Print this page

ናይ ሓዘን መግለጺ

2018-07-31 14:31:53 Written by  EPDP Chairman Office Published in Community Center Read 4468 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ 31 ሓምለ 2018 ናይ ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ ዜና ዕረፍቲ ተሓቢሩ።

ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጣዊ ቃልሲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከበርክት ድሕሪ ምጽናሕ ብ1966 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ ኣብ ዝተፈላለየ መሪሕነታዊ መደባት ኣገልጊሉ። ካብ ዝተዋስኣሎም መደባት ኣባል ገድላዊ ባይቶን ኣባል ውተሃደራዊ ስታፍን መራሕ ብርጌድን ነይሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ንሰራዊት መሪሑ።

ኤርትር ናጻ ድሕሪ ምውጻኣ ድማ ሓደ ካብቶም፡ ናብ ኤርትራ ኣትዮም ቃልስታቶም ክቕጽሉ ዝመረጹ ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ እዩ።

ንስዉእ ተስፋይ ተኽለ መንግስተ ሰማይ የውርሶ ፤ ንኹሎም በተ ሰቡን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ኣናበልና ናይ ሓዘኖም ተካፈልቲ ምኻንና ንገልጽ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

Last modified on Monday, 06 August 2018 17:12