Print this page

ዶር ገብረ ገብረማርያም ፣ካብ ዝባን ሕጊውን ስለሕውነት፣ ነጋሪት ምፍንጫል ዘይኮነስ ነጋሪት ሓድነትን ስምረትን ክትድስቅ!

2017-10-01 15:54:28 Written by  መድሃኔ ሃ Published in المقالات العربية Read 4317 times
Rate this item
(0 votes)

2ይ ክፋል

ክቡር ዶር ገብረ ገብረማርያም «ልቦና ዝሕርሙን ውዕል ሓድነት ዝጠለመን መሪሕነት ሰደህኤ»  ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስፊርካ ኣብ መርበብ ሓበረታ meskerem.net ዝሰቀልካዮ ጽሑፍካ ነዚ ውጺእት 2ይ ጉባኤ ዝኾነ መሪሕነት ሰልፊ ከም ልቦና ዝተሓረሞ፣ ውዕል ሓድነት ዝጠለመን ዘፍረሰን፣ ንሓድንነት ሰልፊ ዝብሕጉግ ውሳኔታት ከሕልፍ ዝጸንሐ ኢልካ ድሕሪ ምግላጽ፣ እዚ መሪሕነትዚ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ውሑዳት ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ «ሰህኤ EPP» ዝነበሩ ሒዙ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጁኣሎ ብምባል ንህዝቢ ሓቢርካ ኣሎኻ።

ህዝብና « ዘይተማህረ ኣየድሕን….» ክብል ከሎ፣ ምሁር ኣካል ፈሊጣዊ ዓቕሙ ተጠቂሙ፣ ከከም ሞያኡ ንሕበረተሰቡ መንገዲ ፍልጠት፣ መንገዲ ድሕነት፣ ጥዕና፣ ሓቂ፣ ቅንዕና፣ ዕብየት፣ ምዕባለ፣ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ናይ ምሕባርን ምምሃርን ክእለትን ብቅዓትን ከምዘለዎ ዝሕብር ለባም መግለጺ ኣዩ። እዚ ማለት ድማ፣ ምሁር ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ኣካይድኡን መነባብሮኡን ኣብ ኩሉ መዳይ ኣብነታውን መሃርን ኮይኑ ንኽርከብ ትጽቢት ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ሞያውን ሞራላውን ሓላፍነት እውን ኣለዎ። በዚ መሰረት፣ ምሁር ኣካል ዋላ ኣብ ገለ ኣከራኻርን ኣማጓትን ኩነታት እውን እንተኾነ ነቲ ካብኡ ትምህርትን ልቦናን ዝጽበ ክፍሊ ሕብረተሰቡ ሕጋውነትን፣ ሓቅነትን፣ ፍትሓውነትን ናይቲ ዘማጉት ዘሎ ኮነታት ብብሩህን ብንጹርን ኣገባብ እንዳገለጸ እዩ ከረድእ ዘለዎ። ብጃምላ መሪሕነት ሰልፊ ህዝቢ ደሞራሲ ኤርትራ ልቦና ዝተሓረሞ እዩ፣ ውዕል ሓድነት ሰልፊ ዝጠሓሰን ዘፍረሰን እዩ፣ ንሓድነት ሰልፊ ዝብሕጉግ ውሳኔታት ክወስድ ጸኒሑ ኢልካ ጥራይ ምግልጹ ግን፣ ናይ ቁጠዐን ስሚዒትን ቋንቋ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ካብ ምሁር ኣካል እትጽበዮ ምሃሪ ትሕዝቶውን የብሉን።

