Print this page

ብሩክ ዘይመጽእ በስመ-እግዚኣብሔር ዘመነ ማርቆስ-ወንጌላዊ 2010 ዓ/ም

2017-09-13 12:42:14 Written by  ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2265 times
Rate this item
(0 votes)

             ዓመተ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ይግበረልና-!!

ዓውደ-ዓመት ተባሂሎም ካብ ዝኸብሩ ብዙሓት በዓላትና ሓደ፥ እቲ “-ቅዱስ-ዮሓንስ-”ብምባል ዝፍለጥ ናይ ዓመት መጀመርታ-ዕለት ምዃኑ፥ ነዚ ፈልጥ ዘይክእል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕዝብና ኣብዚ በዓል‘ዚ “-እንቋዕ እግዚኣብሔር ብደሓነ ሰላም ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት‘ዚ ኣብጽሓና!!-”ብምባል ሓጎሱን ሠናይ ትምኒቱን ክገልጽ ዝስዓሉ እዋን እዩ። ብዝተረፈ ቅነ ቅዱስ-ዮሓንስ መሬት ብኣዝርእቲ ተሰሊማ እትረኣየሉ፥ ናይ ራሕስን ልምላሜን‘ውን ስለዝኾነ፥ ኣብ ኅብረተ-ሰብና ፍሉይ ክብሪ ዘለዎ ኣውደ-ዓመት ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ’ውንስለዚዩ።

ከም ዝፍለጥ በዓል ሓዲሽ-ዓመት፥ መሠረቱ ልደት ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ እዩ። ግዳስ ምዕራባውያን ዘብዕሉዎወርሒ-ታሕሣኮይኑ ከብቅዕ፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ግና፥ኣብ ወርሒ መስከረም‘ያ ከተብዕሎ ትርከብ ዘላ። ከመይሲ መጽሓፈ-ስንክሳር  “-ወኣመ ኣሚሩ ለመስከረም፥ በዛቲ ዕለት እንተ ይእቲ  ዓውደ-ዓመት ዘግብፅ, ወብሔረ-ኣግዓዚት, ወዘኖባ-ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ግዳስ ስለምንታይመስከረምበዓል ሓዲሽ-ዓመት ክኽውን ከም-ተመርጸ፥ መጽሓፈ-ስንክሳር ዝጠቐሶ ነገር የልቦን።

መጽሓፍ-ቅዱስ እንተኾነ‘ውንጎይታናን መድኃኒናንኣብ ቤተ-ልሔም ምውላዱ እንተዘይኮይኑ፥ ንዕለትን ዓመትን ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር ምህላዉ ኣይፍለጥን። ኣብ ዘመነ- መንግሥት ኣውግስጦስ-ቄሣር ከምዝተወልደ ስለ-ልክት ግ፥ በዚ ኣቢልካ እቲ መዓስ-?ዝብል ናይ ግዜ ሕቶ መልሲ ክርከቦ ከምዝኸኣለ ምርድኡ ኣየጸግምንይኹን እምበር እቲናይክርስቲያን-ዓለምንኣቈጻጽራ-ዘመን ብዝምልከት ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ክጐዓዝ ብዘይ ምኽኣሉ፥ እተን ናይምዕራባዊ-ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ኣብ ወርሒ-ታሕሣስ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ከብዕለዋስለምንታይ ኣብያተ-ክርስቲያናት ግብጽን, ሓበሻን, ሱዳንን፥ኣብ ወርሒ-መስከረም ዓውደ-ዓመተንክገብራ ከም-ዝመረጻ፥ መጽሓፈ-ስንክሳር ዝበሎ ነገር የልቦን።

ብመሠረቱ ክርአ ክሎ ግ፥ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ምንም እንተኾነ ዝፈላሊ ምኽንያት ክህሉ ኣይምተገብአን። ከመይሲ ናይ ኩላትናመሠረትን ጉንድን ክርስቶስ እዩ።ግዳስእቶም “-ወነኣምን በኣሓቲ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን፥ እንተ ላዕለ ኩሉ ጉባኤ-ዘሓዋርያት-”ብምባል ኣብ 381 ዓ/ም፥ ኣብ ጉባኤ-ቁስጥንጥያ፥ ሐድነት ቤተ-ክርስቲያን ከረጋግጹ ዝኸኣሉኣቦታት፥ ንኣቈጻጽራ ዘመን ብዝምልከት ግና፥ ማንታ መንገዲ ሒዞም ከምዝኸዱ ኢና ክንርኢንኽእል።

