Print this page

ናይ ደገፍ መልእኽቲ ንሰፊሕ ባዓል ኤርትራ 2017 ፍራንክፈርት, 05.08.17

2017-08-08 23:06:31 Written by  ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ! Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2345 times
Rate this item
(0 votes)

ክቡራት አስናዳእቲ ሽማገለን አባላት ኤርትራዊ ደሞክርስያዊ ማሕበር ጀርመን! ክቡራት መራሕቲን አባላትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ! ክቡራት ዕዱማት አጋይሽ!


አቀዲምና አብዚ ዓመታዊ ባዕልኩም ክንሳተፍ ዝገበርኩምልና ዕድመ ብስም ውድብና ሰውራዊ ደሞክርስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ከነመስግነኩም ንፈቱ። ቀጺልና ድማ ባዓልኩም ከምቲ ብስሙ ዝሕብሮ ናይ ኩልና ተቓልስቲ ኤርትራውያን ባዓል ኮይኑ፡ ብድሙቕ ናይ ቃልሲ ወኒ ተሰነ'ዩ ክውጽእ ዘሎና ሰናይ ትምኒት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብአካል አብዚ ምስኹም ተራኺብና ንቃልሲ ክሕግዝ ዝኽእል አስተዋጽኦ ክንገብር ከም ሃገራዊ ግደታና ገርና ከም እንውስዶ፡ በዚ አጋጣሚ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

Kibraab Misgna 2017

ኣቶ ክብራኣብ ምስግና

ኩቡራትን ኩቡራንን ተቓለስቲ ሰልፊ ደሞክራስያ ህዝቢ ኤርትራ! ከምኡ ድማ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራን ፖሎትካዊ ውድባቱን! ኩነታት ህዝብናን ሃገናን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ካብ ሕማቕ ናብ ዝሐመቐ ብናህሪ የንቆልቅል ከም ዘሎ ምንጋር ዘይድልዮ ብሩህ ነገር'ዩ። ብኸም'ዚ ዝኸዶ ዘሎ ቅልጣፈ እንተ ደአ ቀጺሉ ከአ ካብ ዛሕዛሕ ዝበለ ህዝብን ካብ ንፍሽለት ዝተቓልዔት ሃገርን ምህላው ሐሉፉ ካልእ ክትርኢ ኢልካ ምጽባይ ተራ የዋህነት ካብ ምዃን ሐሊፉ ካልእ ክባህል አይከአልን። አንጻላልዩና ዘሎ ከቢድ ሐደጋ ናብ ህዝብናን ሃገርናን ዝቐንዔ ስለ ዝኾነ፡ ናይዚ ሐደጋ መጥቃዕቲ ሰለባ ስለ ዝኾና ከአ ኣብ ወጥሪ ተጸሚድና ንርከብ አሎና። ነዚ ሐደጋ'ዚ ዝዓጽፍ ብንጹር ራእይን ውሕሉል ጥብበብን ዝተሰነየ ቃልሲ እንተ ዘይአካይድና ከአ ብለበዳ ረመጽ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህገደፍ ተለብሊብና በቢተራ ውድቀትናን ሕለፈተ ሞትናን ካብ ምቕባልን ምጽባይን ካልእ መማረጺ የብልናን። እዚ ስለ ዝኾነ ከአ መፍቲሒ ናይ ሽግርና ቃልሲ ምዃኑ ፈልጥና አሚናን ከነብቅዕ፡ ቃልሲና ግን አንጻር ጸላኢና ክንድቲ ክንከዶ ዝግባእ ርሕቀት ክንከይድ ወይ ድማ ከነፍሪ ከም ዘይ ከኣልናን ብግብሪ፡ አብ ገገዛና ወይ አአብ ፖሎቲካዊ ውድባትና ሕሪሕራይ ገርና ተሞኪርና አሎና። ቀንዲ ጸላኢና ርእሰ ፋሽሽቲ ኢሰያስን ጉጅለ ህግደፍን ኮይኖም፡ እዚኦም እቕረ ዘይብሃሎም ጸረ ህዝባዊ ባህርያቶም ባዕሉ ዝነግረሎም'ዩ። ብዛዕባዚኦም ምምራር ጊዚኡ ሐሊፉ እዩ። ከፊኡና ዘሎ ካብ'ዚ ውርድ ኢልካ ዝረአ ኣብ ውሽጥና ንመዋእል ተሰኪምናዮ ክንከይድ ዝጸናሕና ድሑር አታሓሳስባ፡ ትምክሕትን ጽበትን ዚሰረቱ፡ ንቕድም ገጽና ፍሕት ከይንብል ዓጊቱ ሒዙና ከም ዘሎ፡ ብጭቡጥ ኣብ ባይታ ጎሊሑ ዝረኤ ዘሎ ክኽወል ዘይክእል ኩነታትና'ዩ። ነዚ አብነት ኮይኑ ክቐርብ ዝግብኦ ኣታሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ'ዩ። አብ ውሽጢ ነብሲ ወከፍ ውድባትና አትዩ ዘሎ ናይ ምፍልላይ ሕማም ከም ብጉልሐይ ዝተለኽፋ ከብቲ ኮና አብ ፈቐድኡ ንሰሐግ አሎና። ናይ እዚ ለበዳ'ዚ መበገሲኡን ወይ ድማ ዋንኡ መን ምዃኑን ንምጽራይ አኣብ ገዛና እነካይዶ ምዑት ውሽጣዊ ቃልሲ ዝግበር ሐደ ነገር ኮይኑ፡ መፍትሒኡን ኣታሓሕዝኡን ድማ ንቃልሲ ብዘገልግል ሕድሕዳዊ ምትእምማን ትንፋስ ዝመልስ ገርና ምምላሱን ምሓዙን ከድልየና'ዩ። እዚ ምግባር ማለት ንህዝቢ አብ ቃልሲ ተአማሚኑ ተርኡ ክጻውት ዝዕድምን ዘተባብዕን ምዃኑ ተገንዚብና ህጹጽ ፍታሕ ክንገብረሉ ከአ የድሊ። ብኸም'ዚ ዘለናዮ ምቕጻል ግን ይአክል ክባሃል ኣሎዎ።