ከም ኣብነት፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንቕርጻ ኣቃውማኡ፣ ንኣመጻጽኣን ኣሰራርሓን ትካላዊ ምምሕዳራቱ፣ ንመሰላትን ግቡኣትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ከይተረፈውን ዘመሓድር ዝርዝራዊ ዓናቕጽ ዝሓዘ ሰልፋዊ ቁዋም ኣለዎ። እዚ ቁዋም እዚ ድማ ብቐጥታዊ ተሳትፎ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ተዳልዩ፣ በቶም ሕጋውያን ወከልቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ዝኾኑ ተሳተፍቲ 1ይን 2ይን ጉባኤታት ሰልፊ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቀን ዝተመሓየሸን ሕጋዊ ሰነድ ሰልፊ እዩ።

ዝኾነ ኣባል ሰልፊ ይኹን ዘይኣባል ሰልፊ ድማ ብመሪሕነት ሰልፊ ጌጋታት ተፈጺሙ ኢሉ ክምጉት እንተኾይኑ፣ ካብዚ ስነድ እዚ ኣየናይ ኣዓንቀጽ፣ በየናይ ኣገባብ እዩ ብመሪሕነት ሰልፊ ተጣሒሱ ድሕሪ ምሕባር፣ ከም ውጺኢቱ ሃስያታቱ ኣብ ህይወት ሰልፍን ሕብረተሰብን  ከረድእ ዘለዎ። ማለት እቲ ሰማዓይን ፈራዳን ዝኾነ ሳልሳይ ኣካልሲ እቲ ቁዋም ድዩ ዘይሕጋዊ ሰነድ፣ ዋላ እቲ መሪሕነት እዩ ዘይሕጋዊ ትካል፣ ወላስ እቲ ዝተወስደ ውሳኔታትዩ እዩ ብመሰረት ናይቲ ቁዋም ዘይተወስደ፣ ወይስ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘይተኸተለ፣ ብንጹርከ ኣየናይ ዓንቀጽ ተጣሒሱ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ። ብድፉኑ መሪሕነት ሰልፊ ንሓድነት ሰልፊ ዘፍርስ ውሳኔታት ክወስድ ጸኒሑ ምባል ግን ብሓፈሽኡ ማንም ሰብ ብፍላይ ግን ከማኻ ልዑል ደረጃ ትምህርትን ዓቅምን ዘለዎ ሰብ ክጥቀመሉ ዘይብሉ ኣገባብ እዩ። ውዕል ሓድነት ሰልፊ እውን በዚ መሪሕነትዚ ተጠሊሙን ፈሪሱን ዝብል ምጉትውን ካብ ኣልዓልካ፣ ዝተጠለምን ዝተጣሕሰን ውዕል ሓድነት ሰልፊ ብመሰረቱ እንታይ ይብል ነይሩ፣ መዓስን ብኸመይን ኣገባብከ ተጣሒሱ እውን ናይ ብመርትዖ ናይ ምርግጋጹ ሓላፍነት ናይቲ ተጣሒሱ ዝብል ኣካል ስለዝኾነ፣ ክተብርሆ ዘሎካ ጉዳይ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብምውናን ኣስራሒ (functional) ዝኾነ ቁዋሙን፣ ብምእዙዝነት ብሕጋዊ ኣገባብ ናይ ዘጽደቀ ቁዋሙን፣ ምስኡ ዝሳነ ክላእ ሕግታትን ዝለለ ሰልፊ ምኳኑ ይትረፍስ ንኣባላቱ ንዘይኣባላት ሰልፊውን ብሩህ ሓቂ እዩ። እዚ ግን ብዓይኒ ቅንዕና ንዝሪእን ንዝምስክርን ሰብ ጥራይ እዩ ብሩህነቱ።   

ሕቶ ሕጋውነት ቁዋም ሰደህኤ (legitmacy issue of the party constitution)

