Print this page

መሰል እንዳገሃሰስ፡ መሰል ዝሓትት

2017-04-18 18:36:27 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1798 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ ከም ቀንዲ ናይ ስለያ መሳርሒ ዝጥቀመሉ ማሕበር መንእሰያቱ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኣብ ኤውሮጳዊት ሃገር ኔዘርላንድ ከተማ ፈልድሆፈን ክካየድ ተመዲቡ፡ ብናይታ ሃገር እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ከም እተሰረዘ ብዙሓት ወገናት ገሊጸምዎ እዮም።  መንግስቲ ህግደፍ እውን ስዕረቱ ተኣሚኑ የንጸርጽርን የቑረምርምን ኣሎ።  እዚ ተረኽቦ ከም ተራ ዜና ዝንገር ጥራይ ዘይኮነ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣገደስቲ መልእኽታት ዘመሓላልፍ እዩ።

እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ፍሽለት ህግደፍ ውጽኢት ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ዝተኻየደ ቃልሲ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ጻዕርን ከይሰልከኻ ምቕጻልን ኣብ ውጽኢት ከም ዘብጽሕ ዝመስከረ እዩ። ኣብዚ  ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ዝተሰለፉ ወገናት ዝሓዝዎ መስመር ቅኑዕን ብሓባር ክሰርሑ ድልዋት ክሳብ ዝኾኑን ከም ዝዕወቱ እነሆ ኣብ ኔዘርላንድስ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ኣረጋጊጸምዎ እዮም። ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ጸረ-ህዝቢ፡ ወጻዕትን ብሕጊ ዘይግዝኡ ወገናትን ንዝተወሰነ ግዜ የዕለብጡ እምበር ንሓዋሩ እንዳታለሉ ሓቂ ደፊኖም ክነብሩ ከምዘይክእሉ ዘመልክት መልእኽቲ ብዚ ተረኽቦ ተላኢኽሎም ኣሎ። ይመሃርሉዶ ኣይመሃርሉን ግና ንዓታቶም ይምልከት። ንተ ህግደፍን ናቱ ባህሪ ዝውንኑን ካብ ርኡይ ተመኩሮ ክመሃር ዘበት እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ ብዘይምስልካይ እንተተኳሕኲሑ ዘይክፈት ናይ ፍትሒ ማዕጾ ከም ዘየለ  ካብዚ ፍሽለት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ትምህርቲ ምውሳድ ይከኣል። ምስዚ ብዝተዛመደ ናይ ህዝቢ ሓያልነት፡ ናይ ህዝባዊ ናዕቢ  ኣገባብ ቃልሲ ልዕልናን ናይ ደሞክራሲ ምእዙዝነትን ዝተንጸባረቐሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ። መንግስታት ዓለም ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኤውሮጳውያን ምምሕዳራት ውዲታዊ ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምርዳእ ሓሊፎም  ተግባሩ ክዓግቱ ግብራዊ ምንቅስቓስ ምጅማሮም  ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ተግባር ብቑዕ ምልከት እዩ። እዚ ምጅማር ንድሕሪት ከይምለስን ናብ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ከም ዝለሓም ናይ ምግባሩ ዕማም ከኣ ናትና ናይ ኤርትራውያን ሓላፍነት እዩ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኣሰር ኣሕዋትና ኣብ ኔዘርላንድስ ክንስዕብ ድማ እዋናዊ ዕማም እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ንምንታይ ተፈለጥኩ ብዝብል የዕገርግር ኣሎ። እቲ ዘገርም ድማ ነቲ ብመንግስቲ ነዘርላንድ ምእንቲ ጸጥታዊ ህድኣቶም ዝተወስደ ፍትሓዊ ስጉምቲ፡ “ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምእካብን ሕገ-መንግስታዊ መሰል ዝጠሓሰ እዩ” ክብል ገሊጽዎ። ነዚ ክሲዚ ዘቕርብ ዘሎ ህግደፍ ምዃኑ ምስማዕ ጥራይ ዘገርምን ዘስደምምን እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ሕገመንግስቲ ዝጥሕስ ዘይኮነስ ህላወ ሕገመንግስቲ ዘይቅበል ፍጹም ምልካዊ ምምሕዳር ስለ ዝኾነ። መንግስቲ ህግደፍ ናቱ ሰላይን ሕቡእ መሳርሕን እንተዘይኮንካ ናብ ዓድኻ ምእታው ዝነፍግ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሞትካ እውን ኣብ ዓደቦኻ ክትቅበር ዘየፍቅድ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ንፈልጥ ኤርትራዊ ወገናት ብዛዕባ ሕገመንግስታዊ መሰል ክዛረብ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ንዓኡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን እቲ ጉጅለ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ዝሕሱ ስርዓት ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ብተራ ኣዘራርባ “ዝዘራእኻዮ ኢኻ እትዓጽድ” ይበሃል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ዝብል ምስላ ኣበው እውን ኣለና። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ “ህዝበይ” ዝብሎ ህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ገፊፉ ኣብ ትሕቲ ካብ ባርነት ብዘይፍለ ኣገባብ እንዳገዘአ ኣብ ኤውሮጳ ኮይኑ ናይ መሰል ተሓላቒ መሲሉ ክቐርብ ክመጣጠርስ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ዕላማ ናይቲ ተሓሲቡ ዝነበረ እሞ ዝተኣገደ ፈስቲቫል እንታይ ከም ዝነበረ፡ ካብ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፈ ዓመዓታት ፈስቲቫላት ነቒልካ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ማእከሉ መመሊስካ ምልኪ ንምስዕራር ኮይኑ፡ ምስ ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ተኣሳሲሮም ዝስልዩ ዕሱባት ምምልማል፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንዲክታቶር ኢሳይያስ ከም ኣምላኽ ዘምልኽ መንፈስ ምስራጽ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዓመጽ ስልጠና ወሲዶም ተመሊሶም ኣብ ኢምባሲታት ተመዲቦም ኣብ ዲያስፖራ ራዕዲ ዝፈጥሩ በጋሚዶ ምምልማልን እቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ገንዘብ ዝሓፍሰሉ ኩነታት ምፍጣርን ዝኣመሰሉ እዮም።  ኮታ ንደሞክራስን ሰላምን ዝቃለሱ ኤርትራዊ ወገናት ንምድቋስ ዝዓዪ ናይ ስለያ ስልቲ ምስራጽ እዩ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንህግደፍ ሓቀኛ ኣበራቱ ሸፊንካ፡ ናይ ሓሶት ሕብሪ ቀቢእካ ኣብ ቅድሚ መንግስታት ኣመላኺዕካ ንምቕራቡ’ዩ ነይሩ።

እቲ ዘገርም ከኣ ኣብዚ ሎሚ ዓለም ብመራኸቢ ኣዝያ ኣብ ዝተቐራረበትሉ፡ ሃገራት ምእንቲ ናታተን ሕሳብ ኢለን ርእየን ከምዘይረኣያ ሸለል ክብለኦ ተዘይደልየን፡ ብውሱን ዓቕሚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሕማቕ ዘበን ኩነታት ክትሓብአን ምፍታን  ዕሽነት እዩ። ፈንጠርጠር ህግደፍ እምበኣር ዓብይ መርኣያ ናይቲ ኣብ ማእከል ጐልጐል “ኣነ እየ ኩሉ ዝኽእልን ዝፈልጥን” ዝብል እንዳሃጎጐ ዝመጽእ ዘሎ ትምክሕቲ  እዩ።

Last modified on Tuesday, 18 April 2017 20:39