Print this page

10 መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተሓቢሩ

2014-11-05 20:30:41 Written by  Radio Erena: 05 November 2014 Published in Human Rights Read 10320 times
Rate this item
(0 votes)

 

Radio Erena: 05 November 2014

Eri Mon

10 መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተዋህዶ ዶት ኦርግ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቶም 10 መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ፣ ምስቲ ኣቐዲሙ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ንምትእትታው ልኡኻት መንግስቲ ንምውጋዝ ዝተዘርግሐ ደብዳቤ ብዝተሓሓዝ፣ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ’ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ሰጊምሮም።

እቶም 10 መነኮሳት፣ ሰለስተ ካብ ገዳም ጻዕዳ እምባ፣ ሰለስተ ካብ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም፣ ክልተ ካብ ገዳም ኣብራንዮስ፣ ሓደ ካብ ገዳም ኣቡነ ብሩኽ፣ ሓደ ኸኣ ካብ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ምዃኖም’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ሽዱሽተ ገዳማት ኤርትራ፣ ንምትእትታው ልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ዝውግዝ ውግዓዊ ደብዳቤ ከምዝዘርግሑ ዝፍለጥ’ዩ።

Last modified on Wednesday, 05 November 2014 21:33