ክቡር ዶር ገብረ ገብረማሪያም ኣብ ጽሑፍካ ከምኡ ስለዘየምበብኩ፣ ኣብ ሕጋውነት ቁዋም ሰልፊ ጸገም ዘሎካ ኣይመስለንን። ንምሉእነቱ (perfection) ብዝምልከት ግን ዝኾነ ቁዋም ፍጹምነት ስለዘይብሉን፣ ንሓደሽቲ ምዕባሌታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ክኸውን ስለዝኽእልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውሱን ግዜ ብሕጋዊ ኣገባብ ናይ ምምሕያሹን ምሕዳሱ ባህይርያት ሒዙ ይርከብ። ቅዋም ሰልፊናውን እንተኾነ ድማ ነዚ መስሪሕዚ ዝኽተልን ዝተኸተለን ሰነድ እዩ።

ስለዚ ከም ኣባላት ናይ ሓደ ሰልፊ ሓደ ፖለቲካዊ ስድራ ኢና እሞ፣ ጉድለታት እንተሎ ጉድለታትና እንዳአረምና፣ ሃጓፋት ናይ ቅዋምናን ሕግታትናንውን ብኣገባብ እንዳ ኣመሓየሽና ንቅድሚት ምቅጻላ እዩ ዘድሊ። ንኽትፍንጨል መሪሕነት ሰደህኤ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣውጺኡ ኢልካ ምእዋጅ ግን ንናይ መን መኽሰብ፣ ብምፍንጫል ተስፋንዝቆረጸ ህዝብን መንእሰይን ኣብ ክንዲ ምትእኽኻብ ብለባምካ ድግማይ ምፍንጫል ክተበስሮ ግን ብስነ ምግባርውን ዓገብ እዩ።

ሕቶ ሕጋውነት መሪሕነት ሰደህኤ (legitmacy issue of the Party  leadership)

መሪሕነታት ሰልፊ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ማለት ካብ ናይ ጨንፈር መሪሕነት ኣትሒዝካ ክሳብ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ኣብ ሕጋዊ ጉባኤታት እዮም ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝምረጹ። ማለት መሪሕነት ጨንፈር ኣብ ጉባኤ ጨንፈር፣ መሪሕነት ንኡስ ዞባ ኣብ ጉባኤ ንሑስ ዞባ፣ መሪሕነት ዞባ ኣብ ጉባኤ ዞባ፣ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ድማ ኣብ ጉባኤ ሰልፊ ከም ዝምረጹ ዘይፈልጥ ኣባል ሰልፊ የብልናን። እዚ ብዶር ገብረ ገብረማሪያም ዝውንጀል ዘሎ ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ እምበኣር በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ብ2015፣ ብሕጋውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ብኣባላት ሰልፊ ተመሪጹ። ስለዝኾነ ድማ እዚ መሪሕነት እዚውንዚ እንተኾነ ኣብ ሕቶ ሕጋዊውነቱ፣ ሕጋዊ መሪሕነት ሰልፊ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ኣነውን ዝያዳ ንምብራህ ኢለ እንተዘይኮይኑ፣ ዶር ገብረ ነዚ መሪሕነትዚ ብጥልመት ውዕል ሓድነታዊ ስምምዓትን፣ ብዘይሕጋዊ ውሳኔታቱን፣ ብንእሰተ ልቦናን እንተዘይኮይኑ፣ ሕቶ ሕጋውነቱ ከምዘየልዓለስ እፈልጥ እየ። 

ሕቶ ሕጋውነት ውሳኔታት መሪሕነት ሰልፊ፣ (legitmacy of decisions taken by either CC or EC)

ውሳኔታት ናይ ዝኾነ ማሕበር(organiation) ኣብቲ ንሱ ዝምረሓሉ ውሽጣዊ ወይ ሃገራዊ ሕግታት ተመርኲሱ፣ ገለ መዕቀኒታት ብምውሳድ ሕጋውነት ወይ ዘይሕጋውነት ክለብስ ይኽእል። ሓደ ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ግን ሕጋውነት ናይ ሓደ ውሳኔ ምስ ውጺእት ወይ ሳዕቤን ናይቲ ውሳኔ ምትእስሳር የብሉን። ንኣብነት ኣብ ሰደህኤ ብመሰረት ቁዋም ሰልፊ ውሳኔታት ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ብብዝሒ ድምጺ ይውሰዱ። ብማእከላይ ባይቶ ሰልፍን ብፈጻሚ ኣካል ሰልፊን ንዝውሰዱ ውሳኔታት ሕጋውነቶም ንምምዛን ንምርግጋጽን ማንም ሰብ ክወስዶም ዝኽእል መዐቀኒታት እምበኣር እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እዮም፣

