Print this page

ናይ ነፍሲሄር ሓርበኛ ዘቢብ ማና ግደይ ስነስርዓት ቀብሪ

2018-05-17 07:44:36 Written by  ስድራ ቤት ነፍሰሄር ዘቢብ Published in Community Center Read 3589 times
Rate this item
(0 votes)

ሓርበኛ ዘቢብ ማና ግደይ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ማና ግደይን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ለተንኪኤል ገብረመድህንን ኣብ መስሓል-ወደከለ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ቦኽሪ ናይ 6 ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኑ ጥሪ 1955 ዓመተ ምህረት ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ኣብ ትምህርቲ ተሳቲፉ ክሳብ 10ይ ክፍሊ ተማሂሩ። ኣብ ካላኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዳግማዊ ምነሊክ ኣዲስ ኣበባ አንዳተማሃረ እንከሎ ድማ ከም ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ በቲ ሽዑ ዝነበረ ውዕዉዕ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ምልዕዓል ብመግዛእቲ ዘይጻዓድ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ስለዝሓደሮ ትምህርቱ ጠንጢኑ ብ1976 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ተጸምበረ። ምስ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ኮይኑ እንዳተቓለሰ እንከሎ ድማ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ቅልጡፍ ወትሃደራዊ ዕብየት ኣርእያ ካብ ናይ ደረጃ በጦሎኒ ናብ ብርጌዳዊ ስርርዕ ስለእተሰጋገረት ሓርበኛ ዘቢብ’ውን ኣብ ብርጌድ 44 ናይ 2ይቲ ቦጦሎኒ ናይ ከቢድ ብረት ተኳስን ኣተኳስን ኮይኑ ብተወፋይነትን ትብዓትን ተቓሊሱ። ፍልይቲ ናይ ከቢድ ብረት ብርጌድ (ብርጌድ 19) ምስ ተመስረተት ድማ ካብ ብርጌድ 44 ተሳሒቡ ምስ ብርጌድ 19 ኮይኑ ክሳብ ተ.ሓ. ኤ. ብናይ ሕድሕድ ውግእ ተደፊኣ ሱዳን ትኣቱ ብትብዓት ክቃለስ ጸንሐ።

ብ1982 ዓመተ ምህረት ግን በቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ቅድም ናብ ፖርት ሱዳን፡ ድሕሪኡ ድማ 1984 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሎስ-ኣንጀሎስ መጸ። ኣብ ሎስ-ኣንጀሎስ ካሊፎርንያ አንዳሰርሐ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ኣስካሉ ኣብራሃም ብምምርዓው ድልዱልን ምውቕን ሓዳር መስረቱ። ብፍቓድ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ክልተ ጽብቛት ቆልዑን 6 ደቂ-ደቁን ንኽርኢ ተዓደለ። ሓርበኛ ዘቢብ ምስቲ ኩሉ ናይ ስደት ሃለኽለኽን ናይ ስድራ ሓላፍነት ግን እቲ ብጊሓቱ ዘንቀሎ ናይ ነጻነትን ሓርነትን ባህጊ ከይረሰዐ ሰላማውን ዲምክራሲያውን ቃልሱ ምስ ጨናፍራትን ዞባታትን ናይ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡውን ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብተወፋይነት ንሃገሩ ከገልግል ዝጸንሐ ውፉይ ተቓላሳይ ነይሩ። ዘቢብ ብቤተሰቡን ፈተውቱን መቓልስቱን ፍትዊ፡ ርህሩህን ዓቃልን ነይሩ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ግን ብስድራቤቱን ብሆስፒታልን ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ ቀዳም ግንቦት 12, 2018 ኣብ ግራንት ሆስፒታል ስድራ ቤቱ ኣብ ዘለውሉ ዕለትን ሰዓትን ብሰላም ዓሪፉ። ናይ ዘቢብ መስዋእቲ ንበዓልቲ ቤቱን፡ ደቁን ደቂ-ደቁን፡ ናይ ቃልሲ ብጾትን ዓቢ ክሳራ እዩ። ንዕኡ መንግስተ ሰማያት፡ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ደቂ-ደቁን ብጾቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም።

ቦታ ናይ ሓዘን፡St. Mary Eritrean Tewahdo Orthodox Church, 1415 Sunbury Rd, Columbus, OH 43219

ሓመድ ኣዳም ዝለብሰሉ ዕለት፡ ቀዳም ዕለት 19, 2018 ኮይኑ ፍትሓት ልክዕ ሰዓት 7፡45 ቅ.ቀ. ኣብ ቅድስተ ማርያም ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ክካየድ እዩ።ፍትሓት ድሕሪ ምፍጻሙ ድማ ናብ ቦታ ቀብሪ 10፡00 ቅ.ቀ. ጉዕዞ ይኸውን።

ሓመድ ኣዳም ዝለብሰሉ ቦታForest Lawn Memorial Gardens

ኣድራሻ፡ 5600 E Broad St, Columbus, OH 43213

የቐንየልና / ሕሰም ኣይትርከቡ። ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ ናብ’ዘን ዝስዕባ ቁጽሪ ተሌፎናት ደዊሉ።                

614-668-2846         614-441-2913             614-559-9999

Last modified on Thursday, 17 May 2018 09:50