Print this page

ኣይፋልካን ዶክተረ ራብዓይ ክፋል

2017-09-08 19:55:38 Written by  ሃይለ ገብሩ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2020 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ዝጥምት ኣረኣእያን ዝምባለን ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክብድሆን ክዕንቅፎን’ዩ ጸኒሑ። ንቕድሚት ዝጥምት ፕሮግራም ሒዙ ዝብድሃካ ምርካብ ጸጋ’ዩ፡ ንዘለው መራሕቲ ድኽመቶም ሓቢሩ ክመርሑ ዝኽእሉ ብቑዓት መተካእታ ዘቕርበልካ ኣካል ምርካብ ውን ጸጋ እዩ። ከምዚ ዝመስል መንገዲ ገዲፉ ንድሕሪት እናጠመተ ኣብ ካልኣዊ ጉዳያት ኣተኩሩ ዘረባታት እናኣራረየ ክቋየቚ ደስ ዝብሎ ኣካል ክትርኢ ከለኻ ግን የሕዝን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ከኣ ካብኣዚኻ እተኽብሮ ዝነበርካ ኣካል ክመጸእ ከሎ ተወሳኺ ሓዘን እዩ።

 ኣብ ኣገባብ ኣቀላልስና ኣብ’ቲ ተስፋ ዝህብ እምበር ኣብቲ ተስፋ ዘቑርጽ  ሕልና ዘዕርብ ኩምራ ኣሉታ ዝጽብጽብ ገጽና ምትዃር ፍጹም ንቓልስና ኣየዓውቶን እዩ። ብኣሉታዊ መንፈስ ንድሕሪት ዝስሕበና፡ ዓንቃፊ ግደ’ዩ ዝጻወት። ብኣወንታዊ መንፈስ ንቕድሚት ዝውጥጥ ሓሳብ ዘቕርብ ግን ንዓወትና ኣብ ምቅልጣፍ ኣገዳሲ ተራ ዝጸወት ኣካል እዩ። ብመትከል ከይንጋገ ዓወትና ከነቀላጥፍ ምእንትን እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ ንድሕሪት ንቕድሚት’ና ክንጥምት ዝግብኣና። ዝበዝሕ ትኽረቱ ኣብ ኣሉታን ኣብ ድኽመትን ዝገብር ኣካል፡ ንነብሱ ደኺሙ ንኻልኦት ዘድክም ዕሩብ ሕልና እዩ። እቲ ንዘረጋገጽካዮ መኽሰባት ኣዕዚዙ ዝምልከት፡ ነቲ ዕቑር ጌና ዘይወጸ ጸጋታትካን ዓቕምታትካን ከለልዮን ከስተውዕሎን ዓቕምን ብቕዓትን ዝረኸበ  ግን፡ ንነብሱ ኣበራቢሩ ንኻልኦት ኣብ ምብርባር ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ዝኽእል ሰውራዊ ኣካል እዩ። ኣብ ሞንጐ’ዚ ክልትኡ ዘሎ ፍልልይ ኣለሊኻ ኣብ ቃልሲ ዝህልውካ ቦታ ንምስራዕ ዝውስን ከኣ  ውልቃዊ ምርጫ  እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣውጺእዎ ዘሎ እማመ ሓድነት

- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመላእ ደምበ ተቓውሞ ሓቢሩ ንኽሰርሕ ዝጽውዕ እማመ ቀሪቡ ኣሎ።ቀንዲ ትሕዝቶ እቲ እማመ “ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ” ዝብል እዩ። እዚ ድማ ኩሉ ዓቕምና ኣብ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ከተኩር ዝዕድም እዩ።

- መንፈስ እማመና ንውሽጥና ይኹን ንግዳም ዝምልከት እዩ። ኣብ ውሽጣና ንሓባራዊ ስራሕ ዝምችእ ኩነታት ክንፈጥር ዝሓተናን ዝብድሃናን እዩ። ኩሉ ዓቕሚ ሰልፍና ኣብ ምዕዋት ዕማም እዋንና ከነዋፍሮ ዝጠልበና እዩ።

