Print this page

ሓርማዝ ሰሪቅካስ ጉምብሕ ጉምብሕ

2017-08-05 03:59:26 Written by  ኣማን ተኽላይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2465 times
Rate this item
(0 votes)

መልሲ ንወልዱ ነጋሲ 

ኣብ መርበብ ገረግርን ቶጎርባን ዝተሰቅለት ጽሕፍቲ ሓው ወልዱ ነጋሲ ኣንቢበ። ብጣዕሚውን ገሪሙኒ። ኣብዚ ግዜዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደንድስ ጽንሰት ከሎ ሓደ ተቃዋሚ በሃላይ በኣታ ከምኡ ኢሉ ክጽሕፍሲ ይትረፍ ኣይምሓሰቦን ከማን። ባዕሉ ኣብ ቃልዕ ካብ ወጸ፣ ሓው ወልዱ ንየናይ መስመር ወኪሉ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢልካ ምሕታት መሰረታዊ እዩ። 

ሓው ወልዱን ገለ መሳርሕቱን ንናይ መስፍን ሓጎስ ዕላማ ንምትግባር ላዕልን ታሕትን ካብ ዝብሉ ክልተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝፈልጦ፣ መስፍን ሓጎስ ኣብ ተቃውሞ ካብ ዝጽንበር ክቃለስሲ ይትረፍ ንስርዓት ህግደፍ’ውን ኰኒንዎ ኣይፈልጥን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግና ድሒሩ ከምዝተጋህደ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ሓደ ስዉር ምንቅስቃስ ከምዝፈጠረ እዩ። ዕላማ ናይዚ ምንቅስቃስ ንሰ.ዲ.ህ.ኤ ከም ቍርዲድ ኮንካ ንኹሉ መደባቱ ምልማስን ኣብ ኣባላት ሕንፍሽፍሽ ኣእቲኻ ንሰልፊ ምፍሻልን እዩ። መሪሕነት ሰልፊ ውሽጣዊ ፍታሕ ክገብር ዋላኳ እንተፈተነ፣ ንፈተነኦም ጸማም  እዝኒ ስለዝሃበ ንሓው መስፍን ካብ ኣባልነቱ ኣወንዚፍዎ። 

ውሳኔ መሪሕነት ንዕላማ መስፍን ዝገትእ ምዃኑ ዝተዓዘቡ ወልዱን መሳርሕቱን ንውሳኔ መርሕነት ብዛዕባ ምውንዛፍ ኣባልነት መስፍን ነጺጎም ጥራሕ ዘይኮነስ ንህይወት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንምልማስ ዝለዓለ ወፈራ ኣካይዶምን የክይዱ ኣለዉን። ነዚ ዝረኣየ መሰረት ሰልፍና ንህግደፍ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢሉ ብሓይሊ ተላዒሉ ኣብ ቅዋም ተመርኵሱ ህጹጽ ጕባኤ ጠሊቡ። መሪሕነት ንጠለብ መሰረታት ኣብ ቅዋም ሰልፊ ትመርኵሱ ተቀቢልዎ። ንቀይዲ በተኽ ዝኾነት ዞባ ሽማግለ ድማ (ወልዱን ብጾቱን) ኣውሪዱ ብኣሰናዳኢት ሽማለ ተኪእዎ። ወልዱ ድላዩ ክጽሕፍ ይኽእል እዩ ብቅዋም ሰልፊ መስረት ግና ኣብ ዞባ ዝኾነ ሓላፍነት የልብሉን። 

ሓርማዝ ሰሪቅካስ ጉምብሕ ጉምብሕ ከምዝበሃል ንዕላማ መስፍን ንኸተግብሩ እናተላኽዑስ ንኸምስሉ ይግዕሩ። መስፍን ንህዝቢ ኤርትራ ሓሊዩሉ ኣይፈልጥን እዩ። ቀደም መገልገሊ ሎሚ መገልገሊ። ወይ ምሳና ወይ ምስ ጸላኢና ከምዝበሃል፣ መስፍን ሓጎስ ምስ ተቃውሞ ካብዘይኮነ ምስ ህግደፍ ጥራሕ እዩ ዝኸውን። ወልዱን መሻርኽቱን ከኣ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣተግበርቲ መደባት መስፍን እዮም። 

ንኹሉ ዓይነት ሸርሕታት ከነፍሽሎ ኢና! 

ኣማን ተኽላይ

Last modified on Saturday, 05 August 2017 06:17