እዚ ግና ብኸምኡተፈላሊኻ ክኽየድ ቅቡል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።ከመይሲ ክርስቶስ ናይ ፍቕርን ሓድነትን እምበር፥ ናይ ጽልእን ምፍልላይን ኣምላኽ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክርስቶስ ዝመሠረቱ ክርስቲያናዊ-ዓለም፥ ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ኣቈጻጽራ-ዘመን ሒዙብማንታ-መንገዲ ክጐዓዝ ምርካቡ፥ብጠቕላላ ሕዝበ-ክርስቲያን ተሓጕሱ ተቐቢሉዎ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ እኣብ ወርሒ መስከረም በዓለን ከኽብራ ዝርከባ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ እቲ ናይ ግብፂ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳሳትዝነበረ ዲሜጥሮስ፥ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ዘዳለዎ ባሕረ-ሓሳብ  ዝኽተላ ኮይነን ክርከባከለዋ። እተን ናይ ምዕራብ ኣብያተ-ክርስቲያናት ድማ፥ ኣብ መወዳእታ 16-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን፥ ናይ ሮማ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳሳትዝነበረ ጎርጎሬዎስ ዘዳለዎ እየን ዝኽተላዘለዋ። እዚ ክልተ ዝተፈላለየ ባሕረ-ሓሳብ‘ዚ ከኣ‘ዩነቲ ክርስቲያናዊ-ዓለም ማንታ-መንገዲ ሒዙ ከምዝኸይድ ገይሩዎ ዝርከብ ዘሎ።

ብዝኾነ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ንጐዓዝዘሎማንታ-መንገዲግና፥ንኹላትና ከርብሓና ዝኽእል ስለዘይኮነ፥ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኩሎም ክርስቲያን ኃባርዘኽብሩሉ ምልዛብ ክግበር፥ ናይ ኩሎም ክርስቲያን ተስፋን ትጽቢትን እዩ ዝብል እምነት’ዩሎናስለዚ‘ውን እቲ ናይ ሰላምን ፍቕርን ኣምላኽ ናይ ምቅርራብን ምልዛብን መንፈስ ምእንቲ ክዕድለና፥ “-ሃበነ ንኅበር በዘዚኣከ መንፈስ-ቅዱስ-”እናበልናክንጽሊ ከም-ዝግብኣነቶም ቅኑዕ መንፈስ ዘለዎም ኩሎም፥ ምርድኡ ዝኸብዶም ኣይመስለናን

ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸበባ  እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ፥ ከም ምዃንና መጠን፥ እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ከደቅሰና ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ህልውና ሰላምን ሕግን ፍትሕን ምህላዉ ከይተረጋገጸ፥ ድቃስ ክወስደና ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፥ኩነታትና ከም ክትሓርስ ዝደለየት‘ሞ፥ ኣብ ብርቱዕ ጻዕሪ እትርከብ ጥንስቲ መሲሉ’ዩ ዝርከብ ዘሎ እንተ-ተባህለ፥ ጌጋ ኣበሃህላ ኣይኮነን

ስለዚ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ፥ ንዓና ከም ሕዝቢ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልየና ዘሎ፥ ሰላምን ፍትሕን’ዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ግና ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ተመጺውትካ ዝርከብ መሰል የልቦን። ንሕናግና ከም ደቂ-ሃገርን፥ ከም ደቂ’ታዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንን መጠን፥ እዚ ኩሉ ናይ ሕጊ ግህሰት እናተፈጸመ ከሎ፥ ተሰማሚዑና ኣሎ ብዘስምዕ ዓይነት፥ ከነጣቕዕ ደኣ ኢና ዝጸናሕና እምበር፥ ዓገብ-!! ክንብል ዘኽእለና ትብዓት ኣርኢና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን።

