Print this page

ኣይፋልካን ዶክተረ ሳልሳይ ክፋል

2017-09-03 18:23:28 Written by  ሃይለ ገብሩ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2002 times
Rate this item
(0 votes)

ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓነውነው እናበልካ፡ ነቲ ብሕጊ እተመርጸ መሪሕነትን ውሳኔታቱን እናኣነኣስካ፡ ብዛዕባ ሓድነት ሰልፊ ተገዳሲ መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን ንብዙሓት ከታልል ዝኽእል ሜላ ኣይኮነን። ሓድነት ሰልፊ ነቲ ኣብ ጉባኤ እተሓንጸጸ ዕላማን፡ ነቲ ብጉባኤ ዝጸደቐ ቅርጺ ኣሰራርሓን፡ ነቲ ብጉባኤ እተመርጸ መርሕነት እሙን ኮንካ’ዩ ዝረጋገጋጽ። ካብ ሰልፋዊ ኣሰራርሓ ወጺእካ ኣብ ወብሳይታት ክትራገምን ከተቆናጽብን ብምውዓል ሓድነት ሰልፊ ክሕሎን ክኽበርን ኣይክእልን እዩ።

                                      “ሎሚ ውን ከምትማሊ ንሰልፋዊ ሓድነት ንጽዓት”             

- ኣብ ዝኾነ ሰልፊ ፍልልይ ሓሳባት ክርከብ ንቡር እዩ። በዚ ምኽንያት ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ፍልልያት ከመይ ገይሮም ክእለዩ ከምዘለዎም ሕግታት ከቐምጥ ግድን እዩ። ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ንሰልፍናን ሃገርናን ዝምልከት ሕቶታት ክትመያየጥ ክትሰማማዕ ይኹን ክትፈላለ ይከኣል እዩ። ሓድነት ሰልፊ ዝሕሎ ከኣ ምስ ፍልልይካ ንሕግን ኣሰራርሓን ሰልፊ ክትምእዘዝ ከለኻ እዩ። ውሳኔታት ጉባኤ ይኹን መሪሕነት ብብዝሒ ድምጺ ክሓልፍ ከም ሕግና ዘጽደቕናዮ ድማ፡ ኣብ ሰልፍና ፍልልይ ክህሉ ንቡር ስለ ዝቆጸርናዮ እዩ።

- ብብዝሒ ድምጺ ውሳኔ ምሕላፍ እምበኣር፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ንምውጋን ፍልልያትና እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጉባኤ ይኹን ኣብ ኣኼባ መሪሕነት፡ ጻዕርና ብስምምዕ ውሳኔ ክሓልፍ እዩ። ስምምዕ ምብጻሕ ተሳኢኑ ግዜ ምስ ተመጠ ግን፡ ብድምጺ ውሳኔ ነሕልፍ። ዝበዝሑ ዘድመጽሉ ጉዳይ ከኣ ውሳኔ ጉባኤ ወይ መሪሕነት ይኸውን።

- ካብዚ ብጉባኤና ዘጽደቕናዮ ኣገባብ ወጺእካ ምስራሕ፡ ንሓድነት ሰልፍና ትማሊ ኣይሓለወን ሎሚ ውን ክሕሉ ኣይኮነን ንጽባሕ ውን ክሕሉ ኣይክእልን እዩ። ፍልልያት ኣብ ሕግን ኣሰራርሓን ሰልፊ ኮንካ ኢኻ ክትውግኖም እትጽዕት፡ ካብኡ ውጺእካ ካልእ ንሕግና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ኣገባብ ብምትእትታው ኣይኮነን።

- ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከምዝገለጽክዎ፡ ንማእከላይ ባይቶ ክብድህ ዝደሊ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ህጹጽ ጉባኤ ምጽዋዕ ዘድሊ ከኣ ጉባኤ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ሰልፍና ብምዃኑ እዩ። ጉባኤ፡ ንውሳኔታትን ኣካይዳን ማእከላይ ባይቶ ክመዝንን ክፈርድን ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። ንዝነበረ ማእከላይ ባይቶ ሰሪዙ መተካእትኡ ከቕምጥ ይኽእል እዩ። በዚ መንገዲ’ዚ ዝሓስብን ዝሰርሕን፡ መሪሕነት ሰልፊ ካብ ቅዋም ሰልፊ ወጺኡ ኮይኑ እንተተሰሚዕዎ ውን፡ ንሓድነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝፈታተን ምንቅስቓስ ገጹ ኣይከይድን እዩ። ነብሱ ኣብ ቦታ ጉባኤ ኣቐሚጡ፡ ንውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ብእደ ወነኑ ኣይሕጋውን ኢሉ ክስርዝ  ኣይፍትንን እዩ። ሕጊ ሰልፍና ተኸቲሉ ግን ንውሳኔ መሪሕነት ክብድህ ዘኽእሎ መንገዲ ህሉው እዩ።

- ማእከላይ ባይቶ ቅዋም ጥሒሱ ኢሉ ዝኣምን ኣካል፡ ከምኡ ዝኣመሰለ እምነት ምጥራዩ ኣብ ሰልፍና ከምጸገም ኣይንርእዮን ኢና። መሪሕነት ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ ኢሉ ዝኣምን ኣካል ግን፡ ህጹጽ ኮንፈረንስ ዘይኮነ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ፍርቂ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሕነት ካብ ቅዋም ከምዝወጸ ዝኣምኑ እንተድኣኾይኖም ከኣ፡ ብሕግና መሰረት ማእከላይ ባይቶ ህጹጽ ጉባኤ ክጽውዕ ግዱድ እዩ። መሪሕነት ቅዋም ሰልፊ ጥሒሱ እናበልካ ግን፡ ሰልፊ ለኸ ኮንፈረንስ ምጽዋዕ ንሽግርና መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

- ብጀካ ጉባኤ ንውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ቀይሩ ውሳኔ ከሕልፍ ዝኽእል ኣካል ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ኮንፈረንስ ይኹን ሰሚናር ንመሪሕነት ለበዋ ካብ ምሃብ ዝሓልፍ ኣይኮነን። መሪሕነት ካብ ሕጊ ወጺኡ ዝብል እምነት ዘለዎ ኣካል እምበኣር፡ ውሳኔ ዘየሕልፍ ህጹጽ ኮንፈረንስ ዘይኮነ ህጹጽ ጉባኤ’ዩ ክጽውዕ ዘለዎ። ሓድነት ሰልፊ ከኣ በቲ ጉባኤ ዘቐመጦ ኣገባብ ኣፈታትሓን ኣተኣላልያን ጉዳያት ጥራይ’ዩ ዝሕሎ። ካብኡ እናወጻእካ ሓላውን ተሓላቕን ሓድነት ክትከውን ኣይከኣልን እዩ።

- ሓድነት ሰልፍና ከም ዓይኒ ብለን እና እንሕልዎ። ንሕግናን ነቲ ብሕጊ ዝወጸ መሪሕነትናን እናቖናጸበ ንሓድነትና ዝፈታተን ማዕበል ክመጸና ከሎ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ሕግናን ውሳኔታት መሪሕነትናን ኮንና እና ክንምክቶ ዘለና። ሓንሳብ ብድሕረ ባይታት፡ ንሓሳብ ብምዕራባውን ብምብራቓውን፡ ንሓንሳብ ንሕግን ነቲ ብሕጊ ዝመጸ መሪሕነት ብምፍልላይ፡ ንሓሳብ ከኣ ሓንጋርን ተሓንጋርን ብዝብል ኣምራት ንሰልፍና ክበታትን ዝደሊ ፍጹም ከነፍቅደሉ ኣይኮንናን።

ክቕጽል እዩ

Last modified on Sunday, 03 September 2017 20:27