Print this page

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፣ ባሕቲ መስከረም ኣኽቢሮም።

2017-09-07 17:21:33 Written by  ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1946 times
Rate this item
(0 votes)

ባሕቲ መስከረም ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራን ህዝባን ዝትጀመረላ ዕለት እያ ። እዛ ናይ መጀመርታ ታሪኻዊት ዕለት (01-09-1961) ኣብ ኣምስተርዳም ብማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፣ ብኣኽብሮትን ኣድናቖትን ብዕለት 03-09-2017 ተዘኪራ ውዒላ።

ከምኡ ውን ነቶም ኩሎም ካብ መጀመርታ ዕለት ቃልሲ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ፣ ብዘይ ናጽነትን ሓርነትን ክብረት  የለን ብምባል ብሉጽ ህይወቶም ከይበቐቑ ንኤርትራን ህዝባን ዝወፈዩን፣ ነቶም ገና ውን ኣብ ቃልሲ ዘለውን ብኣኽብሮትን እድናቖትን ተዘኪሮም ውዒሎም።  ነቲ ዝተቓለስዎ ዕላማ ኣብ ናይ መጨረሻ ሽቶኡ ንምብጻሕ ከኒ እዚ ናይ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እንታይ ጊደ ክህልዎ ኣለዎ ብዝብል እርእስቲ ደማ ዘትዩም ።

ምኽንያቱ ንሕና ኤርትራውያን ካሳብ ሎሚ መራሒና ኢልና ቆጽሊ ዘንበረናሉ መራሒ ሀገር የብልናን ። ብኣንጻሩ ግን ባዕዳውያን ይኹኑ ፣ ደቂ ሃገር ፣ ኣነ እየ ዝመርሓካ ፣ ዝበልኩኻ ተኣዘዝ ፣ መሰልካ ኣይትሕተት ፣ እናበሉ ኣደዳ ስቓይን መከራን ስደትን ገይሮምና ኣለዉ ። ስለዚ ሕጂ ወን ከምቲ ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ፣ ኣሕዋትናን ኣሐትናን ዝጀመርዎ ቃልሲ ፣ ብዘይካ መሉእ ናጽነትን ሓርነትን ክብረት የለን እሞ ፣ ንሓርነትናን ናጽነትናን ብኹሉ መገዲ ክሳብ መጨረሻ ክንቃለስ ኣለና ብምባል ፣ ድሕሪ እዛ እብ ታሕቲ ዘላ ጽሕፍቲ፣ ብእቦወንበር ማሕበር ምንባብ መደብ ተዛዘመ።

ቃል ኣቦ ወንበር ።

ዝኽበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ብሓፈሻ።

እቐዲመ ብስመይን ብስም ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ስላምታን እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ይብል። ብምቕጻል ድማ ሎሚ ኣብዚ ተረኺብና ዘለና መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ንምዝካር እዩ። ከመይሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻታቲሎም ንዝረገጽዎ ባዕዳውያን ገዛእቲ ፣ ንዝተመዝዔ ሃገራዊ ናጽነቱ ንምምላስን ሰብእዊ ክብሩ ንምርግጋጽን ፣ ወለዶ ብወለዶ ፣ እናተታካክኤ ፣ መዘና ዘይብሉ መስዋእትን ቃልስን እዩ እካይዱ። ኩሎም እቶም ናይ ሰላማዊ መገድታት ምስ ተዓጸውዎ ብ መስከረም 01-09-1961 ብመሪሕነት ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ሕትኡ ብናይ ብረት ዓመጽ ኣወጀ ። መስከረም ሓደ ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ ብናይ ነዊሕ ሕልሚ ናጽነት መርየትን ህዝብን ኤርትራ ዝኣወጀ ብመሪርን ተኸታተልቲ ጽንዓትን መስዋእትን ክስገሩ ዝተተለሙ ከኣ እዮም 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም. ብናይ ዓወት ብስራት ዝተደምደሙ።

ከምይሲ ንሂወቱ ማዕረቶም ብናጽነቶም ሰብኣዊ ክብሮም ኮሪዖም ዝነብሩ ናይ ዓለም ኣህዛብ ዝሰርዓላ ፣ መቐረት ሰላምን ርግኣትን ቅሳነትን ዘስተማቕረላ ፣ ነብሱ ብነሱ ዘማሓድረላ ፣ ናይ ገዛእ ርእሱን ሃብትን ተጠቃምን ኣፍራይን ዝኾነላ ፣ ብዘይ ሙዩቕታን ፍርሕን እስተርሕዩ ዝነብረላ ሃገር ክትህልዎ ኢዩ ኩሉ ዝውንኖ መስዋኣቲ ዝኸፈለ።

ይኹን ምበር እንተ ብዕሽነትና እንተ ብግርህነትና ሎሚ ካብ ባዕዳዊ ዘይሃይሽ ወዲ ዓዲ ጌና ህዝብና ኣብ ስቓይን መከራን ምህላውና ጥራይ ዘይኮነስ ሃገር ወን ኣብ ሓደጋ ሃልያ ኣድሕኑኒ ትብል ምህላዋ ንቐባራይ ምርዳእ ወን ሰለዝኾነ ፣ ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርና ምዝራብ ትርጉም የብሉን ፣ የግዳስ ናይ ሎሚ ቀዳምነት ዝስራዕ ዕማም እጃምና ንምብርካት መድረኽ ይጽውዓና ኣሎ።

ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ማዕርነትን ክዕወት እዩ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና። 

Last modified on Thursday, 07 September 2017 19:24