ስለዚ’ውን እቲ ክሳብ ሕጂ ምሳና ዝጸንሐ ፍርህን ሕመቕን፥ ቀንጢጥና ብምድርባይ “-ይኣክል-!! ክንብል እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ ብምኽንያት’ዚ ሓዲሽ-ዓመት “-ዮሓንሰየ ኣቶ ኣብሪሁዋ ንባይቶ-” ስለ-ዝበልና ጥራይ፥ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ካብ ዝባንና ክወርድ ይኽእል’ዩ ዝብል ሰንኮፍ ኣተሕሳስባ ክህልወና ኣይግባእን።ብዝተረፈ በዓል ቅዱስ-ዮሓንስ፥ ከም ናይ ሓዲሽ-ዓመት መጀመርታ-ዕለት መጠን፥ ጽቡቕ ምምናይና ኣይተርፍን እዩ። ሠናይ ዘመን ይኹነልና ኢልካ ምምናይ’ውን ጌጋ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ብጥዑስ-ልቢ ብንስሓ ኣቢልና፥ ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ከይከኣልና፥ ብትምኒት ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ሰማያዊ ረድኤት የልቦን። ስለዚ’ውን እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ፥ ምስ ከበሮን ጓይላን ክንገብሮ ንርአ ዘለና ዕብዳን፥ መወዳእታ ክንገብረሉ እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ እቲ መከራን ጸበባን ክውዳእ ከም-ዘይክእል ምርድኡ ከድልየና እዩ።

ብዝተረፈ እቲ ምሳና ዘሎ ጸበባን መከራን፥ ድሕሪ ደጊም ተጻዊርናዮ ክንከይድ፥ ዘኽእለና ኃይሊ’ውን ጽንቅቕ ኢሉ ተወዲኡና ስለ-ዝኾነ። ብዘይ ረድኤት ኣምላኽ ባዕላትና መኪትና ክንዓግቶ እንኽእል መዓት’ዩ ክንብል ስለ-ዘይንኽእል -ኅድግ ለነ ኣበሳነወኢትነጽር ምግባረ ኃጢኣተነ፥ ወተወከፍ ንስሓነ-”እናበልና ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኣብ ዝግበኣና ግዜንርከብ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

ብዝተረፈ ሰብ ዘይዘርኦ ከም-ዘይዓጽድ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና፥ ኣብ ደኃን ኩነታት ይርከብ ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ከም-ዘይከኣል፥ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ምስጢር ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኹሉ መንገድናን ኣከያይዳናን፥ ካብቲ እግዚኣብሔር ክንከውን ዝደልየና፥ ኣዚና ርሒቕና ንርከብ ምህላውና፥ ካብቲ ዘሎ ህልው ኩነታትና ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል ገጽ ዘሎና መሲልና ኣይንርአን ዘሎና

ይኹን እምበር እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ግብሪ ጸልማት ደርቢና ኣጽዋር-ጽድቂ ንልበስ። ብጓይላን, ስኽራንን, ምንዝርናን, ዕብዳንን ግና ኣይኮነን-” ከም-ዝብሎ፥ ሕጂ’ውን ኣብዚ ሓዲሽ-ዓመት ክንሰግር ከሎና፥ ምስ እግዚኣብሔር ዝተዓርቀ ሕይወት ሒዝና ደኣምበር፥ ከምቲ ዝጸናሕናዮ ኮንና ምንም ለውጢ ከይገበርና፥ “-ርሑስ ዓውደ-ዓመት ይግበረልና-” ብዝብል ጽቡቕ ትምኒት ጥራይ፥ ክመጽእ ዝኽእል፥ ሰማያዊ ረድኤት የልቦን። ብዘይ ጣዕሳን ንስሓን ድማ፥ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዕርቂ ከብጽሓና ዝኽእል፥ ካልእ መንገዲ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ኃጢኣትና ክንእመን ዘኽእል፥ ጸጋን ትብዓትን ይሃበና።