- እቶም ኣብ “ውሽጥኻ ዘሎ ሽግር ከይፈታሕካስ ኣብ ግዳም ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ምፍታን” ብምባል ዝኸሱ፡ ገሊኦም ብግርህና ክኾኑ ከለው እቶም ገሊኦም ግን ተንኮል ተተርኢሶም ብመደብ ዝብልዎ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዳም ይኹን ኣብ ውሽጥና ኩሉ ዓቕምና ኣብ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ከተኩር’ዩ ዝደሊ ዘሎ። እቶም ኣብ ውሽጥና ኮይኖም ንድሕሪት እናጠመቱ ብኻልኣዊ ጉዳያት ኮለል ከብሉና ዝደልዩ ክእረሙ’ዩ ጻዋዒትና። ንቕድሚት እናጠመቱ ኩሉ ዓቕሞም ኣብ ዕማም መድረኽና ከተኩር’ዩ ምኽርና።

- ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ይኹን ኣብ ግዳም “ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ” እዩ ጭርሖና። እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ ብኻልኣዊ ጉዳያት ተበታቲንና ዓቕምና እነባኽን ፡ ንቐዳማዊ ዕማማት ኣብ ቀዳማይ ቦታ ክንሰርዖም፡ ንኻልኣዊ ጉዳያት ድማ ካልኣዊ ቦታ ሂብና ሓድነትና ሓሊና ብኣድማዒ ኣገባብ ክንሰርሕ  ዝጽውዕ ብሱል ኣገባብ ኣቀላልሳ እዩ።

ጉዳይ ታሪኽ

ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ንጉዳይ ታሪኽ ንድሕሪት ገዲፍና ኣብ ህሉውን መጻእን ዕማማት ከነተኩር’ዩ መደብና። እቶም ኣሉታዊ ክሲ ዝፈትው ግን ዘረባታት ክኣራርዩ እናወዓሉ ብፍላይ “እቶም ድሕረ ባይቶኦም ጀብሃ ዝነበሩ ወይ ሰውራዊ ባይቶ” ዝነበሩ በዚ መንፈስ’ዚ ከምዘይቅየዱ ከርእዩ ይፍትኑ። ንኽሶም ከራጉዱ ድማ ንዝኾነ ዝርከብ ሽግር ምስ ሕቶ ድሕረ ባይታት ከተኣሳስርዎ ይፍትኑ። እዚ ዘንባዕ ኣረኣእያ ግን ንታሪኻዊ ሓቅታት  እናደፈነ፡ ጉጉይ መንፈስ ክዘርእ ዝሕልን እዩ። ሓደ ካብ’ቶም ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቖሙ ኣካላት ማለት ንታሪኽ ስልፊ ህዝቢ ክንርኢ እንተፈተንና፡ ካብ’ዚ ሎሚ ንድሕሪት ክመልስና ዝደሊ ክትዕ ንምውጻእ እንታይ ጻዕሪ ከምእተገብረ ክንርኢ ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

- ሰውራዊ ባይቶ ታሪኻዊ መዋእሉ ከም ዘብቅዐ መዚኑ ሓዲሽ ንእዋንና ዝስማማዕ ስርርዕ ከም ዘድሊ ዓጊቡ ምስ ተበገሰ፡ ንሕቶ ታሪኽ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ’ዩ ተመልኪትዎ። ታሪኽ ጀብሃ ታሪኽ ሻዕብያ ታሪኽ ኩለን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃመን ዘበርከታ ውድባትን ታሪኽና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኢሉ። ከምዚ ዝመስል ሚዛን ከቐምጥ ዘድለዮ፡ እቶም ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ኣንጻር ምልኪ ንቃለስ ዘለና ብስሚዒታት ሕሉፍ ታሪኽ ከይተቐየድና ብህሉውን መጻእን ዕማማት ሃገርና ተሰማሚዕና ክንሰርሕ ምእንቲ እዩ።

