Print this page

ብ1991፡ ኢትዮጵያ ንናጽነት ኤርትራ ተፈላጥነት እንተትኸልእ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ እንታይ ምዀነት?

2017-04-14 19:17:45 Written by  ብወልደሱስ ዓማር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5772 times
Rate this item
(0 votes)

ብሳላ'ቲ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ጅግንነታዊ ቅያታት ሰራዊት ሓርነትን፡ ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ምዑት ተሳትፎ ዓቃል ህዝብናን፣ እቲ ብሓያላን ሃገራት ዓለም ሰፍ ዘይብል ሓገዝ ዝረክብ ዝነበረ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ (ናይ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ይኹን ናይ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም) ተሳዒሩ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ መሬት ኤርትራ ከም ዝወጸ ንታሪኽ ክዝከር ዝነብርሓቂ'ዩ።


እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡ -- ብዘይካ ባድመ -- ነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን። ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለም-ለኸ ተፈላጥነት (international recognition) ናይ ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ጊዜ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።

 

 

ቀሊል ይመስል። ግንከ እቲ ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም መንግስቲ ዝቐጸለ ሓይሊ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ወይ ንዕኡ ብዝመስል ዝምራሕ እንተዝነብር፣ ወይ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዘይመሓዙት ኤርትራ  እንተዝነብሩ፡ እንታይ ምተረኽበኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ እንታይ ምዀ

 

ተጻይ ኤርትራ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕራይ ከይበለ፡ ሃገራት ኣፍሪቃብመላአን ንኤርትራ ግድነት ልኡላውነታ ክንፈልጠላ ይግባእ ምበላዶ ኣሜሪካኸ ሃገራት ኤውሮጳኸ.... ወዘተ። ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ፍትሓውነትን ጒዳይ ኤርትራ ከይገድሶም፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣሕዋትና ኣፍሪቃውያንን ኣብ ልዕሊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ እንታይ ርእይቶታት ከም ዝነበሮም ከይዘንጋዕካ ምስ እትሓስብ፡ ጒዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ተፈላጥነት ጸገም ከጓንፎ ይኽእል ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።

 

ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ከምዛ ናይ ሎሚ ሶማሊላንድ ወይ ከኣ ኮሶቮ፡ ወይ'ውን ናይ 60ታት ሮዴዝያ፡  ናጽነታ ባዕላ ኣዊጃ (UDI - Unilateral Declaration of Independence) ፡ ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ዝሰኣነት "ሃገር" ኰይና ክትቅጽል ኣኽእሎ ነይሩ'ዩ። ሕጂ ግን፡ ናይ ኢሳያስን ህግደፍን ጸገም ደኣ ከቢዱና እንበር፡ ልኡላውነት ነጻ ኤርትራ (ብዘይ ፍቓድ ህዝባ) ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።

 

 

ከምዚ ክብሃል እንከሎ ግን፡ ልኡላውነት ይረኸብ እንበር ህዝብና ንእተቓለሰሉ ዕላማታት ብምልኡ ጨቢጥዎ ኣየስምዕን፡፡ ንኣብነት፡ ካብ ዝቐደሙ ተቓለስቲ ኤርትራ ዝነበረ ስዉእ ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ናውድ (መስራቲ ሓረካ/ማሕበር ሸውዓተ)፡ ኣብቲ ብ1996 ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ኣስፊሩ፡- "ቃልስና ጌና ኣይተወደአን። ካብተን እተበገስናለን ሰለስተ ዕላማታት፣ ማለት ሃገራዊ ሓድነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራስን፡ ሓንቲ ጥራይ ኢና ኣዓዊትና። ነተን ዝተረፋ ዕላማታት ንምዕዋት ቃልስና ቀጻሊ'ዩ...።" እታ ሓቂ ንሳ'ያ። ግን ከኣ እታ ሓንቲ'ውን ትኹን እንቋዕ ድሕሪ ወተሃደራዊ ዓወት ናይ 1991 ከጓንፍ ዝኽእል ዝነበረ  ጸገም ኣየጓነፋ!!

