ውልቀ-መላኺ ንምግልጋሉ፡ ወዓልሕደር ዘየድልዮ ዕዮ ገዛ ምስራሕ የድሊ ኣሎ። እዚ ዕዮ ገዛ እዚ ከኣ ህዝብናን ሃገርናን ዝድሕነሉ መገድን ሓሳብን ምንዳይ እዩ። ደምበ ተቓውሞና ን26 ዓመታት ዝኣክል ክሳብ ሕጂ ንሃገሩን ህዝቡን ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ዓዘቕቲ መዋጽኦ ዝኸውን ሓባራዊ ሓሳብ ኣይወነነን።

ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ በዚ ሕጂ ዘለዎ ሃለዋት ኣይስሩር ኣይምውት ምዃኑ ንኹልና ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ እዩ። ይኹን እምበር ነዚ እናፈለጠ ካብ ጌጋታቱ ከይተማህረ  ኣብ ዘለዎ የኹድድ ኣሎ። እዚ ከኣ ተግባርን ስነሓሳብን ልዕሊ ረብሓ ውልቅን፥ ሰልፊ፡ ውድብን ማሕበርን ክኽወን ዝግበኦ ክንሱ፡ ጎቦጎቦ ብምኻድ እነሆ ንትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝማርኽ ክኽወን ኣይከኣለን። እዚ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ እምበኣር ታሪኽ ሃገሩ ዘየኽብር፥ ሓቢሩን ተኸባቢሩን ክዛተ ዘይክእልን እንተኾይኑ፥ ሃገራዊ ስምዒትን ሃገራውነትን እናህሰሰሉ ኣብ ዘለውሉ ህሞት፥ ብጸቢብ ስምዒት ዝወዳደበሉ ንሃገርን ህዝብን የድሕን ኢሉ ዲዩ ዝቃለስ ዘሎ። ደምበ ተቓውሞ ኣብ ከመይ ሃለዋት ይርከም ምህላዉ ኣብ ክንዲ ሓደ ብሓደ ዳህሲሱ መዋጽኦ ዝረክብ፥ ብድርቅና ተዋሒጡ ሃገር ዝጨበጠ መሲልዎ፥ ነቲ ብሓባር ዝዕመም ስራሕ ዘንጊዑ፡ ኣብ ነሓድሕዱ ውድድር ኣትዩ ይርከብ። ህዝብና ኣውራ ድማ መንእሰያትና ናይ ጽባሕ ተካእቲ ይጠፍኡ እናሃለዉ፥ ቃልስና ዘይመሰረታዊ እናኾነ ምኻድ ፈጺሙ ዘዋጽኣና ኣይኮነን።

እቲ ሎሚ ዘድልየና ዘሎ መጀመርያ እዛ ሃገር፥ ሃገር ናይ ኢሳያስ፥ ወይ ናይ ደገፍቲ፥ ወይ እውን ናይ ተቓውምቲ ኣይኮነትን፥ እንታይደኣ ናይ ኩልና ኢያ። እቲ ክነምጽኦ እንደሊ ለውጢ ከኣ ንኹልና ብሓባር ምዃኑ ክንርዳእ ኣሎና። ምኽንያቱ ጉዳይ ሃገር ንሓደን ክልተን ኢሉ ዝፈላሊ ስለዘይኮነ፥ ጉዳይ ኩልና ምዃኑ ኣነጺርና ክንቃለስ እዩ ዝግበኣና። ቀጺሉ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕብልናታት  ክሳብ ክንደይ እዩ ንሃገርና ዝጸሉ እውን ሓደ ካብቲ ክጽናዕ ዘለዎ እዩ።

ብሳልሳይ ደረጃ እቲ ኣብ መንጎ ስርዓት ኤርትራን ስርዓት ኢትዮጵያን ዘሎ ምፍሕፋሓት እውን ንሃገራዊ መንነት ብዘራጉድ ኣገባብ ክንገጥሞ ይግበእ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታዊ ዝጽበየና ዘሎ እንኮ ዕዮ ገዛ ሎሚ እዋኑ በሲሉ ስለ ዝኾነ ፈቲና ጸሊእና እቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና፡ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልና ብዘይኣፈላላይን ንኹሉ ዘሳትፍ ሰፊሕ መኣዲ ዘተ ክንሰርዕ ኣሎና። እዚ ባይቶ’ባ፥ ካብ ባይቶ ወጻኢባ፥ ኪዳን፥  6+15፡ መንእሰያት፥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እናተበሃሃልካ  ምጥምማት ምፍጣር ህዝብን ሃገርን ዝድሕነሉ ኣይኮነን።