  1. ነቲ ውሳኔ ዘድልዮ ኣማጓቲ ሕቶ ዋላ ተተርጒሙውን ይኹን ዘመሓድሮ ዓንቀጽ ኣብ ቁዋም ሰልፊ ኣሎዶ የሎን?
  2. እቲ ውሳኔ ብሓደ ሕጋዊ መሪሕነት ድዩ ተወሲዱ?
  3. እቲ ውሳኔ ኣብ ዝተወስደሉ ኣኼባ ምልኣተ ኣኼባ (quorum) ተማሊኡ ዶ?
  4. ኣብ ውሳኔ ቅድሚ ምእታው ንኩነታት ናይቲ ኣከራኻሪ ሕቶ ብንቡእ ናይ ምብራህን፣ ሪቶታትካ ናይ ምግላጽን መስሪሕ ታኻዪዱዶ?
  5. ውሳኔ ንምሕላፍ ድምጽኻ ብናጻ ናይ ምሃብ ደሞክራሲያዊ መስሪሕ ተኻዪዱዶ፣ ማለት ናይ ደገፍ ድምጺ፣ ናይ ተቃውሞ ድምጺ፣ ድምጺ ካብ ምሃብ ናይ ምቁጣብ (abstention) መሰላትን መስርሓትን ተኻይዱዶ?
  6. ደጋፍን፣ ተቃዋምን፣ ድምጹ ካብ ምሃብ ዝተቆጠበን ብግቡእ ተቆጺሩ ተመዝግቡዶ፣ እቲ ዘድመጸኸ ተመሊሱ ነቲ ውሳኔ ሰሚዑ ኣጽዲቁዎዶ ኢልካ ክምርመር ይከኣል?

እዚ ኹሉ ተማሊኡ እንተኾይኑ ግን፣ ውጺእት ውሳኔ ኣሉታ ድዩ ኣወንታ ብዘየገድስ፣ መሪሕነት ሰልፊ ብመሰረት እቲ ኣባል ኣብ ጉባኤታቱ ኣጽዲቁ በዚ ቁዋምዚ ምርሓና ኢሉ ዝሃቦ ቁዋም መሰረት ይሰርሕን ይመሪሕን ስለዘሎ, እቲ መሪሕነት ብሕጽረት ብቅዓት ኮነ ብኽፍኣት ክኽሰስን ክውንጀልን የብሉን። ክቡር ዶር ገብረ ገብረማሪያም፣ ኣብ ጽሑፍካ ፍሉይ ውሳኔ ስለዘይጠቀስካ, ኣነውን ንነፍሲ ወከፍ ውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ኮነ ፈጻሚ ሽምገለ ሰደህኤ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅሰ መዐቀኒ ክዕቅን ምኽንያት የብለይን። ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ግን ካልእስ ይትረፍ ኣብ ማእከላይ ባይቶ ኮነ ፈጻሚ ሽማገለ ሰልፊ ምልኣተ ኣኼባ ከይተማለአውን ኣኼባታት ከምዘይካየዱ፣ ኩሉ ውሳኔታት ድማ ድሕሪ እኩል ምይይጥ ብብዝሒ ድምጺ ከምዝውሰዱ እዩ። ውሳኔታት ሕጋውነት ሃልይዎም ኣብ ህይወት ሰልፊ ኣሉታዊ ጽልዋ እንተሃልይዎም ግን እቲ ቁዋም ሰልፊ እዩ ክመሓየሽ ዘለዎ። ዶር ገብረውን ኣብ ቁዋም ሕጽረታት እንተሃልዩ ንኸምዚ ዓይነት ቁዋማዊ ሕጽረታት ንምምሕያሽ ምስ ትምህርቱን ሞያኡን ዝሳነ ጻዕሪ ከካይድ እይ ትጽቢት ዝግበረሉ። ብቁዋም ሰልፊ ተቀዪዱ ንዝመሪሕን ንዝሰሪሕን፣ ንዓወት ናይ ሰልፊ ብልዑል ተዋፋይነት ንዝሰርሕን መሪሕነት ብኸምዚ ዓይነት መሰረት ዘይብሉ ኣገባብ ክትውንጅሎን ክትከሶን ግን ኣየምሕረልካ ጥራሕ ዘይኮነስ, ምስ ሞያኻን ትምህርትኻን ዝኸይድ እውን ኣይኮነን። ምስ ሞራልን ስነምግባርን ኤርትራዊ ባህልውን ዝሳነ ኣይኮነን።   

