መግለጺ ሓዘን

2019-11-25 18:59:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ Published in Featured Read 263 times

ካብ ተጋድሎ ሓርነት  ሰውራዊ ባይቶ፣ ክሳብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነባር ኣባል ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ እምባየ፡ ብዝሓደሮ ሃንደበታዊ ሕማም ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሆስፒታልን ገዝኡን ክእለ ምስ ጸንሐ፡  ብ21 ሕዳር 2019፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓሪፉ። ንጽባሒቱ 22 ሕዳር 2019 ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መካነ መቓብር ሰኣሊተ-ምህረት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ብርሃነ ብ1955 ኣብ ካብ ኣብኡ ኣቶ እምባየ በራኽን ኣዲኡ ወይዘሮ ኪዳኑ ሞገስን ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ። ሓጺር ታሪኽ ህይወቱ ከም ዝሕብሮ ከኣ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣብ ጐዳፍ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ናይ ሽዑ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ናይ ሎሚ ባርካ  ካለኣይ ደረጃ  ቤት  ትምህርቲ ተኸታቲሉ።

ብርሃነ ትምህርቱ ምስ ወደኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣታውታት ውሽጢ ሃገርን ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላትን ተመዲቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣገልጊሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ድማ መነባብሮኡ ንምምሕያሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ብሕታዊ ስረሓት ተዋፊሩ ጸኒሑ።

ኣቶ ብርሃነ እምባየ ካብቲ ቅድም ኣንጻር ወጽዓ ጨቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ምቅዋም ዳርጋ ነውሪ ዝነበረሉ ግዜ ጀሚሩ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣብ ዝነበረ መስርሕ ቃልሲ ብድፍረት፡ ብጽንዓትን ብግሉጽነትን ንሰላም፡ ንልምዓት፡ ንፍትሕን ልዕልና ሕግን ተቓሊሱ ህዝባዊ ወገናውነቱ ዘመስከረ ውፉይ ነይሩ። ብርሃነ ሓቂ ኮይኑ ዝተራእዮ ብግልጺ ምዝራብ፡ ብጸቢብ ስምዒታት ዘይምንብርካኽን ልግስ ሕያውነትን ቀንዲ መለለዩ ኮይኖም ጸኒሖም። ኣቶ ብርሃነ እምባየ ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ በዓል ሓዳር ነይሩ።

በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እንዳገለጸን ናይቲ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ እንዳሓበረን፡ ንመዋቲ መንግስተሰማይ፡ ንቤተሰቡ ከኣ ጽንዓት ኣኻእሎን ይምነ።

ክንዲ: መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር

24 ሕዳር 2019

Last modified on Monday, 25 November 2019 20:03