 

ሎሚ ስለምንታይ እዛ ዓንቀጽ'ዚኣ ኣድልየት?

ገለ ካብ ኣንበብቲ ክዝክርዎ ከም ዝኽእሉ፡ ብ11 ለካቲት 2017፡ ጽሓፋይ ናይ'ዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ናይ ፓልቶክ ገዛ (ሕድሪ ጀጋኑ) ተዓዲመ ነይረ። ዝመረጽኩዎ ኣርእስቲ ከኣ፡ ሓደ ቅድሚ ዓመት ንብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ገይሩ ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ኮንፈረንስ ንዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ዝምልከት ነይሩ። እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከም ዝጸለዎ" ዝብል ኢዩ። እዛ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓበረታዊት ዓንቀጽ እንብኣር፡ ነቶም እተማልአ ሓበረታ ብምስኣን ግር ንዝበሎም ደቂ ሃገር ክትሕብር ዝሓለነት ኢያ።

 

 

ብዙሓት ክዝክርዎ ከም ዝኽእሉ፡ ገለ ሸነኻት ብፍላጥ ይኹን ሰኣን ቅኑዕ ንባብ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ተረኽቦታት፡ "ጉድ በሉ፡ .....ሕጂ ኣ ሓደ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነት ኤርትራ ተጻሪሩ፥ ኢትዮጵያ (ወያኔ) ብ1991 ንናጽነት ኤርትራ እንቢ ክትብል ነይሩዋ ኢሉ.......ወዘተ ወዘተ" እናበሉ ብፓልቶክ ኮነ ብኻእል ማዕከናት ክደሃዩ ተሰሚዖም። ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ፈጠራ ወረን ክስታትን ዝበዝሖ ባይታ ከም ዝጸንሓናን ጌና ይቕጽል ከም ዘሎን ንፈልጥ እኳ እንተዀንና፡ ሓሓሊፍና ንከምዚ ዝዓይነቱ ጠቐነ ዓገብ ክንብልን ገለ ክንእርምን ጠቓሚ ኢዩ።

 

 ዓለም-ለኸ ሕግን (international law) ዓለም-ለኸ ተፈላጥነትን ኣብ ገሊኡ ኲነታት በቶም ሓያላን ቀጽርታትን ውልቀ-ሃገራትን ይጥሓስ እኳ እንተኾነ፡ ሓፈሻዊ መለክዒ ሕጋውነት (legitimacy) ናይ ሎሚ ዓለምና ኢዩ። እሞ፡ ገለ ካብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት እስቲ እስፍሕ ኣቢልና ንርኣዮ።

 

ጸገም ሶማሊላንድ፣

እታ ሎሚ ብ5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ፥ ነብሳ ከም "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊላንድ" እትሰሚ መሬት፥ ክሳዕ 1960 ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ነይራ። በቲ ዓመት'ቲ ከኣ ምስታ ናይ ኢጣልያ ዝነበረት ሶማሊላንድን ብስምምዕ "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊያ" መስሪተን። ብዚያባረ ክትመሓደር ዝጸንሔት ሃገረ ሶማልያ ብ1991 ጀሚራ ኣብ ህውከት ምስ ኣተወት፥ እታ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረት ሶማሊላንድ ርእሲ-ከተማኣ ሃርገሳ ገይራ በይናዊ ናጽነተይ ፍለጡለይ ኢላ ኣዊጃ። ዝተረፈ ዓለም ግን ነታ ኣቐዲሙ ተፈላጥነት ዝሃባ፥ ሞቓድሾ ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ሶማልያ (ማለት ንባዕላ ኣብ ንቡር ሃለዋት ንዘይጸንሐት ሃገር/ደውላ) ቀዳምነት ሂቡ ንሶማሊላንድ ክሰምዓ ኣይደለየን። እታ ሞቓድሾ ዝርእስ-ከተማኣ ናይ ሶማሊያ ደውላ ንናጽነታ ፍለጡላ ክሳዕ እትብል ከኣ ሶማሊላንድ ከምታ ዘላታ ኮይና ክትቅጽል ተፈሪዱዋ ማለት ኢዩ።

