Print this page

ክሳብ መወዳእታ ኣብ መትከልና ጸኒዕና ኣሎና

2017-09-23 18:44:20 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2732 times
Rate this item
(0 votes)

ወዲ ሰብ ብስስዕቲ፥ በለጽን ቅንእን ክጽለው ንቡር እዩ። ካብዚ ባህሪ እዚ ንምልቓቕ ከኣ ኣብ ውሽጡ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከካይድ ይግበኦ። እንተዘይኮይኑ ኣብ ምዕብልና ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሃሳይ ግደ ከም ዝጻወት ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሎሚ ዓለምና ኣብ ናይ ምትሕብባር፥ ምክብባርን ሓቢርካ ምንባርን ጐደና እትጎዓዘሉ ዘላ ህሞት፡ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ኢልካ ሽግር ናይ ካልእ ከምዘይሽግርካ ምርኣይ ሓደ ካብቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ባህሪ እዩ።

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝገልጾ ተፋቐሩ፥ ተሳነዩ፥ ተሓባበሩ፥ ንሽጉር ርድኡ እዩ ዝብል። እዚ ናይ ኩሉ ሃይማኖታት እምንቶ ምዃኑ ኣይንስሕቶን ንኸውን። ሃይማኖት ዝፈላልን ዘባእስን እንተ ኾይኑ ግና መንፈሳዊ ኣይኮነን ማለት እዩ። ካብዚ ሃይማኖት ዝእዝዞ ቅኑዕ ተግባራት ወጺእና ክንንቀሳቐስ ከሎና፥ ኣብ ኩሉ ባህሪናን ጠባያትናን  ጽልዋ ክህልዎ  ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት ኣይትቕተል፡ ኣይትሓሱ፡ ኣይትስረቐ፡ እናበለ ዘስተምህረና ሃይማኖታት ሸለል ኢልና ክንሕሱን ክንዘምትን ንርከብ ኣሎና።

ልብና ክፉእን ተንኮልን እናሓሰበ፡ ተመሊስና ኣመንቲ ሃይማኖት ክንመስል ንደሊ። እዚ  በለጻዊ ኣካይዳ ኣብ ፖለቲካ እውን ዓቢ ዓንቃፊ ግደ እዩ ዝጻወት። ናይ ገዛእ ርእስኻ ጌጋታት ንምሽፋንን ናትካ ሓሳብ ጥራሕ ቅኑዕ ምዃኑ ንምርኣይን ዘይተባህለን ዘይተገብረን ኣልዕል ኣቢልካ ምጽሓፍን ምምዳርን ነቲ ኣይትሓሱ ዝብል እዩ ዝጥሕስ።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣጀንዳ ሒዝካ፥ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ፖለቲካዊ ጽልዋ ንኸተሕድርን  ብዝኾነይኹን ዋጋ ከተእምንን ሒዅ ምባል ነገዛእ ርእሱ ናይ በለጽ መግለጺ እዩ። ነቲ ፖለቲካዊ መትከላትን ሕግጋቱን ዘንጊዒካ፥ ብናትካ ውልቃዊ  ዝምቡዕ ኣተሓሳስባን ኣተራጓጉማን ብናይ ሓጺር ዓላማ ወይ ጸቢብነት ዝተላዕጠጠ መርዛም መናፍሕ ምንዛሕ ከኣ እቲ ብናይ ኣነነት ዝተጠቕዐ ፍሹል ናይ ፖለቲከኛ ጻዕሪ እዩ።

ናይ ሓጺር ግዜ መኽሰብ ንምርካብን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍራስን ክግበር ዝጸንሐ ወስታታት እምበር ከምቲ ዝምደር ንምድንፋዕ ሰልፊ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰልፊ ኰይንካ ዝተፈለየ ርእይቶ ክህልወካ ንቡር ክነሱ፡ ዝተፈለየ ራኢ ሒዝካ  ምፍንጣሕ ነቲ ሰልፊ ዘርብሕ ኣይኮነን። ሕቡእ ውዳቤታትካ ሰሪዕካ፥ መን እንታይ ይገብር መዲብካ፥ ድሕሪ ኣዚ ኣነ ንሓድነት ሰልፊ እየ ብምባል እምበር ፈረ ዘለዎ ኣይኮነን። ብቐደሙ እውን ንውልቀ ሰብ ልዕሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምስራዕ እዩ ነቲ ጸገም ኣምጺእዎ። 

