Print this page

ሰደህኤ ህዝቢ ዋና ስልጣን ንክኸውን እዩ ዝቃለስ

2017-02-07 08:45:55 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2052 times
Rate this item
(0 votes)

ህዝቢ ኤርትራ ንጨቘንቲ ስርዓታት እምበለይ ኣይግዛእን ኢሉ ዘልዓሎ ሰውራ ሓብሒቡ፡ ተኸላኺሉን ዓንጊሉን ክሳብ ናጽነት ዝበጽሐ ህዝቢ እዩ። እዚ ዘሕብን ታሪኽ እዚ ከኣ እዩ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓደ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ፈጺሙ  ሃገረ ኤርትራ ናይ ዜጋታታ ክትከውን ዘብቀዐ። እቲ ኩሉ ዝጠፍአ ህይወትን፥ ዝዓነወ ንብረትን ከኣ ምእንቲ ናጽነት ጥራሕ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ነቶም ጨቆንትን መዝመዝትን ስርዓታት ኣልጊስካ ሓርነት ዝመልኦ ህይወት ንክጐናጽፍ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሓርነቱ ዝጐናጽፍ ሕልሙ ተጠሊሙ ኣብ ናይ ባርነት ታኼላ ጥሒሉ ኣሎ። ዝፈትዎም ደቁ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ክስወሩን ኣብ ኣደዳ ስደት፥ ባሕርን ምድረበዳን ክሃልቁ ከለዉ ከኣ ነዚ ዲዩ ነይሩ ውጽኢት ቃልሰይ ዘየብል ኣይኮነን።

እቲ ቀንዲ ሽግር እምበኣር እቲ ሕብረተሰብ ወናኒ ናይ ሃገሩ ክኸውን ዘይምኽኣሉን፥ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ምዃኑ ምዝንጋዕን ዘምጽኦ እዩ። እዚ እውን በቶም ኣድሓርሓርትን ጨቈንትን ስርዓታት ዝተሰረተ ናይ ምትእምማን ምጥፋእን ኣግላልነትን ከምኡ እውን ድሑር ኣተሓሳስባን ዝሓደጎ ንልኡላውነት ህዝቢ ናይ ዘህስስ ስንብራት ጠንቂ እዩ። ሕጂ እውን ህዝቢ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ስልጣን ኩድጭ ኢሉ ዘሎ  ምልኪ ኣልጊሱ ግዝኣተ ሕጊ ከንግስ ከም ትማሊ ክለዓል ናይ ግድን’ዩ።

ልክዕ እዩ ኣብ  ብቁጠባ ዝተረመሰትን ሕጊ ኣልቦ ዝኾነትን ሃገር ዝነብር ህዝቢ ንግዚኡ  እንታይ ክም ዝገብር ዝሕርብቶን ዘጨንቖን’ኳ እንተኾነ፥ ውዒሉ ሓዲሩስ ነታ ሓርነቱ ክቃለሰላ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ግና እቲ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ከመይ ይመጽእ ዘይኮነስ፥ እቲ ህዝቢ ከመይ ኢሉ እዩ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ክኸውን ክቃለሰ ዘለዎ ዝብል’ዩ። እዚ ከኣ፥ መበቆሉ፥ ዓሌቱ፥ ሃይማኖቱ፥ ጾታኡ፥ ብሄሩ፥ ዕድሚኡ፥ ሕብሩ ብዘየገድስ ኣፈላላይ ዘይብሉ፡ ንቁሕ ናጻ፡፡ ፍትሓውን ተደጋጋፍን ሕብረተሰብ ምህናጽ የድሊ።  ነዚ ንምግባር እቲ ቀንዲ ልኡላውነት ህዝቢ ዝኾነ ህዝባዊ ወኸሳ ብምዃኑ ቀጥታውን ኣሳታፍን ዲሞክራሲ ምድልዳልን ብግቡእ ከም ዝስርሓሉ ምግባርን ይግባእ። ካልኣይ ነጥቢ ምሉእ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ፖሊሲታትን ሓባራዊ ተረድኦ ክህልዎ ይግባእ። ሳልሳይ ነጥቢ ንምልኪ ኣልጊስካ ህዝባዊ ስልጣን ዝሰረቱ ኣገባብ ዲሞክራሲያዊ መሕደራ ምዃኑ ወዓል ሕደር ዘይብሉ ቅድመ ኩነት ምዃኑ ምእማን ህዝቢ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ምዃኑ ይእምት።

ሎሚ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ንረብሓ ውሑዳት ሰባትን፥ እቶም ካብ ኣፍንጭኦም ንላዕሊ ኣርሒቖም ዘይጥምቱ ተበለጽቲ ውልቀሰባትን እንተዘይኮይኖም ካልእ ዝተረፈ ኩሉ ደላይ ፍትሕን፥ ልዕልና ሕግን ለውጥን እዩ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ንሕጋውነት መላኺ ስርዓት ኣብ ምንጻግ ገጹ ንኸድህብ ዝገብሮ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ገለ ካብቲ ተደላይነት ዘለዎ ክማላእ እንከሎ ቀንዲ መፍትሕ ናይ ለውጥን ወናኒ ስልጣንን ክኸውን ዘዳልዎ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ግና በዚ ዘለዎ ሓቢሩ ንኸይሰርሕ ተበታቲኑ፥ ኣብ ፍልልያት እምበር ኣብ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ናይ ምጥራይ ባህሊ ዘይምድሃቡን፥ ብጽልእን ቅርሕንትን ተዋሒጡ ንዲሞክራሲ ዝርምስ ብምዃኑ፥ ንለውጢ ድሉው ክኸውን ኣይበቕዐን። ብኣንጻሩ መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ  ንኹሉ’ቲ ኤርትራዊ ተፈጥርኣዊ ሃብቲ ብምግባት፥ ዘውደኽድኹን ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑን ተወናጨፍቲ ካድራትን ናይ ስለያ ምሓውርን ምውናኑ፥ መንአሰይ  ንኸይቀስን ዝገብሮ ሽርሒታትን፡ ምብትታን ደምበ ተቓውሞን ኣብ ስልጣኑ ንክቕጽል ዘኽእሎ ጥጡሕ ኣዕኑድ ረኺቡ ኣሎ።