ስለዚ እዚ እዋን ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ዝኸውን ክንሓስብ ናይ ግድን ምዃኑ እዩ ዝእምተልና ዘሎ። ስለዝኾነ፥ ኣብ  ኣወዳድባና ሃገር፡ ብሄርን፥ ኣውራጃን ተደጋጊፎም ዝኽዱሉ ኣገባብ ምንዳይ ደኣ እምበር ሃገር፥ ንብሄር ወይ ንኣውራጃ ዘፍርስ፥ ወይ ከኣ በንጻሩ ብሄር ንኣውራጃን ንሃገር ዘፍርስ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ኣብ ፍልልያትና ዓቢ ሳዕቤን ኣለዎ። ስለዚ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተና  በበይንኻ ተኣኪብካ ናተይ እባ ናተይ ምባል ክውገድ ኣለዎ። እዚ ምስ ወገድና ከኣ ኢና ብዛዕባ ሃገርን ሃገራውነትን ተዛቲና ፍታሕ ዝኸውን ሓሳብ ክንፈጥር እንኽእል። ነዚ ፍታሕ እዚ ምስ መሃዝና ከኣ እዩ  ምትእምማን ፈጢሩ ቀንዲ መፍትሒ ሽግራትናን፥ ናብ ዓወት ጸብጸሓናን መንግዲ ክንሕዝ እንኽእል። እዚ እውን ብወገኑ ነቲ ስምዒታት ናይ ካልኦት ካብቲ ናትካ ስምዒታት ዝተፈልየ ምህላዉ ብምፍላጥ  ንረብሓ ኩልኻ ዝጠቅም ናይ ሓሳብ ይኹን ተግባር ምድግጋፍ ክህሉ ይኽእል።

ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር በቲ እንሰማማዓሉ ሓቢርና ክንሰርሕን ነቲ ዘየሰማምዓና ከኣ እንተስ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ክቕህም ወይ ምስ ህዝብና ኰና ክንፈትሖ ዝከኣል እዩ። ነዚ ንምብቃዕ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ፥ ሎሚ ብዝያዳ እንጥለበሉ ግዜ ኢና በጺሕና ዘለና። ምኽንያቱ እቲ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ዝግበር ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዋኒን ናይ  ወድባት ወይ ሰልፍታት ጥራይ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ቀንዲ ወናኒ እዚ ለውጥን ካብኡ ዝረብሕን እቲ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ሰፊሕ ህዝብና እዩ። ህዝቢ ብሓባር ኰይኑ ድምጹ ንኸየስምዕ ዓጊትዎ ካብ ዘሎ ጠንቅታት ሓደ እዚ ናይ ደምበ ተቓውሞ ኣካይዳ እዩ።  እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ እቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀብሃን ሻዕብያን፥ ዓማን ምዳዳን እናተበሃሃልና ዝሓለፍናዮ ፖለቲካዊ ቅልውላው፥ ኣሰሩ ገና ዘይጠፈአ ምህላዉ እዩ። እነሆ ድማ ደጋፋይን ተቓዋማይን፥ ባይቶን ካብ ባይቶ ወጻእን፥ ውድባትን፥ ስቪል ማሕበራትን፥ እናተበሃህልና ከምቲ ናይ ቅድም ንናጽነትና ዘደናጐየ፥ ሎሚ ውን ንህዝብናን ሃገርና ንምድሓን ዘቀላጥፍ ዘይኮነስ ዘደናጉን ስቅያት ህዝብና ዘናውሕን እዩ። ስለዚ  ኩሉ  ወዲ ሃገር  ብምዃኑ  ክድግፍን ክቃወምን  መሰሉ ስለ ዝኾነ፥ ነዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ መዓት ሓቢርና ፍታሕ እነምጽኣሉ ጐደና ክንጸርግ ከለና እዩ ህዝብናን ሃገርናን ዝድሕን።

ኣብ መወዳእታ እዚ ደምበ ተቓውሞ ነቲ ደረት ሓላፍነቱ ወይ ከኣ ጉቡኣቱ ዘንጊዑ፡ ኣብቲ ናይ  ጽባሕ ዕማምን ሓላፍነትን  ህዝቢ፡ ሎሚ  ጣልቃ ክኣቱ ኣይግባእን። ስለዚ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ ዝብጽሖ ብምዃኑ ነዚ ዘኽእል ባይታ ምምድማድ ሎሚ ኣብ መኣዲ ዘተ ክንኣቱ ይግባእ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድን እዩ።

 

Last modified on Wednesday, 04 October 2017 20:29