Thursday, April 24, 2014
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

User Rating:  / 0
PoorBest 

ትማሊ ሰንበት ዕለት 1 ግንቦት 2011 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ናይ መወዳእታ፡ ጻዕረ ሞታዊ ፈንጠርጠር ዘካይዶ ዘሎ ፈተነ ሓድሽ ውድባን ምድንጋራትን፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ርድኡኒ ኣውያት ሰሚናር ተኻይዱ።

ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፈጸም ዘሎ ገበን ክሰምዕዎን ክርኣይዎን ከም ዘከኣሉ መሲሎም'ኳ እንተኸዱ፡ ሕልንኦም ቀይዱ ስለ ዝሓዞም ነቲ ሓቒ፡ ኣብ ኣፍደገ ሰሚናር ኮይኑ ኣውያት ህዝቡ ዘስምዕ ዝነበረ ሰልፈኛ ግን ፍጹም ክሰግርዎ ኣይከኣሉን። ከም ታተ ዝብል ህጻን ከኣ ዝረግጽዎን፡ እግሮም ዘንብርሉ ከም ዝሰኣኑ፡ በቲ ሓደ ንሰልፈኛ ክጥምቱ ክብሉ ከም ሰኽራማት ሰንደልደል እንዳበሉ ናብ ጎይትኦም የማነ ገብረኣብ ክሰግዱ ይኣትዉ ነበሩ።

ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝተዋህቦ መምርሒ ኣኽቢሩ፡ ብልዑል ስነ ስርዓት ጉዳይ ከም ዝፍጽም ዝተመስከረሉ፡ ሎሚ'ውን ናይ ሓደ ግንቦት ሰልፊ ብሰበ ስልጣን ፖሊስ ስቶክሆልም ብምትሕብባር፡ ካብ'ቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝተመደበ ቦታ (ስግር ጽርጊያ) ናብ'ቲ ጓሓላሉ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣዳራሽ ክጽጋዕ ናይ'ቲ ቦታ ኣኽባሪ ስነ ስርዓት ዝነበረ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቱ ተዘራሪቡ ነቲ ቦታ ሕጋውነት ከም ዝህልዎ ገይሩ።

ኣብ መጀመሪያ ዝርዝር ኣስማት ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብሓው ግርማይ ተፋማርያም ቀሪቡ። እቲ ሰልፊ ብቋንቋታት ትርግኛ፡ ዓረብኛ፡ ሽወደን፡ መልእክቱ ኣመሓላሊፉ፡ ኣዜን ሾካይ፡ ሙሳ (ሕዳረባይ) ብዓረብኛ መልእክቲ ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ ብቋንቋ ሽወደን፡ ብዛዕባ'ቲ ሰሚናር ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ፡ ቤት ትምህርቲ ኦሳ፡ ናይ ዲሞክራሲ ትካል፡ መባእታ ናይ ዲሞክራሲያ ሀ ሁ ትመሃረሉ ብምዃኑ የማነ ገብረኣብ ኣብ'ዚ ቅዱስ ኣዳራሽ ብዛዕባ ምልካዊ ስርሓቱ ከሳልጥ ምምጽኡ ዓብይ ጌጋ ናይ ጌጋ'ዩ ክብል ኣብ ዘስምዖ መደረ ሓለፍቲ መንገዲ ሽወደናውያን ዝመሰጠ ከም ዝነበረ እዩ።

ትብለጽ መለስ (ሃውኪ) ብዛዕብ ኣደታት ኤርትራውያን ዘሕልፍኦ ዘለዋ ስቓይን መከራን ገሊጻ፡ ንደገፍቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ተሪር ነቐፈታ ዘስምዕ መደረ ኣቕሪባ። ከምኡ ኣንቶንዮ ተስፋይ፡ ምሕረት ዳዊት ካብ'ቶም ኣብኡ ዝተዛረቡ ነበሩ።

ሜሮን ስቲፋኖስ፡ ኣዜን ሾካይ፡ ኑረዲን፡ ለተብርሃን መለስ ዝርከብዎም ናብ'ቲ ሰሚናር ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ገጾም ከም ዘምርሑን፡ ፖሊስ ከኣ፡ ኣካይድቲ ሰላምዊ ሰልፊ ብምዃኖም ጥራሕ ጠጠው ከም ዘበልዎም፡ ክኣትዉ ከም ዘይክእሉ ገሊጾም ንድሕሪ መሊሶሞም። ናብ'ቲ ኣዳራሽ ክኣትዉ ዝኸልከሎም ካልእ ምኽንያት ብፖሊስ ከም ዘይቐረበ፡ ሜሮን እስቲፋኖስ ኣረጋጊጻ።

ኣብ'ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ሽውደናውያን ጋዜጠኛታት ከም ዝተሳተፉ፡ ድሕሪ ንሰልፊ ብፊልም ምቕራጾም፡ ናብ ቦታ ሰሚናር ኣትዮም፡ ሰንድ ኣልዒሎም።

advertize with us

EPDP Magazines

magazinelogoleft

English Articles

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity. We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone. 


እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ። ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።


إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات. إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.

 
 

Login Form