እዚ ከምቲ ቶማስ ጀፈርሶን፡ ‘’ህዝቢ ንመንግስቲ ኣብ ዝፈርሃሉ ምልኪ ወይ ጭቆና ኣሎ፥ መንግስቲ ንህዝቢ ኣብ ዝፈርሃሉ ከኣ ናጽነት ኣሎ፡’’ ዝበሎ፥ እዩ። ስርዓት ኢሳይያስ ተፈሪሁ ክነብር እዩ ዝደሊ፥  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዳሕረዋይ ማለት መንግስቲ ንህዝቢ ክፈርህ ወይ ክምእዘዝ ኣለዎ ዝብል መትከል ንምትግባር እዩ ዝቃለስ። እዚ እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ብቕዓታትን፥ ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ዘሎ ዕድላትን ብግቡእ መምዩ ህዝቢ ባዕሉ ምንጪ ስልጣን ዝኾነሉ መስርሕ እዩ ከካይድ። ትሕዝቶኡ ድማ እቲ ዝቐውም ስርዓት ወይ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ተማእዚዙ ንክኸይድ እዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ኣብ ዝጅምረሉ፥ ህዝቢ ኣይፋልካን ክብል ዘኽእሎ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ዝመሓደረሉ ቅዋም ከስፍሮ እንከሎ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ተራ ይኹኑ ሰብ መዚ ብሕጊ ተማእዛዝቲ ምዃኖም ክኣምኑን፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ልዕሊ ሕጊ ከምዘየለ መላእ ሕብረተሰብ ብማዕረ ክርድኦን ክሰርሓሉን ስለዝግባእ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ “ሕጊ ኣኽቢርካ ምኻድ” ዝል ኣምር የኽብር። እዚ ኣብ ቅድሚ ድሌታቶም ብሕጊ ዘይቃንዩ ጸገም ክፈጥር ይኽእል ይኸውን። ምስዚ ከኣ ኣብ ጉዳይ  ህዝብን ሃገርን ሓባራውን ሰናይን ኣብ ዘበለ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንስጉምን ኣብ ዝብል መርሆ ይቃለስ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ደምበ ተቓውሞ ብሓደ ሃገራዊ ሓልዮት ንኽብገስን፥ ነፍሲ ወከፍ ዝኣምነሉ ፖለቲካዊ ፖኢሲ ሃልይዎ፡ ነቲ ምውዳቕ መላኺ ስርዓት ቀዳምነት ምሃብን፥ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ብምትእስሳርን ኣቢሉ ነቲ ዝፈላሊ ፖለቲካዊ ጠለባት ኣብ ህዝቢ ምውራድ ይኣምን። ኣብዚ ንምብጻሕ ግና ነቲ ህዝቢ ምጥርናፍ ዝብል ኣምር ብሃይማኖት ወይ ብብሄር ወይ ብኣውራጃ ኣቢልካ ዘይኮነስ ሓደ ሃገራዊ መንነትን መለልይን ሒዝካ ምብጋስ እዩ ዕምሪ ምልኪ ዘሕጽር። ነዚ ንምግባር ከኣ ንኹሉ እቲ ናብ ክፍኣትን ጥፍኣትን ገጹ ዝወስደና ሓሳባት ኣወጊድና፡ ነቲ ሰናይን ጽቡቕን ንህዝብናን ሃገርናን ክንሰርሕ ምሕላን እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ሰላም፥ ስምምዕ፡ ሓድነትን ምትሕብባርን የድልየና ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ ምትእምማንና ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ ተዘይበጸሐ፡ ሓቢርና ክንሰርሕ ክንሰማማዕን ናይ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይገርና ስልጣን ዋናኡ ህዝቢ እዩ ወይ ከኣ ባዕሉ ህዝቢ  ስልጣን ንክኽውን ምጭራሕ ኣፍኣዊ እምበር ተግባራዊ ኣይከውንን።

እቲ ኣብ ሃገሩ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ምስቲ ኣብ ደገ ዘሎ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኢድን ጓንትን ክኸውን ኣለዎ። ህዝቢ ባዕሉ ስልጣን ንክኸውን፡ እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ደጋፊ ይኹን ተጻራሪ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊነትን ስምዒትን ኽሕድር ይግባእ። ምክንያቱ እታ ሃገር ናይቶም ዝድግፉን ዝጻረሩን ብማዕረ ትምልከቶምን ትብጽሖምን ብምዃና። 

Last modified on Tuesday, 07 February 2017 10:02