Print this page

መልሲ ካብ ኢሳይያስ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!

2017-02-01 16:01:21 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5152 times
Rate this item
(5 votes)

ኣብ ዝሓለፈ 27ን 28ን ጥሪ 2017 መራሒ ህግደፍ ምስታ ኣብ ኤርትራ ብሒታ ዘላ ቲቪ-ኤረ ብድምር ናይ 210 ደቓይቕ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። እዚ ቃለመጠይቕ ንነዊሕ ግዜ መጸዋዕታን ምቅርራብን ክግበረሉ ዝጸነሐ ነይሩ። ያኢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሕቶታት ተመሊሉስ ካብ ወጻኢ ሕቶታት ክኣቱ መጸዋዕታ ክግበር እውን ተዓዚብና። ብዙሓት ከኣ ገለን ብጉርሒ ገለን ከኣ ብገርሂ ሕቶታት ዝጸፍጸፉ ነይሮም። ካብቲ ዘቕረብዎ ሕቶታት ክንደይ ተመሊስሎም ድማ ባዕላቶም ዝጸባጸብዎ እዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ መመሪጹ ናይ “እዝን እትን ጥራይ ሕተቱኒ” ድራማ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ካብቲ ክሓትዎ እንከለዉ “ኣብቲ ዳሕራዋይ ሕቶ ክንመጾ ኢና” ዝብሎ ዝነበረ ምርዳእ ይከኣል። እቲ እቶም ጋዜጠኛታት እንዳተሸቑረሩን ቀልባዕባዕ እንዳበሉን ዘልዕልዎ ዝነበሩ ዝርካቡ ሕቶታት  ልሙድን ሰማዕትን ኣንበብትን ዘደንዘዘ ነይሩ። ኣብ ልምዓት፡ ሓይሊ አለክትሪ፡ ማይ፡ ትሕተ-ቅርጻን ኣባይትን፡ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት፡ ጉዳይ ስደት፡ ምስልጣን ሓይሊ ሰብ ዘተኮሩ ነይሮም። ኢሳይያስ ኣብቲ መልሱ ኣብዞም ዝተላዕሉ ጉዳያት ኣዝዩ ከቢድ ጸገምን ሕጽረትን ከም ዘሎ መረጋገጺ ይህብ ነይሩ። ንገሊኦም ዛዕባታትስ ወረ በቲ ድኹም ደረጃ’ውን ኣለዉ ክበሃሉ ከምዘይክእሉ እዩ ዝገልጾም ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ እቶም ኢሳይያስ ኣለዉ ዝብሎም ዝነበረ ጸገማት ከም ዘለዉ መረጋገጺ ኣይደልየሎምን እዩ። ምስቶም ጸገማት ይነብር ስለዘሎ። እቲ “መራሒ ሃገር” ካብ ተባህለ ካብኡ ዝድለ ዝነበረ ካብዞም ጸገማት እቲ መዋጸኦ እንታይ ምዃኑ ምሕባርን ምእማትን ነይሩ። ኢሳይያስ ግና ምናልባት ግዲ “ ዝሰኣነት ኣደ ካብ እምኒ ትጸንዕ”  ኮንዎስ እዚ እዩ ኢልካ ዝድህሰስ መልሲ ኣይነበሮን።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ሳዋ ብውሑዱ 10 ሺሕ ክኢላ ዓቕሚ ሰብ ከም ዘብቅዕ ይገልጽ ነይሩ። ጌና እውን ተወሳኺ ዓቕሚ ሰብ ከም ዘድልዮ መዲሩ። “ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ዘድሊ ዘሎ እቲ ዝቐደመ ስራሕ ሒዙስ ተወሳኺ ዓቕሚ ስለ ዘድልየ ድዩ?” ኢሉ ዝሓትት ንስምዒት ህዝቢ ዝውክል ጋዜጠኛ እንተዝርከብ መልሱ እንታይኮን መኾነ? እቲ ምኽንያት ንጹር እዩ ኢሳይያስ ዝጸባጸብ ዘሎ ኣብ ወረቐት ካብ ዝሰፈረ ዝርዝር ናይቶም ናብ ሳዋ ዝወረዱ መንእሰያት እዩ። ብተግባር ግና ሎሚ ንሳቶም ኣበይ ኣለዉ ግና ፈላጢኡ እዩ ዝፈልጦ። ገለን ኣብ መደበራት ስደተኛታት፡ ገለን ኣብ ስደት ዓዲ ጓና ዝሳቐዩ ዘለዉ እዮም። ከምኡ እውን ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ዝሃለቑ። ነዚ ዘብቀዖም ከኣ ከምቲ ንሱ ኢሳይያስ ንግዳማውያን ሓይልታት ከላግበሎም ዝፍትኖ ዘይኮነስ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ግናይ ምምሕዳሩ እዩ። ከምቲ “ንስኻ ተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል።

ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዓድን ወጻእን ዘሕልፎ ዘሎ ከርፋሕ ህይወት ኣይኮነንዶ ንሕና ዓለም ዝፈልጦ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቶም ኣይካብ ትምህርቲ፡ ኣይካብ ሃብትን ሓዳርን ኣጉል ዝተረፉ መንእሰያት ዓለም ቅድሚ ዝስርዑ ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ነዚ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ ጓስዩ “ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስራሕ ዘይፈትዉ። ብናይ ካልኦት ረሃጽ ብዝተረኽበ ገንዘብ ዝሕሽሹ መንእሰያት ኣለዉ” ዝብል ሃየንታ ክዛረብ ሰሚዕና። “ኣብ ኤርትራ ስራሕ እንዳሃለወ ክሰርሕ ዝደሊ መንእሰይ የለን” ክብል እንከሎስ ሰማይ ዝሃገሩ ሰሚዑ ንኣበሃህላይ ዝኣምን ሰብ ክረክብየ ማለቱ ደኾን ይኸውን።

እቶም ሰለስተ ኩነታት ዝሓርበቶም “ክቡር ፕረሲደንት” መውጽእ ኣፎም ዝገበሩ ጋዜጠኛታት፡ ሞያዊ ሪም ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘቕርብዎ ሕቶታት ከም ዘይምለስ ከም ዝዓገቡ፡ ካብቲ ኩነታቶም ምርዳእ ይከኣል ነይሩ። ካብ ከይተላዕለ ዝተርፍ ተላዒሉስ ተዘይተመለሰ ይሓይሽ ብዝብል እዩ ዝመስል ፖለቲካዊ ሕቶታት እውን ወስ ኣቢሎም ነይሮም። ሓደ ካብኡ ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም ዝምልከት ነይሩ። እቲ ኣብ ኢዱ ዋላ ሓንቲ ዘይነበሮ መላሲ፡ ኣቕጣጫ ንምቕያር ብዝመስል መልክዑ ነቲ ቅዋም “ስርዓተ-መንግስቲ” ዝብል ሓድሽ ስም ኣጠሚቕዎ። ከምዚ ዝገብር ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣስማት ቅዋም ምቅይያር ዘይኮነስ ዝሰርሕ ቅዋም ይጽበ ከም ዘሎ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ብዝኾነ እቲ ነደፍቱ፡ ኣገባባት ኣጸዳድቑኡን ክኽምታእ ዝተታሕዘሉ ቆጸራ ዘይፍለጥን ቅዋም ኣበይ በጺሑ ምስ ተባህል ከም ዓሚ ቀሪብና ኢና ዝብል ካልእ መጠበሪ ቆጸራ እዩ ሂብሉ ሓሊፉ።

እዚ  ብኣምለኽቱ ስሙ ንዘይምልዓል “እቲ ሰብኣይ” ዝበሃል መላኺ፡ ከምስል’ኳ “እቲ ወሳኒ ኣተሓሕዛ ውሽጣዊ ጉዳይና እዩ” ዝብል እንተነበረ፡ እቲ ዝበዘሐ ዝተዛረበሉ ግና ቀዳምነቱ ዘይኮኑ ጉዳያት እዩ። እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ ሕቶታት ቅድም ዘቤታዊ ደሓር ድማ ዞባውን ዓለማውን ኢሎም ምስረዖም ንቡር ይሃቦም ዝበሃል ኮይኑ፡ ንሱ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ ግና ምስኡ ደቂ ሓደ ዜጋ ብምዃንካ ጥራይ ዘሕፍርን ዘሸቑርርን እዩ። ናቱ ኣበር ኣቐሚጡ ካብ ክሊንተን ክሳብ ኤንገላ መርክል፡ ካብ ኣሜሪካ ክሳብ ኣፍሪቃ ክጸርፍን ክዘልፍን ቀንዩ። ኣብ ገዝኡ ዘሎ ጎዱፍ ዘየጽረየስ ናይ ዞባን ዓለምን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ክምህር ምፍታኑ ከኣ ብሓጺሩ ዘተዓዛዝብ’ዩ። ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ስለ ዝጸልወካ ብዛዕባኡ ምዝራብ ነውሪ ኣይኮነን። ናትካ ዕዮ ገዛ ከይትግበርካ፡ ብናይ ካልኦት ምውርዛይ ግና ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እምበር ዝህቦ ፋይዳ የብሉን።

ድሕሪ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ነቲ ቃለመጠይቕ ኣብ ዝምልከት ምዝራብ ዝተለምደ እዩ። ሰሚዕካዶ ኣይሰማዕካን? ካብቲ ዘረብኡ እንታይ ሓድሽ ነገር ረኺብካ? ካብዚ ተበጊስካ ኣብ መጻኢ እንታይ ሓድሽ ለውጢ ትጽበ? ካብቶም ልሙዳት ሕቶታት እዩ። ዝምልከቶም ሰባት ድማ ከከም ስምዒቶም ይምልሱ። እንታይ ሓድሽ ከምጽ ኢሉ ኢለ ኣይሰማዕኩዎን። ቁሩብ ክሰምዖ ጀሚረ ከምቲ ልሙድ ምህውታት ምስ ኮነኒ ገዲፈዮ። ምስማዕስ ብምሉእ ሰሚዐዮ፡ እንተኾነ “ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ” ካብ ምባል ሓሊፍካ ዝጭበጥ ትሕዝቶ ኣይረኸብኩሉን፡ ዝብሉ እውን ብዙሓት እዮም። ኣነ ድማ ምስ እዞም ዳሕረዎት ዝበልዎ እየ ዝሰማማዕ።

  

Last modified on Wednesday, 01 February 2017 17:19