Saturday, May 19, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ኣወንታዊ መርገጽ ሆላንድን ሽወደንን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኖርወይ ግን ኣይግድን

ሚኒስተር ኢሚግረሽን፡ ምውህሃድን ናይ ዑቝባ ፖሊሲን፡ ገርድ ሊርስ፡ (Gerd Leers) ናብ ቤት ምኽሪ ሆላንድ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ሆላንድ ንዝዀነ ይኹን ኤርትራዊ ዑቝባ ሓታት ኣስገዲዳ ናብ ሃገሩ ክትመልሶ ከምዘይኰነት ኣፍሊጡ። ብዘይ ፍቓድ ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ መሊቖም ንዝመጹና ስደተኛታት፡ ናይ ዑቝባ መንበሪ ፍቓድ ክንህቦም ኢና ። እዚ ውሳኒ’ዚ ከኣ፡ ኣብ’ቲ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ዝረኸብናዮ እዋናዊ ሓበሬታታት ዝተመርኰሰ ኢዩ ኢሉ።

ሽውደን ውን ኣብ 2012 ዓ. ም 1900 ስደተኛታት ክትቕበል ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ። ብመሰረት መግለጺ ሓላፍቲ ቢት ጽሕፈት ወጻእተኛታት፡ እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም፡ ካብ’ቲ ወጥሪ ዝሰፈኖ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣፍሪቃን ኰይኖም፣ መብዛሕትኦም ግን፡ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፣ ከምኡ ውን፡ ኣብ ከንያ ዝነብሩ ሶማልያውያን ስደተኛታት ክዀኑ ኢዮም ተባሂሉ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኽ ግን፡ መንግስቲ ኖርወይ፡ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ ስርዓት ኤርትራ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ክትፈራረም ምዃና ዝበጽሑና ሓበሬታታት ኣረጋጊጾም።

ምኽትል ሓልፊ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ፖል ለንሰት (Pål Lønnseth) እቲ ስምምዕ ብርግጽ መዓስ ክፍረም ምዃኑ ክሕብር ኣይደለየን፤ እቲ ዝርርብ ይካየድ ምህላዉ ግን ኣይሓብአን። ብሰበስልጣን ኢሚግረሽን ተቐባልነት ዘይረኸቡ ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ሃገሮም ምምላስ ሕጋዊ ኢዩ ክብል ድማ ተሰሚዑ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ንስደተኛታት በስገዳድ ናብ ሃገሮም ምምላስ ከምዘይድግፉ ኣፍሊጦም።

ሓደ ዉሩይ ኖርወጃዊ ተመራማራይ፡ “ስርዓት ኤርትራ፡ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ጨቈንትን ብኣጽዋርን ወተሃደራትን  ክሳብ ዓንቀሮም እተዓጥቁ መለኽቲ ስርዓታት ኢዩ” ኢሉ ይገልጾ። ጸብጻብት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀና ማሕበራት ከኣ፡ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ሰፊሕ ናይ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ኢከምዝፍጽም ኢዮም ዝሕብሩ ይብሉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኖርወይ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኖርወይን ዝግበር ዘሎ ስምምዕ ከምዘይድግፎ ኣፍሊጡ።

“ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቝባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፡ በስገዳድ ናብ ሃገሮም ድሕሪ ምምላሶም፡ ብክሕደት ተኸሲሶም ክእሰሩ ርኢና ኢና። ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ኣዝየን ዕጽዋት ዝዀና ሃገራት ናይ ዓለም ኢያ። ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖልቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ኣዝዩ ከቢድ ዓዛብን ጽቅያትን ኢዮም ዘውርዱ” ትብል ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ናይ ህዝባዊ ዝምድና ኣማኻሪት፡ ኢንግፊልድ ሊበርግ (Ingvild Lyberg)

EPDP Magazines

Refugee Center

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

Login Form