ሰልዚ ዶር ገብረ እቲ ምብሕጓጉ ሓድነት ሰልፊ ዝስዓበ ውሳኔታት መሪሕነት ሰልፊ፣ ኮነ ጥሕሰት ሓድነታዊ ስምምዕ ኣበይ ኣሎ? ከበይከ ኣምጺእካዮ? እንተሎኸ ሰብ ካብ ጌጋውን ስለዝመሃር እቲ ዝሰምዕ 3ይ ኣካል ኮነ እቲ ዝውንጀል ዘሎ ንኽመሃርሲ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መዐቀኒታት ገርካ ክትገልጾዶ ኣይምሓሸን? እንተዘይኮይኑ ግን ብድምዱቡ መሪሕነት ሰደህኤ ከምዝን ከምዝን ጉድለታትን በደላትን ኣለዎ እሊካ ምግላጽ፣ መሃሪ ቋዋንቋ ኮነ መሃሪ ኣሀጋብ ኣይኮነን፣ ኣብ ክንድኡ ናይ ስምዕትን ናይ ቁጠዓን ቃላት ኣብሊዕሊ ምዃኑ ዘለፋን ጸለመን ዝሓዘ ቃላትን ቋንቋን እዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን ከም ኣባላት ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ መጠን ፖለቲካዊ ስድራ ምዃና ዘኪርና፣ ንሕጽረታት ቁዋምናን ሕግታትና መሪሕነትናን ብመሰረት ቁዋምና ሓቢርና ብምስራሕ እንዳ ኣመሓየሽናን፣ ንዝጎደለ መላእናን እንተኸድና እዩ እቲ ጣቋ። ብሓደ ወገን ብሕሱም ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ንዝሳቀ ዘሎ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ብምፍልላይ ናይ ፖሎቲካዊ ማሕበራቱ ኣብ ተስፋ ምቁራጽ ንዝበጽሐ ህዝብና ግን፣ ዳግማይ ንይ ምፍንጫል ብስራት ክተበስሮ ዓገብ እዩ። ባዕልኻ ንኽትፍንጨል መዲካን ወሲንካን እንተዘይኰንካ ድማ ብመሪሕነት ሰደህኤ ዝተኣወጀ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ የሎን።

እምበኣር ዶር ገብረ ገብረማሪያም ሕጅውን እንተኾነ፣ ስለ ሕውነት ኣብ ልብኻ ተመሊስካ፣ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ሂብካ ክትቃለስ፣ ሳዕቤን እትጥቀመሉ ዘይእሩም ቃላትካን፣ እትወስዶ ዘሎኻ ንማንም ዘየርብሕ ስጉምትታትን እውን ክትፈልጥ እላበወካ! 

ክሳብ ብሳልሳይ ክፋል ትንተና ሓቅነት መጎተ ዶር ገብረ ዝመጽኩም ደሓን ቀንዩ ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ!

 

Last modified on Sunday, 01 October 2017 18:00