Print this page

ሕጅ ውን ይከኣል‘ዩ

2017-08-31 20:09:36 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2004 times
Rate this item
(0 votes)

ባሕቲ መስከረም ብኩሎም ብግእዝ ዝቘጽሩ ኣህዛብ፡ ሓደ ዓመት ወዲእና ናብ ሓድሽ ዓመት ንሰጋገረላ መጀመርያ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡ ንመዋእል  ዓመት መጸ ብኽብሪ እትጽንበል ዕለትያ። ንኤርትራውያን ግን፡ ነቲ ብዓመጽቲ ዝተወስደ ናጽነትናን ዝተገፈ መሰልናን ካብ ኢድ ባዕዳውያን  መንዚዕና ንምምላስ ሓቦን ሃገራዊ ኒሕን ኣስኒቓ ንወፍሪ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘበገሰት ስለ ዝዀነት፡ ድርብ  ትርጉም ዘለዋ  ብዓቢ ክብርን ድምቀትን እነብዕላ ዕለት እያ።

እታ ብሓደ መስከረም 61 ዝተወልዐት ጀማሪት ቊልዒ፡ ድሌቱን ባህጉን ንምርግጋጽ ዝዓለመት ምዃና ዝኣመነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘደንቕ ቅልጣፈ  ኣብ ሰውርኡ ስለ ዝዓሰለ፡ ነታ ቍልዒ ናብ ዘቃጽል ባርዕ ሓዊ ኣሰጋጊሩ ክቡር ዋጋ እናኸፈለ፡ ንኩሉ ጊንጢ መሰናኽላትን ተጻብኦታትን በዲሁ ሓይሊ ምኩሓት ጸራሪጉ ብርሃን ናጽነት ብምርግጋጽ ብዓወት ተመጒሱ።

እንተዀነ ከም ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ዝብልዎ ምስላ፡ ፍረ ስዉኣትና ዝዀነት ናጽነት ብውሑዳት ሕቡእ ኣጀንዳ ዝነበሮምን ዘለዎምን  ስሱዓት ጉጅለ ... ተጨውያ፡ መኣዝና ስሒታ ብምህውታት ኣብ ክንዲ ንልምዓት ዕቤትን፡ ንዕንወትን ብርሰትን ተፈሪዳ፡ ሃገር ኣብ መዋጽኦ ዘይብሉ ሓደጋ፡ ህዝቢ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ዘሕዝን ጉዕዞ ምብትታን ወዲቑ ኣብ ምሉእ ዕድሜኡ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ሕሱም ናብራ የሕልፍ ኣሎ። ተመክሮ ዕጥቃዊ ቃልስና ከም ዘነጽሮ ግን  ዓመጽትን ግፍዐኛታትን ዝሃለወ  ሓይሊ ወይ ዓቕሚ ይሃልዎም  ብዘየገድስ፡ ብደለይቲ ፍትሒ ካብ ዝልዓል  ቃልሲ ንክስዓሩ ከድሕኖም ከም ዘይክእል እዩ።

እዚ መምህርን ዋናን ናይ ተመክሮ ዝዀነ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ክትነብሮ ዘይኮነስ ኣብ ክትሰምዖ ዘሕዝን ኩነታት ተሸሚሙ እናሃለወ ፡ፍትሒ ንምምጻእ ኣብ ዝዓለመ ኣድማዒ ተቓውሞ፡ ብሓባርን ብጥዑይ መንፈስን ክለዓል ዘይምኽኣሉ፡ ንዓናስ ይትረፍ ንተዓብትናውን ዘገረመዩ፡ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኰነን። እዚ ዘይኢዱ ዝተፈድዬ ጅግናን ፍትሓውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዛ ሕጂ ዘለዋ ህይወት ንምውጻእ ናይ ካልኦት ሞራላዊ ሓገዝ ኣየድልዮን እንተዘይተባህለ ነዚ ጋኒን ስርዓት ናይ ምልጋስ ግን ሓፍነቱ ምዃኑ ንምርድኡ ብዘየጸግም ግሉጽ መንገዲ ጥፍኣት ይጉዓዝ ምህላዉ ኣሚኑ ንለውጢ ክዕጠቕ  ይግባእ።

ሎሚ ሃገር ኣብ ክትድሕነሉ ዘጸግም ገምገም ጸድፊ እናሃለወት ኣብ ማይ ቀጠነኒ ዝዓይነቱ ደቂቕን ድሕሪ ድሕነት ሃገር ክዝረበሉ ዝግባእ ጉዳያትን እናልዓልካ፡  ነንሕድሕድካ ኣብ ምውንጃል ጊዜኻ ምብኻን፡ ንመስርሕ ፍትሓዊ ለውጢ ዘደናጒን ዘይሓላፍነታውን፡ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንበሃልቱውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘእቱ ግጉይ ኣስራርሓ እዩ።  

እዚ 26 ዓመታት ኣብ እንግድዓና ተጻዒኑ ዘሳቕየና ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ካብቶም ብሓባራዊ ቅልጽምና ዝተሳዕሩ ባዕዳውያን ዝሓየለ ወይ ብምሕደራ ስለ ዝሓሸ ዘይኰነስ  ድኹም ኣሰራርሓ ደምበ ተቃውሞ ዝመጽወተሉ ወርቃዊ ዕድል ስለ ዝረኸበ እዩ።

ካብዚ ሓቅታት ተብጊስካ ክርኤ ከሎ አምበኣር፡ ስርዓት ... ብሕሉፍ ጭካኔኡን ግዕዘይ ምሕደርኡን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዝፈጸሞ ገበንን ሃገራዊ ብርሰትን ብሓላፍነት ክሕተት ከሎ፡ እቶም ናይ ተቓውሞ ካባ ለቢስና ንለውጢ አንዝምር ግን ከኣ፡ ካብ ወጋኢት ላም ዘይነድሕን ደምበ ተቓውሞ፡ ካብ ስርዓት  እንፍለየሉ መንገዲ እንተልዩ፡ ተመክሮና ብግቡእ ገምጊምና ሕዱር ሕማማትና ፈዊስና፡ ኣብ ዓወት ዝወስድ መደብ ዕዮ ቀሪጽና ብሓባር ሰሪሕና ሃገር ንምድሓን ዘሎና ዕድል፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ክንጥቀመሉ ምስ እንኽእል ጥራሕምበር፡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብረና ሕጋዊ መሕብኢ ከም ዘየልቦ ክንፈልጥ ግድንዩ።

እዛ ሎሚ እንጽብላ መበል 56 ዓመት ሓደ መስከረም እምበኣር፡ ነቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልስና ዝተፈጸመ ጅግንነት ዳግማይ ብምሕዳስ፡ እወ ሕጅውን ይከኣል ኢልና ሃገርና ካብ ውድቀት ህዝብና ድማ ካብ ክፉእ ናብራ ባርነት ንምድሓንን ሕድሪ ስዉኣትና ከነኽብር ቃልና እንሐድሰላ ዕለት ክትከውን ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና

ልዑል ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ስዕረትን ዕንወትን ንስርዓታት ጭቆና።

  

Last modified on Thursday, 31 August 2017 22:15