ውድብና ሰደግኤ ብለካቲት17-21. 2017 አብ ናይ 7ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ዘሕሎፎም ውሳነታት ሐደ፡ አድላይነትን ህጹጽነትን ምምስራት ሰፊሕ ሕብረ ብሔራዊ ግንባር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ጸረ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘቕነዐ፡ ህዝብታትና ተሳትፎኦም ዝስሕብን እምነት ዘንብረሎም ዝኽእልን ኢሉ ዝአምኖም፡ ብዝርዝር አውጁ'ዩ። ነዚ ዓቢ ጉዳይ'ዚ ውራየይ ኢሉ ተዓጢቕሉን ክዛተን ከአ አብ ምድላው ተዋፊሩ ይርከብ ከምዘሎ ደጊምና ክንሕብር ንፈቱ።


መልእኽትና ነዚ ኩቡር ባዓል'ዚ ዘዳለኹም አባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ውድብኩም ኪኖ'ዚ ባዓል'ዚ ከይዱ ንናይ ሐባር ስርሓት አመልኪቱ አውጽእዎ ዘሎ እማመ በዚ ጀሚርዎ ዘሎ ትብዓት ጸኒዑ ምስ ተቓውምቲ ውድባት አብ ዘተ ልዝብን አትዩ፡ ሐባራዊ ፍታሕ ንምርካብ ክራባረብ ግዜ ከይውሰደ ብተግባር ክሰርሕን ምጅምር ወሳኒ እዩ ባህልቲ እና። ከም ተብግሶ ክተባባዕ ክአ ይግባእ። ልዕሊ'ዚ ተቢዑ ከአ አብ ደምበ ተቓውሞ ናይ ሓባር ጽላል ንምህላው ዝግበር ዘሎ ናይ ቃልሲ ጥምጥም ተሳትፍኡ አረጋጊጹ አውንታዊ ተርኡ ክጻወት ትጽቢት ይግብረሉ። ካልኦት እቶም ተወዲብና ንቃለስ ዘሎና ሐይልታትን ከአ ከምኡ አብዚ መዳይ'ዚ እጃምና ከነልዕል ሃገራዊ ግድታና'ዩ። አብ መብዛሕትኡ ደምበ ተቓውሞ አብ ጉዳይ ሐድነት ዘሎ ዝጸንሐን ግጉይ አረዳድአ፡ ብፕሮግራም ዝፈላለያ ውድባት ክሐብራ ከም ዘይክእላ ፈልጥና፡ ግን ድማ ህዝቢ ብስፍሓት ኣብ ቃልሲ ተሳቲፉ ቅልጽሙ አታሓባቢሩ ንቃልሱ ከሕይል ዝኽእል ቅኑዕ አንፈት ክሕዝ ምግባር ውድባት ክተሓባበራን ሐቢረን ክሰርሓን ይግባእ። ስለዚ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ናይ ሐድነት አንፈት ምኽታል ማለት ሕቶታት ህዝቢ ብግብእ ምምላስ የድሊ፡፡

ውድባት ካብ ህዝበን ወጻኢ ክነብራ ስለ ዘይኽእላን። ህይወት ናይ ተቓለስትን ራእይታቶም ዘይነጽፍ ፈልግ ኮይኑ ዝነብርን ዝቕጽልን ከኣ አብ ህዝቦም ዘሎዎም ጽኑዕ እምነትን ፍቕርን ዝገልጽ ስራሓት ብግብሪ ምስ ዝትግበሩን ብቕድመ ግንባር ምስ ዝመርሕዎን ጥራሕ እዮም። ውድባትና ነዚ ብግቡእ ዝተገንዘበን ብኑጹር ቃልሲ ዝተሰነየ፡ ብቐጻሊ ከይተሓለሉ ናይ ምሕዳስ ተገባራት ምስ ዘዝውትሩ እዮም ሐይሊ ትንፋስን ዝረኽቡ። ስለዚ እቲ ኩልና እንምነዮ ሐድነትን ህዝብታትና ዳአ እምብር ሐደነት ውድባትና ክኽውን አይግባእን። ህዝብና እንታይ እንተ ገብርና'ዩ፡ ናብ ሐደ መእዝን ገጹ ክምጽእ ዝኽእል ኢልና ክንሓስብን ክንምህዝን ይግባአና። ነዚ ዘጣዓዕም መልክዕ ውደባ ክንቀርጽ ከአ ግዜ ዘይህብ ብአፈርክቡ ዝግለጽ መዋእል ከምዘሎና ምፍላጥ አገዳሲ ኮይኑ ይስማዓና። ሰለዚ ሰፊሕ ባዓል ኤርትራ ነዚ ጉዳይ መድርኽ ከፊቱ ዘካትዕን ምቹእ ባይታ ብዝፈጥር መንገዲ ተወዲቡ ክቕጽልን ንመጻኢ'ውን ሓጋዚ ተራ ስለ ዝህልዎን ብዝበለጸ ክሕሰበሉን ምድላው ክግበረሉን ዝብል ለበዋ ነቕርበልኩም። ብዝተረፈ እንደገና ባዓልኩም ብዓውት ክዛዘም ንምነይርልኩም። የቐንየልና።

ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ውድቀት ንባሓቲ ስርዓት ህግደፍ!
ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ!

Last modified on Wednesday, 09 August 2017 02:09