እወ ! ንሕና ም ሕዝቢ መጠን ሓሲሙናን መሪሩናን ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ምዃንና፥ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር እዩ። ካብኡ ንኻብኡ ድማ ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ክንዝክር ከሎና፥ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለጸ ሰማያዊ-ረድኤት ኣብ ንደልየሉ ህሞት ንርከብ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይንኽእልን።ከመይሲ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ወይ ሲኖዶስ፥ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ዘተንፍስስ ኮይኑ ይርከብ እናሃለወ፥ደሓን ኣሎና ክንብል ምስቲ ሕጂ ኣብ ባይታ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ ክሳነየልና ዝኽእል ኣይኮነን። ትርጉም ዘይብሉ ህልውና ሒዝካ እነብር ኣለኹ ምባል ከኣ፥ ኣብ ዝኾነ ከብጽሓና ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ስለዚ’ውንህልውና ቤተ-ክርስቲያና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ሰዓት፥ ኣብ ክንዲ “-ስምዓነ ኣምላክነ ወመድኃኒነ-”ብምባል ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ዅሕሕ፥ ሕዝብና ከበሮ ኣልዒሉ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጓይላ ኣትዩ፥ ክዘልልን ክዕንድርን ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ ክበሃልሲ ንበረኸት ድዩ ንመርገም ክኾነልና ዝኽእል-?! እስኪ ርግእ ኢልና ምስ ገዛእ ሕልናና ክንዛረብ ንፈትን

ብዝተረፈ እቲ ምሳና ዝጸንሐ ሕመቕ ተሰኪምና፥ ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት  ንኣትወሉ ምኽንያት ክህልወና ስለ-ዘይግባእ፥ ካብ ዝኾነ ግዜ ብዝበለጸ

                                   “-ያድኅነነ እመዓቱ፥

                               ይሰውረነ በምሕረቱ፥

                               በንተ-ማርያም ወላዲቱ-”

እናበልና፥ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ እንዅሕኩሓሉ እዋን ክኸውን ከም-ዝግባእ፥ ካብ ገዛእ ሕልናና ንላዕሊ ነቲ ዘሎ ሕሰምን መከራን፥ ክርድኦ ዝኽእል ክህሉ ኣይምተገብአን። ንሕና ግና ዓለም ብዛዕባና ምርዳእ ክሳብ ዝስእና፥ እናሞትና ንስሕቕ ሕዝቢ ኮንና ኢና ንርከብ ዘሎና። ስለዚ ድማ ኢና ኣብቲ መራኸቢ ብዙኃን ብገለ ጸሓፍቲ “-እዚኣቶምሲ ሞይቶም ከለዉ፥ ከይሞቱ ይፈርሁ-” ዝብል መግለጺ ክወሃበና ዝርከብ ዘሎ

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ዝባንና ተጻዒኑ ዝርከብ ዘሎ ጾር፥ ምስካሙ ስኢንና ከቢዱና እናሃለወ ከሎ ግና፥ ደሓን ዘሎና ክንመስል ምስ ከበሮን ጓይላን ክንውዕልን ክንሓድርን ንገብሮ ዘሎና ዕንደራ፥ ንዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና  ንርከብ ምህላውና፥ ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ምሳና ዝጸንሐ ፍርህን ሕመቕን ቅንጥጥ ኣቢልና፥ ምስቲ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ከነፋንዎ፥ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ጸጋን ትብዓትን ክህበና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ኣሜን።

ብዝተረፈ እዚ ንቕበሎ ዘሎና ዘመነ-ማርቆስ-ወንጌላዊ። መከራ ጸበባ ሕዝብና ዝውድኣሉን፥ ዓመተ ፍትሕን, ሰላምን, ራህዋን, ቅሳነትን ዝኾነሉ ዘመን ክኸውን። እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጸሎትን ዝቐርብ ዘሎ መሥዋዕትን፥ ከም ምዑዝ መሥዋዕቲ-ዕጣን፥ ኣብ ሰማየ ሰማያት ቀሪቡ፥ ኃጢኣት ሕዝብና ዝድምስስን፥ ናይ ሰማይ በረኸትን ጸጋን ምሕረትን ዘፍስስን ክኸውን ናይቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ሓዲሽ-ዓመት ድማ ይግበረልና ኣሜን-!!!  

                              ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል

                               ወለወላዲቱ ድንግል

                                ወለመስቀሉ ክቡር

   ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን

                                        ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

 

Last modified on Wednesday, 13 September 2017 14:44