ልክዕ እዩ ዝተሰማማዕካሉ መትከልን፥ ዝሓንጸጽካዮ ቅዋምን ንጥቕምኻ ይኹን ጉጅለኣዊ ረብሓታት ኢልካ ልዕሊ ኩሉ ኣዕዚዝካ ምዝራብን ብኣኡ ምፍላልይን ከተራጉድ ምህላኽ ናይ ድኹማት መሳርሒ እዩ። ነቲ ብሓባር ኰይናን ሕጊ ተኸቲልና ዝመረጽናዮ መሪሕነትን ነቲ ንሱ ዘውጽኦ ፖሊሲታት ወይ መምሪሒታት  እናነጸግካ መሪሕነት ሕጊ ጥሒሱ ዘብል ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ ሰልፊ ኣብቲ መትከልን ቅዋምን እንድሕሪ ተሰማሚዕካ፥ ነቲ መትከል ኣብ ግብሪ ዝትርጉም መሪሕነት ከኣ ዘወጽኦ መምርሒ ወይ ከኣ ፖሊሲ ርእይቶኻ ክትሀበሉ ዝኽልክል የለን። ነቲ ርእይቶኻ ግን ልዕሊ እቲ ዝበዝሑ ዝተቐበልዎ እንተዘይሰራዕኩሙለይ ምባል ግና፡ ንስኻ ኢኻ  ሕጊ ትጥሕስ ዘሎኻ እምበር እቲ ውሳኔ ዝውሰነ መሪሕነታዊ ኣካል ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ መሪሕነት ክውስን እንከሎ ድሕሪ ክትዕ፡ ምይይጥን ሓሳብ ንሓሳብ ምውህሃብን እሞ ድማ ብብዝሒ ድምጺ እዩ። ስለዚ ናብ ግጉይ መንገዲ እናኣምራሕካ ኣነ እየ ቅኑዕ እናበልካ ምዝማር “ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ” ዝዓይነቱ እዩ ዝመስል።

ቅድሚ ኹሉ ብፖሊሲ ወይ ብመትከል ኣይኮናን ንፋለለ ዘለና። ክንፈላለ ዝግበኣና ኣብ መሰረታዊ መትከል እዩ። ንኣብነት ኣብ ጉባኤ ዝተወሰነ፡ ምስ ጐረባብትና ተሳኒናን ተኸባቢርናን ኣብ ሓድሕድ ጉዳያት ጣልቃ ዘይምእታው ዝብል ፖሊሲ ኣሎና። እቲ ፖሊሲ ወይ መምርሕና ከኣ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ጽልእን ግርጭትን ብዘየእቱ ኣገባብ ምውሳእን ምዝማድን ዝብል ናይ ትግባረ መምሪሒና ወይ ፖሊሲና እዩ። እዚ ናብ ኢትዮጵያ ኬድኩም፡ ስለምንታይ ምስ ውድባት ተዛቲኹም ኢልካ ምዕግርጋር፡ ኣነ እየ ፈላጥ፡ ብዘይካይ ዝፈልጥ የለን ካብ ምባል ዝፍለ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ብስለት ዘይብሉ ፖለቲካ ብምዃኑ ነቲ ስነፍልጠታዊ ተንታን ክጥምዝዝን ከዘንብዕን ይፍትን። ከም ኣብነት ዓለም ብዓለሙ ዝሰርሓሉ “ድምጺ ብዙሓት ይስዕር” ዝብል መትከል ኣድማሳዊ ኣምር ገምጢሉ ዘቕርብ፡ ህልውናኻ ንምርግጋጽ ዝግበር ሓደገኛ ፍሕሶታትን ወስታታትን ካብ  ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ልክዕ እዩ ሓደ ሰብ ክፉእ ክንሱ “ኣነ ክፉእ እየ” ኢሉ ክጽሕፍን ክምድርን ከምዘይክእል ርዱእ እዩ።  ኣብ ሓቂ ከይተሙርኰሰ ንኻልኦት ብምውንጃልን ንሱ ጥራሕ ቅኑዕ ኣምሲሉ ክገልጽን እንከሎ፡ ምልክት ዘይርጉእነት ምዃኑ ንጹር እዩ። እምበር እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ጉባኤ ተጸቢኻ ኣብኡ እዋሕስ ኣግብእ ኣብ ክንዲ ምባህሃል፥ ኣብኡ ከም እትሰዓር ስለ ዝፈለጥካ ጎልጎል ገዲፍካ ጎቦጎቦ እንተኸድካ፡ ሓቅነት ዘይብልካ ምዃንካ ዘረድእ እዩ። ስለዚ እቶም ኣብ መትከሎምን ቅዋሞምን ጸኒዖም፡ ነቲ ዝመረጽዎ መሪሕነት ኣብ ጉባኤ ኣብጺሖም ክጸባጸብዎ ጸኒዖም ዝቃለሱ ኣባላት ዘለውዎ ሰልፊ ክፈርስ ማለት ዘበት እዩ።

 

Last modified on Saturday, 23 September 2017 20:46