 

ከምኡ'ውን ኮሶቮ/Kosovo

ናይ ቀደም ዩጎዝላቪያ ምስ ፈረሰት፥ ሰርብያ ወራሲት ናይ ዩጎዝላቭያ ተቘጺራ ከም ሓዳስ ሃገር ተፈላጥነት ረኺባ። ኣካላ ዝነበረት ኮሶቮ ግን ፍልይቲ ሃገር ክትከውን ኣብ ቃልሲ ጸኒሓ። እቶም ካብ ኣልባንያ ዝመበቆሎም ህዝባ'ውን ብሰርብያውያን ክግፍዑ ጸኒሖም ኢዮም። ብወተሃደራዊ ሓይልታት ናቶ/NATO (ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎ ሓይሊ) ተደጊፋ፡ ኮሶቮ ትሕቲ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፍቓድ ናይ ሃገረ ሰርቢያ ከይረኸበት ብ2008 ባዕላ ናጽነታ ኣዊጃ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ከኣ ኮሶቮ ጌና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባልነት ስኢና ተንጠልጢላ ትነብር ኣላ።

 

ካብ ሶማሊላንድ ግን ትሓይሽ። ሳላ ኣመሪካን ደገፍታን፡ ንናጽነት ኮሶቮ ተፈላጥነት ዝሃባ ካብ 100 ዘይውሕዳ ሃገራት በጺሐን ኣሎዋ። ግንከ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ክሰማምዓላ ስለዘይከኣለ፡ ልኡላውነታ ብውንዙፉ ይነብር ኣሎ። እቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም-ለኸ ንፍትሒ (International Court of Justice) ንኮሶቮ ደጊፉ ዝሃቦ ፍርዲ እውን ክሕግዝ ኣይከኣለን። ሩስያን፡ 'ኮር ተገልበጥ' ናይ ህግደፍ ኤርትራን ካብተን ንኮሶቮ ኣባል ሕቡራት መንግስታትን ካልእ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ንከይትኸውን ካብ ዝቃወማ ዘለዋ ሃገራት ኢየን።

 

World Map 1 

ኤርትራ ካብተን "ሕጋዊ ሸነኽ" ኣመኽንየን ንናጽነት ኮሶቮ  ካብ ዘይደገፋ ሃገራት ምዃና ዘርኢ ካርታ።

 

ዝገደደ ከኣ፡ ህግደፍ (ምእሳር ኣመል ኰይኑዎ) ንሓደ ወዲ ኮሶቮ ዝኾነ ጀይምስ በሪሻ ዝስሙ ዘዋር ነፋሪት፥ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ንኮሶቮ ተፈላጥነት ኣብ ዘይሃባ ሃገራት እናዞረ 'በጃኹም ንኮሶቮ ከም ሃገር ፍለጡና' እናበለ ክዘውር ጸኒሑ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝዳጐንዎ ይፍለጥ። ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ከኣ'ዩ ካብ ማእሰርቲ ህግደፍ ነጻ ኰይኑ፡ ዝረኸቦ ርካብ እናገረሞ ንሃገሩ እተመልሰ።

ኣብዚ ላዕሊ ብሓጺሩ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንገለ ካብቶም ኣንበብቲ ጠቓሚ ኮይኑ ክርከብ ተስፋ እገብር። እታ "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991 ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከም ዝጸለዎ" ብዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት እተጻሕፈት ወረቐት ኣብ ቀረባ ጊዜ ናብ ኣንበብቲ ክትዝርጋሕ ኢያ።

ርሑስ በዓል ፋሲካን፡

ናብ ዝሓሸ መድረኽ ዝመርሕ

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራን ይግበሮ!!

Last modified on Friday, 14 April 2017 21:31