- ነዚ ባይታ’ዚ ሒዙ ዝተመስረተ ሰልፊ ህዝቢ እምበኣር ምስ እተፈላለየ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሓቢሩ ንኽሰርሕን ሓደ ውድብ ክምስርትን ዘብቀዖ ከምዚ ዝመስል ክለሳ ሓሳባዊ ዕጥቂ ዓጢቑ ብምንባሩ እዩ። ነዚ ዕጥቂ’ዚ ሒዙ’ዩ ኣብ ምቛም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እጃሙ ዘበርከተ። ነዚ ዘኹርዕ ታሪኽ ብዘንባዕ ኣገባብ ከቕርቦ ዝድሊ፡ ልዕሊ እቶም ኣብ ምቛምን ምዕዋትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓብይ እጃም ዘበርከቱ መራሕትን ኣባላትን መሲሉ ዘንባዕ ታሪኽ ዘዘንቱን ዝኸስስን ታሪኻዊ ገበን ዝፍጽም ዘሎ ኣካል እዩ።

ሎሚ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘለና ኣባላት፡ ኣባላት ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ፍጹም ኣይኮናን። ታሪኽ ጀብሃ ታሪኽ ሻዕብያ ታሪኽ ኩለን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እተቃለሳ ውድባትን ታሪኽና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እንኣምን፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢና። ኣብ ታሪኽና ዝርከብ ኣሉታዊ ጐኑ ይኹን ኣወንታዊ፡ ታሪኽ ህዝብና ካብ ኮነ ናትና’ዩ ታሪኽና እዩ። ከም ህዝቢ ካብ ኣሉታዊ ታሪኽና ተማሂርና ኣወንታዊ መኽሰባትና እናሓለና ንቅድሚት ክንስጉም’ዩ ዘለና።

- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ከምዚ ዝመስል ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ጨቢጦም ብብስለት ዝቃለሱ ኣባላት ዝርከብዎ ሰልፊ እዩ። ድሕረ ባይታኡ ሻዕብያ ዝኾነ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ፡ ብጻይና ረዘነ ተስፋጽየንን፡ ድሕረ ባይታኣ ሻዕብያ ዝኾነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራን ነዚ ብሑሉፍ ታሪኽ ዘይቅየድን ንቕድሚት ዝጥምት ኣውንታዊ መንፈስ ዘንጸባርቕ መደረ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ከቕርቡ ምሰ ሰማዕኩ፡ እቶም ኣሉታዊ ቅናት ተቐኒቶም ብብዙሕ ቃላት ንመልክዕና ክድውንዎ ዝሕልኑ ክሰልጦም ከምዘይኮነ ብልቢ’የ ዓጊበ ።

- ንድሕሪት እናጠምተ፡ ንድሕሪት ክጐተና ዝሕልን ዝምባለ ከየለለናዮ ዝገበሮ ጉድኣት ኣብ’ዚ ዘለናዮ ደረጃ ኣብጺሑና እዩ። ደጊም ግን ይኣክል ከምኡ ዝመስል ጸወታ ከነፍቅድ ኣይግብኣናን። ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና ዝእዝዞ፡ ኣብ ህልውን መጻእን ዕማማት ሃገርናን ሰልፍናን ኣተኲሩ ብኣወንታዊ መንፈስ ተመሪሑ ዝቃለስን ዘቃልስን እዩ፡ ኣብ’ቲ ብዕግበትና መዚንና ዝሰገርናዮን ኣሉታዊ ታሪኻዊ ዶሮና ፈፈው ዝብል ኣይኮነን።

ክቕጽል እዩ

Last modified on Friday, 08 September 2017 22:05